Sunday , May 5 2024
The time interval between dose two and three is shortened from six to five months, according to data to Ekot (AP Photo/Jeremias Gonzalez) PAR107

ሳልሳይ ብልቃጥ ክታበት፡ ኣቀዲሙ ክውሰድ ከም ዝከኣል ተሓቢሩ

ብመሰረት ጸብጻብ ሬድዮ ኤኮት፡ እቲ ኣብ መንጎ ካልኣይን ሳልሳይን ብልቃጥ ክታበት ኮቪድ-19 ዘሎ ናይ መጸበይ ግዜ፡ ካብ ሽድሽተ ናብ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ክሓጽር ምዃኑ ተገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ፡፡

በዓል መዚ ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን፡ ነዚ ጸብጻብ`ዚ ሓቅነቱ ከረጋግጽ ፍቃደኛ ኣይኮነን፡ እንተኾነ ግን ክኢላ ክታበት ናይ ዞባ ቨስተርቦተን ዝኾነ ሮኒ ላሰንደር፡ ከምዚ ዝኣመሰለ መልእኽቲ ተቐቢሎም ከም ዝነበሩ ንፒ ፊራ ቨስተርቦተን ሓቢሩ `ዩ፡፡

ኣብ መንጎ ክልተ ክታበት ዘሎ ናይ ግዜ ንውሓት ከሕጽሩ ንዝደልዩ ሰባት በዓል መዚ ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን ንሓሙስ መምርሒ ከዳሉ ምዃኑ ድሕሪ ምሕባር፡ ገለ ካብቲ መኽንያት ድማ፡ እቲ ሳልሳይ ብልቃጥ መድሃኒት፡ ዋላኳ ብኸፊል እንተኾነ ንህዝቢ ቁሩብ ብዝቀልጠፈ ኣገባብ ስለ ንህብን ነዚ መስርሕ `ዚ ንኸተቀላጥፎ ዓቅሚ ከም ዘሎ ስለ ትግንዘብን ምዃኑ ነታ ሬድዮ ሓቢሩ፡፡


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com