Sunday , May 5 2024
No running on the bus Foto: Johan Nilsson / TT / Kod 50090

ኣውቶቡሳት፡ ናይ ቅድሚት መዓጹ፡ ከም እንደገና ክዓጽዋ እየን

ምስቲ እንዳወሰኸ ዝመጽእ ዘሎ መልከፍቲ ናይ ኮቪድ፡ ናይ መጓዓዝያ ኩባንያታት ብወገነን፡  ናይ ቅድሚት መዓጹ ናይተን ኣውቶቡሳት ንኽዕጾ መደብ ሒዘን ከምዘለዋ ተሓቢሩ። እዚ ብምዃኑ ድማ እቲ ናይ ሽወደን ናይ ህዝባውያን መጓዓዝያ ናይ ንግዲ ሕብረት ነቲ ዝስዕብ ኪሳራታት ዘካሓሕስ ክፍሊት ካብ መንግስቲ ክዋሃቦም ሕቶታት የቐርቡ ምህላዎም ተፈሊጡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።

ካብ ሎሚ ሓሙስ፡ ዕለት 13 ጥሪ ጀሚረን ክሳብ ዕለት 31 ጥሪ ኣብ ዘሎ ግዜ፡ ናይ ስቶክሆሎም ኣውቶቡሳት፡ ንተሳፈርቲ ብቕድሚት ማዕጾ ኣይክሰቕላን እየን ክብል ኩባንያ ኤስ ኤል (Storstockholms lokaltrafik፣ SL) ኣፍሊጡ ኣሎ።

ካብ ቬርምላንድ፣ ቬስትማንላንድ፣ ኦስተርጎትላንድ፣ ስኮነን ኦሬብሩን ተመሳሳሊ ውስኔ ከምዝተበጽሐ ተፈሊጡ’ሎ። ይኹን እምበር ከም ክሪስቶፈር ታምሶንስ፡ ኣቦ ወንበር ህዝባዊ መጓዓዝያ ሽወደን፡ እንድሕር ኮይኑ፡ እዚ ውሳኔ እቲ ማሕበር ፈትዩ ዝተቐበሎ ውሳኔ ከምዘይኮነ እዩ ሓቢሩ።

“እዚ ስጉምቲ’ዚ ኣብዚ እዋን ንሕና ንኣምነሉ ኣማራጺ ኣይኮነን” ክብል ክሪስቶፈር ታምሶንስ ኣፍሊጡ’ሎ።

ካብቶም ነዚ መምርሒ ብሙሉእ ልቢ ተቐባልነተ ንኸይህልዎ ዝገብሩዎ ምኽንያታት እቲ ሓደ፡ ናይ እቶት ምንካይ ከምዝኾነ ከፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ። ከም ኩባንያ SL እንተድኣ ኾይኑ ኣብ ዝሓለፈ እዋን እቲ ማዓጹ ናይ ኣውቶቡሳት ምዕጻው ኣስታት 100 ሚልዮን ክሮኖር ዝግመት ክሳራ ከምዘስዓበሎም እዮም ዝሕብሩ።

“እቶም ናይ ቀድሚት መዓጹ ምዕጻው ንመታለልቲ ዕድል ዝኸፍት ኣጋጣሚ እዩ” ክብል ታምሶንስ ገሊጹ። ታምሶንስ፡ ኣብ በዓል መዚ መጓዓዝያ ምምሕዳር ስቶክሆልም’ውን ከም ኣማኻሪ ኮይኑ ከምዘገልግል በዚ ኣጋጣሚ ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ።

እዚ ሕጂ ናይ ቅድሚት ማዓጹ ንምዕጻው ተወሲኑ ዘሎ ውሳኔ ካብ ናይ ስራሕ ኩነታት ዝከታተል ሽወደናዊ በዓል መዚ (Swedish Work Environment Authority) ዝወረደ መደብ ኮይኑ እዚ ማለት ድማ፡ እቲ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ኣውቶቡሳት ዝርአ ዝነበረ ኣብ ጎኒ እቲ ዘዋሪ ዝትከል ብፕሌክሲ-ግላስ ዝተሰርሐ መከላኸሊ ኣይክህሉን እዩ ማለት ምዃኑ እዩ ክፍለጥ ተኻኢሉ ዘሎ።

ከም ክኢላታት ሰበ ሰልጣን እንድሕር ኮይኑ፡ እቲ ፕሌክሲ-ግላስ ዝባሃል ሰርሒት ዘለዎ መስትያት ናይ ምንጽብራቕ ሓደጋ ስለዘለዎ እዚ ድማ ነቲ ዘዋራይ ናይ ምርኣይ ዓቕሙ ከርብሾ ስለዝኽእል ከምዝተረፈ ተፈሊጡ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com