Friday , May 17 2024

ኮረና ቫይረስ

June, 2021

  • 18 June

    ኣብ ክንዲ ብክታበት ኮቪድ፡ ብመበጽበጺ መድሃኒት ተኸቲቦም

    ኣብ መወዳእታ ናይ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኣብ ማእከል ጥዕና ሉንድ፡ ሸውዓተ ሰባት፡ ኣብ ክንዲ ብክታበት ኮቪድ፡ ብመበጽበጺ መድሃኒት (Saline) ብጌጋ ከምዝተኸትቡ፡ ድሒሩ ከምዝተረጋገጸ ጸብጻባት እቲ ማእከል ገሊጾም ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ኣየኖት ሸውዕተ ምዃኖም ክፍለጥ ስለዘይተኻእለ፡ እቶም ኣብታ መዓልቲ ዝተኸትቡ 298 ሰባት፡ ብምሉኦም ከምእንደገና ክኽተቡ ምዃኖም ተፈሊጡ ኣሎ። ብዝሒ ኣብ ጥቕሚ ዝወዓለ ክታበትን ምስ ብዝሒ ዝተኸትቡ ሰባትን ድሕሪ ምንጽጻር ፍልልይ …

  • 15 June

    Harmony Media Voice News

  • 15 June

    Harmony Media news 14-06-2021

  • 15 June

    ባይቶ ሽወደን፡ መርመራ ኮቪድ ንምግባር፡ ዝግድድ እማመ ንኽህሉ ይደሊ

    ምስክር ውጽኢት መርመራ ኮሮና ከይሓዙ፡ ናብ ሃገረ ሽወደን ክኣትዉ ዝደልዩ ሰባት፡ መርመራ ንኽገብሩ ተሓቲቶም ፍቓደኛታት ኣብ ዘይኮኑሉ እዋን፡ ናብቲ ዝመጽዎ ንኽምለሱ ምስ ዝሕበሩን፡ ጸገማት ይፈጥሩልና ኣለዉ ክብል ፖሊስ ዶባት ሽወደን ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ዝበዝሑ ኣባላት ኮሚቴ ማሕበራዊ ውሕስነት ባይቶ ሽወደን፡ ነቶም ናብ ሽወደን ክኣትዉ ዝደልዩ ሰባት፡ ኣድላይ እንተድኣ ኮይኑ፡ መርመራ ኮቪድ ንኽገብሩ ዝግድድ እማመ ብመንግስቲ ንኽቐርብ ድልየት …

  • 15 June

    ሃገራት ኤውሮፓዊ ሕብረት፡ 300 ሚልዮን ብልቃጥ ክታበት ኣብ ጥቕሚ ኣውዒለን

    ሃገራት ኤውሮፓዊ ሕብረት፡ ክሳብ እዚ እዋን፡ 300 ሚልዮን ብልቃጥ ክታበት ኣብ ጥቕሚ ከምዘውዓላ፡ ፕረዚደንት ኮሚሽን ኤውሮፓዊ ሕብረት፡ ኦርሾላ ቮን ደር ሌን፡ ኣብ ናይ ትዊተር ሒሳባ ገሊጻ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ክሳብ ሕጂ፡ ን70% ናይቶም ልዕሊ ዕድመ ዝኾኑ ዜጋታት ኤውሮፓዊ ሕብረት፡ ዝኣክል ጸረ ኮቪድ-19 ክታበት ምቕራብና፡ ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ፡ ሸቶና ንኽንወቅዕ ንቐርብ ከምዘለና ዝሕብር እዩ ክትብል፡ ኦርሾላ፡ ገሊጻ። ይኹን …

  • 12 June

    ሃገረ ጀርመን፡ ንበጻሕቲ ገያሾ ኣፍደገኣ ትኸፍት

    ካብ ዕለት 01 ሓምለ ጀሚራ፡ ሃገረ ጀርመን፡ ኣፍደገኣ ንበጻሕቲ ክትከፍት ምዃና ብመንገዲ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ፡ ሄይኮ ማስ፡ ገሊጻ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ዜጋታት ናይተን፡ ኣብ ዝሓለፋ ሸውዓተ መዓልታት፡ መጠን መልከፍቲ ኮሮና፡ ኣብ መንጎ 100 ሽሕ ሰባት፡ ካብ 50 ክሳብ 200 ጥራይ ዝተለኽፉ ሰባት ዘለወን ሃገራት፡ ካብ ሓደገኛ ዞን ስለዝወጻ፡ ናብ ጀርመን ብዘይ ዝኾነ ቀይዲ ክኣትዉ ከምዝኽእሉ፡ መንግስቲ ጀርመን፡ ኣፍሊጡ …

  • 12 June

    ሃገረ ጣልያን፡ ንትሕቲ 60 ዓመት፡ ክታበት ኣስትራ ዘነካ ኣቋሪጻ

    ክታበት ኣስትራ ዘነካ፡ ንልዕሊ 60 ዓመት ዝዕድሚኦም እንተዘይኮይኑ ንኻልእ ሰብ ከም ዘይወሃብ፡ ሃገረ ጣልያን ገሊጻ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። እዚ ዝኾነሉ ዘሎ ምኽንያት፡ ኣብ 25 ግንቦት፡ ሓንቲ ጓል 18 ዓመት መንእሰይ፡ ብክታበት ኣስትራ ዘነካ ምስ ተኸትበት፡ ደም ናይ ምርጋእ ኩነታት ስለ ዘጋጠማ፡ ከም ሳዕቤኑ ድማ ብሓሙስ ክትመውት ከምዝኻኣለት መንግስቲ ጣልያን ድሕሪ ምሕባሩ እዩ። ኣብ ልዕሊ ናእሽቱ ሰባት፡ ምስ ክታበት …

  • 12 June

    ኩሎም ኣብ ምምሕዳር ኖርቦተን ዝነብሩ ልዕሊ ዕድመ ዝኾኑ ሰባት: ክኽተቡ ይእኽሉ እዮም ተባሂሉ

    ኣብ ምምሕዳር ኖርቦተን ዝነብሩ ልዕሊ ዕድመ ዝኾኑ ሰባት፡ ጸረ ሕማም ኮቪድ፡ ክኽተቡ ከምዝኽእሉ፡ እቲ ምምሕዳር ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ፡፡ ወቕቲ ክረምቲ ይኣቱ ብምህላዉ፡ ሰባት ንውጥናት ዕረፍቶም ከይተሸገሩ ምእንቲ ክምድቡ፡ ንኹሎም ልዕሊ ዕድመ ዝኾኑ ሰባት፡ ክታበት ንምውሳድ ቆጽራ ክሕዙ ዕድል ተኸፊትሎም ኣሎ ክትብል ኣዋሃሃዲት ክታበት እቲ ምምሕዳር፡ ፒያ ነስቫል፡ ኣብ ናይቲ ምምሕዳር መርበብ ሓበሬታ ገሊጻ። ኣብ መበል 22 ሰሙን …

  • 11 June

    4 ሚልዮን ሰባት፡ ጸረ ኮቪድ-19 ተኽቲቦም

    ኣብ ሽወደን፡ 4,046,103 ሰባት እንተወሓደ ሓደ እብረ ክታበት ኮቪድ-19 ተኽቲቦም ምህላዎም በዓል መዚ ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። እዚ ድማ ኣስታት 49.4% ካብ ጠቕላላ ብዝሒ ልዕሊ ዕድመ ዝኾኑ ህብዚ ሽወደን ምዃኑ ካብ ምምሕዳራት ሽወደን ዝተረኽቡ ጸብጻባት ይሕብሩ። ካብ ጠቕላላ ብዝሒ ዝተኸትቡ ሰባት፡ እቶም 24.3%፡ ክልተ እብረ ክታበት ዝተኸትቡ ከም ዝኾኑ እቲ ጸብጻብ ብተወሳኺ ሓቢሩ። መጠን መልከፍቲ …

  • 11 June

    91% ሓደስቲ ብኮሮና ዝተለኽፉ እንግሊዛውያን፡ ብ “ደልታ” ዝተሰምየ ጅር ዝተለኽፉ እዩም፡ ተባሂሉ

    91% ካብቶም ኣብዚ ቀረባ እዋን ብቫይረስ ኮሮና ዝልከፉ ዘለዉ እንግሊዛውያን፡ በቲ ብደልታ ዝፍለጥ ሓድሽ ጅር ኮሮና ዝተለኽፉ ምዃኖም፡ ሚኒስተር ጥዕና ሃገረ ብሪጣንያ፡ ማት ሃንኮክ፡ ትማሊ ኣብ ዝገበሮ ጋዜጣዊ መግሊጺ ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣፍሊጡ። ምስፍሕፋሕ ናይዚ ክልተ ግዜ ከም ዝማዕበለ ዝንገረሉ ሓድሽ ጅር ኮሮና፡ ኣስታት 60% ልዕሊ ዕድመ ዝኾኑ እንግሊዛውያን ሓንቲ እብረ ክታበት ወሲዶም እንከለዉ፡ ኣስታት 40% ካብቶም ልዕሊ …

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com