Sunday , April 28 2024

ኮረና ቫይረስ

January, 2022

  • 15 January

    ብርክት ዝበላ ምምሕዳራት፡ ናይ መርመራ ወጻኢታተን የጉድላ

    ብርክት ዝበላ ናይ ምምሕዳር ዞባታት እቲ መልከፈቲ እንዳተ  ኣስፋሕፈሐ ኣብ ዝመጸሉ ዘሎ ኩነታት፡ ነቶም ናይ ኮቪድ-19 መርመራታት ዝምልከቱ ረቛሒታት ብሰንኪ እቲ ኣብ ልዕሊ ቁጠባ ዝበጽሕ ዘሎ ጽዕንቶ ምኽንያት ብምግባር ይቕይርዎም ከም ዘለው Ekot ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጥራሕ ንመርመራታት ዝወጸ ወጻኢ ልዕሊ 15 ቢልዮን ክሮነር ከምዝነበረ ከፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ። ኣብ ምምሕዳራት ብሌኪንየ፣ ሃላንድን ስቶክሆልምን ካብ ሎሚ ንንየው …

  • 15 January

    ኖርወይ፡ ንደቂ 5 ዓመት ዝዕድሜኦም ቆልዑ፡ ክትባት ክትህብ ጀሚራ

    ኣብ ኖርወይ ዝርከቡ ዕድሜኦም ኣብ ሞንጎ 5ን 11ን ዓመት ዝኾኑ ቆልዑ፡ ኣንጻር ኮቪድ-19፡ ክታበት ክወስዱ እንድሕር ደልዮም እዚ ኽገብሩ ከምዝኽእሉ ሓለዋ ጥዕና ናይታ ሃገር ኣፍሊጡ። መንግስቲ ከም ዝብሎ እንተኾይኑ፡ እቲ ክትባት ብወለንታ ዝውሰድ እምበር ንኹሎም ኣብ ሞንጎ 5 ን 11 ዓመት ዘለው ህጻናት፡ ናይ ግድን ዝተኣወጀ ክትባት ከምዘይኮነ እዩ ኣብሪሁ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ቆልዑ፡ ብሳሕቲ እንተዘይኮይኑ ብጣዕሚ ዝሓመሙሉ …

  • 15 January

    ስጳኛ፡ ንቑልጡፍ መርመራ ኮቪድ፡ ናይ ዋጋ ደረት ኣተኣታትያ

    ስጳኛ፡ ኣብ ጉዳይ ኮቪድ-19፡ ንሕቶ ናይ ቅልጡፍ መርመራ ኮቪድ፡ ናይ ዋጋ ደረት ንምትእትታው፡ መጽናዕቲ ተካይድ ከም ዘላ፡ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ስጳና ኣፍሊጦም ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ፡፡ መበገሲ ናይ’ዚ ኩነታት፡ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ-ሰንበት ዋጋታት ከምዝወሰኸን ቅልጡፍ መርመራታት ንምግባር ዘድሊ ጠለብ ካብ ቀረብ ከም ዝዛይድ ጸብጻብ ምስተነግረ፡ እቲ ህዝቢ ዘርኣዮ ሓያል ግብረመልሲ ምዃኑ ተሓቢሩ፡፡ ክሳብ ቀዳም ዝለዓለ ዋጋ 2.94 ዩሮ …

  • 15 January

    ኣብ ውሽጢ 24 ስዓታት፡ 80 ሽሕ ሰባት ከም ዝተለኽፉ፡ ጀርመን ሓቢራ

    ጀርመን፡ ብሓድሽ ቁጽሪ ናይ`ቶም ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ብኮቪድ-19 ዝተታሕዙ ግዳያት ኣብ ዝለዓለ ደረጃ በጺሓ ትርከብ፡፡ ኣብዘን ዝሓለፋ 24 ሰዓታት፡ ናይ 80.430 ዝኣኽሉ ሓደስቲ ግዳያት ጸብጻብ ናብ ትካል ምቁጽጻርን ምክልኻልን ሕማማት ሽወደን ከም ዝተዋህበ፡ እዚ ከኣ ካብቲ ኣብ መፋርቕ ናይ ወርሒ ሕዳር ኣብ ዝነበረ እዋን ኣትሒዙ ዝተመዝገበ ናይ ልዕሊ 65.000 ሓደስቲ ግዳያት ናይ መወዳእታ ጸብጻብ ኣዝዩ ከም ዝወሰኸ `ዩ ዘመልክት …

  • 14 January

    ኣመሪካ፥ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ንውሳነ ባይደን ውዱቕ ጌርዎ።

    ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣመሪካ፡ ነቲ ኣብ ዓበይቲ ኲባንያታት ዝዓዩ ሰባት ክኽተቡ ወይ ሰሙናዊ መርመራ ክግበረሎም ዝብል ውሳነ ፕረዚደንት ጆ ባይደን፡ ዓጊትዎ። እዚ ንደረት ስልጣን ምምሕዳር ባይደን ዝሓልፍ ውሳነ እዩ ንምባል እዩ እቲ ቤት ፍርዲ ነዚ ውሳነ ከም ዝዓገቶ ገሊጹ’ሎ። ኣብ መንግስቲ ዝምውለን መደብራት ጥዕና ንዝሰርሑ ኣባላት ውሱን ናይ ክትባት መምርሒ ኣብ ትግባረ ክውዕል ከም ዝኽእል ክልቲኣቶም ብተናጸል ወሲኖም ኣለዉ፡ እዚ …

  • 14 January

    ባይቶ ሽወደን፡ ንቀይድታት ለበዳ፡ ናብ ክልተ ኣዋርሕ ኣሕጺርዎ

    መብዛሕትኦም ኣባላት ሽማግለ ባይቶ ሽወደን (Riksdag’s Social Committee) ነቲ ብመንግስቲ ሽወደን ዝቐረበ ንኣርባዕተ ወርሒ ዝጸንሕ ቀይድታት ለበዳ ብዝምልከት፡ ከምዘይተቐበልዎ ተፈሊጡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ኽልተ ወርሒ እኹል እዩ ይብሉ። ኣብዚ እዋን እዚ፡ እቲ ሽማግለ፡ ነቲ ናይ መንግስቲ ብዕሊ ኮቪድ-19 መስርሕ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዘሎ ናይ ምንዋሕ እማመ ንምትግባርን ነቲ ግዜያዊ ናይ መልከፍቲ ምክልኻል ክውሰዱ ብዛዕባ ዘለዎም ስጉምቲታት ብዝምልከት ንምትግባር ኣብ …

  • 13 January

    ፍርቂ ካብ ህዝቢ ኣውሮጳ፡ ብኦሚክሮን ክልከፍ ተኽእሎታት ኣሎ ተባሂሉ

    ኣብ ዝቕጽል ካብ ሽዱሽተ ክሳብ ሸሞንተ ሳምንታት ኣብ ዘሎ ግዜ፡ ፍርቂ ካብ ህዝቢ ኣውሮጳ፡ ብ ጅር ቫይረስ ኦሚክሮን ክልከፍ ከም ዝኽእል ውድብ ጥዕና ዓለም–WHO ኣተሓሳሲቡ። ጅር ኦሚክሮን፡ ካብ ጫፍ ምዕራብ ክሳብ ጫፍ ምብራቕ እታ ኣህጒር ብናህሪ ይላባዕ ምህላዉ፡ ዶክተር ሃንስ ክሉግ፡ ገሊጹ’ሎ። ንሱ ኣብ ስያትል ንዝመደብሩ ማእከል ገምጋም ጥዕና መወከሲ ብምግባር ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ “ኣብ ዝቕጽል ሽዱሽተ ክሳብ ሸሞንተ ሳምንታት፡ …

  • 13 January

    ኣውቶቡሳት፡ ናይ ቅድሚት መዓጹ፡ ከም እንደገና ክዓጽዋ እየን

    ምስቲ እንዳወሰኸ ዝመጽእ ዘሎ መልከፍቲ ናይ ኮቪድ፡ ናይ መጓዓዝያ ኩባንያታት ብወገነን፡  ናይ ቅድሚት መዓጹ ናይተን ኣውቶቡሳት ንኽዕጾ መደብ ሒዘን ከምዘለዋ ተሓቢሩ። እዚ ብምዃኑ ድማ እቲ ናይ ሽወደን ናይ ህዝባውያን መጓዓዝያ ናይ ንግዲ ሕብረት ነቲ ዝስዕብ ኪሳራታት ዘካሓሕስ ክፍሊት ካብ መንግስቲ ክዋሃቦም ሕቶታት የቐርቡ ምህላዎም ተፈሊጡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ካብ ሎሚ ሓሙስ፡ ዕለት 13 ጥሪ ጀሚረን ክሳብ ዕለት 31 …

  • 13 January

    ሳልሳይ ብልቃጥ ክታበት፡ ኣቀዲሙ ክውሰድ ከም ዝከኣል ተሓቢሩ

    ብመሰረት ጸብጻብ ሬድዮ ኤኮት፡ እቲ ኣብ መንጎ ካልኣይን ሳልሳይን ብልቃጥ ክታበት ኮቪድ-19 ዘሎ ናይ መጸበይ ግዜ፡ ካብ ሽድሽተ ናብ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ክሓጽር ምዃኑ ተገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ፡፡ በዓል መዚ ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን፡ ነዚ ጸብጻብ`ዚ ሓቅነቱ ከረጋግጽ ፍቃደኛ ኣይኮነን፡ እንተኾነ ግን ክኢላ ክታበት ናይ ዞባ ቨስተርቦተን ዝኾነ ሮኒ ላሰንደር፡ ከምዚ ዝኣመሰለ መልእኽቲ ተቐቢሎም ከም ዝነበሩ ንፒ ፊራ ቨስተርቦተን ሓቢሩ …

  • 11 January

    14 ሚልዮን ተቐማጦ ከተማ: ኣብ ውሽጢ 2 መዓልታት ክኽተቡ እዮም

    እታ ወደባዊት ዝኾነት ቻይናዊት ከተማ ቲያንጂን: ኣብ 14-ሚልዮን ተቐማጦኣ ጃምላዊ መርመራ ኮቪድ-19 ጀሚራ ትርከብ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ፡፡ እዚ ስጉምቲ `ዚ ዝተወስደሉ ምኽንያት፡ ኣብ`ዚ ቀረባ መዓልታት 20 ሓደስቲ ግዳያት ድሕሪ ምርካቦም ምዃኑን ናይ መብዛሕትኦም ምስ ማእከል መዘናጊዒታት ዝተሓሓዝ ከምዝኾነን እንተወሓደ 2 ሰባት ካብኣቶም ድማ ናይ ዓሌት ቫይረስ ኦሚክሮን ተሰከምቲ ከም ዝነበሩን ተረጋጊጹ፡፡ እቲ መርመራ: ኣብ ውሽጢ 2 መዓልታት ክፍጸም …

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com