Sunday , May 5 2024
A woman is tested for COVID-19 in Tianjin, China. (Tao Ming/Xinhua via AP) XIN801

14 ሚልዮን ተቐማጦ ከተማ: ኣብ ውሽጢ 2 መዓልታት ክኽተቡ እዮም

እታ ወደባዊት ዝኾነት ቻይናዊት ከተማ ቲያንጂን: ኣብ 14-ሚልዮን ተቐማጦኣ ጃምላዊ መርመራ ኮቪድ-19 ጀሚራ ትርከብ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ፡፡

እዚ ስጉምቲ `ዚ ዝተወስደሉ ምኽንያት፡ ኣብ`ዚ ቀረባ መዓልታት 20 ሓደስቲ ግዳያት ድሕሪ ምርካቦም ምዃኑን ናይ መብዛሕትኦም ምስ ማእከል መዘናጊዒታት ዝተሓሓዝ ከምዝኾነን እንተወሓደ 2 ሰባት ካብኣቶም ድማ ናይ ዓሌት ቫይረስ ኦሚክሮን ተሰከምቲ ከም ዝነበሩን ተረጋጊጹ፡፡

እቲ መርመራ: ኣብ ውሽጢ 2 መዓልታት ክፍጸም ምዃኑን ክሳብ ሽዑ ግን ነበርቲ ቲያንጂን ኣብ ቀረባ ወይ ኣብ ውሽጢ ቤቶም ንክጸንሑ መተሓሳሰቢ ተዋሂቡዎም ኣሎ  ክብል መንግስታዊ መራኸቢ ብዙሃን እታ ሃገር ጸብጺቡ፡፡

ቻይና ቅድሚ`ቲ ኣብ 4 የካቲት ዝጅምር ናይ ክረምቲ ኦሎምፒክ ምክያዱ፡ ኣንጻር ኮቪድ-19 ዘለዋ ናይ ዜሮ ተጻዋርነት ስትራተጂ: ኣሐይላ ትርከብ:: ብፈጣን ባቡር ተጠቂምካ: ካብ ሽያንግ ናብ በይጂን: ሓደ ሰዓት ዘይመልእ ግዜ ጥራይ ከምዝወስድ ገይራ ኣላ፡፡

ኣብ ክልተ ካልኦት ከተማታት ማለት ሽያንን ዩዝሆን ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ድሮ ኣብ ዉሽጢ ቤቶም ተገሊሎም `ኳ እንተሃለዉ ዝርጋሔ `ቲ ቫይረስ ግን ኣብቲ ከባቢ ዝበኣሰ `ዩ፡፡  እታ ካብ ዩዝሁ ንሸነኽ ሰሜን 7 ኪሎ ሜተር ርሒቓ ትርከብ ርእሲ ከተማ ዥንግዦ ውን: ጃምላዊ መርመራ ንምክያድ ካብ ሰኑይ ጀሚራ ኣብያተ-ትምህርቲ ኣብ መዕጻው ትርከብ፡፡


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com