Friday , May 17 2024

ኮረና ቫይረስ

June, 2021

  • 23 June

    ምምሕዳር ቬስትራ ጎትላንድ፡ ንልዕሊ 40 ዓመት ክታበት ጀሚራ

    ምምሕዳር ቬስትራ ጎትላንድ፡ ነቶም ኣብ ዓመተ 1981 ቅድሚኡን ዝተወልዱ ተቐማጦ እቲ ከባቢ፡ ክታበት ኮቪድ ከምዝጀመረት ተፈሊጡ። ካብቶም ዝለዓሉ ዕድመ ጀሚርና ክሳብ እዞም ሰብ ዕድመ ምብጻሕና ብዙሕ ከምዝተጓዓዝናን በዚ በጺሕናዮ ዘለና ድማ ዕጉባት ኢና ክትብል ኣዋሃሃዲት ክታበት እቲ ምምሕዳር፡ ክሪስቲነ ሪገ ኣብ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢራ። እዚ ሓበሬታ፡ ካብ ትማሊ ሰሉስ ዝጀመረ ኮይኑ ነቶም ኣብ ዓመተ 1986 ቅድሚኡን ዝተወልዱ ሰባት ድማ ካብ …

  • 23 June

    ቁጽሪ ክፍሊት መንበሪ ገዛ ዝሓቱ ናእሽቱ መንእሰያት፡ ወሲኹ

    ኣብ እዋን ለበዳ ኮሮና፡ መጠን ሽቕለት ኣልቦነት ልዑል ኣብ ዘለወሉ እዋን፡ ናእሽቱ መንእሰያት ብፍላይ ከምዝተሃስዩ ጸብጻባት ሓቢሮም ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ናይዚ ጽልዋ ድማ፡ ኣብ ትካል ማሕበራዊ ውሕስነት ሽወደን፡ ኣንጸባሪቑ ኣሎ ዝበለ እቲ ጸብጻብ፡ ብዝሒ ናይቶም ኣብ ክሊ ዕድመ 18 ክሳብ 29 ዓመት ዘለዉ ክፍሊት መንበሪ ኣባይቲ ዝሓተቱ መንእሰያት፡ ቁጽሮም ክዓቢ ከምዝተራእየ ሓቢሩ። ካብ ወርሒ ሚያዝያ 2020 ክሳብ ወርሒ …

  • 23 June

    ኣብ ክፍሊ ቀዳማይ ረዲኤት፡ ምልክታት ድሕረ- ሕማም ኮቪድ ዘርኣዩ 11 ሽሕ ሰባት ሕክምናዊ ኣገልግሎት ረኺቦም

        ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ፡ ምልክታት ድሕረ- ሕማም ኮቪድ ዘርኣዩ፡ መብዛሕትአን ደቂ ኣንስትዮ ዝርከበኦም፡  11 ሽሕ ሰባት፡ ኣብ ክፍሊ ቀዳማይ ረዲኤት፡ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ከም ዝረኸቡ፡ ሃገራዊ ቦርድ ጥዕና ሽወደን ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።    መብዛሕትኦም ከምዚ ዓይነት ኣጋጣሚታት፡ ኣብ ምምሕዳር ኡፕሳላ ከም ዝተራእዮ፡ እቲ ጸብጻብ ሓቢሩ።  6100 ምልክታት ድሕረ- ሕማም ኮቪድ ዘርኣዩ ሰባት ኣብ መንግስታዊ ሕክምና፡ 5000 …

  • 22 June

    ዓለማዊ ውድብ ጥዕና፡ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ሓድሽ ፋብሪካ መፍረ ክታበት ክተክል ወሲኑ

    ዓለማዊ ውድብ ጥዕና፡ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ሓድሽ ፋብሪካ መፍረ ክታበት ኮቪድ ክተክል ምዃኑ ዳይሬክተር እቲ ውድብ፡ ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ሓደ ካብቲ ብዓለማዊ ውድብ ጥዕና፡ ተታሒዙ ዘሎ መደብ ምትካል ፋብሪካ፡ ኩባንያ ኣፊሪጀን ባዮሎጂክስ ኤንድ ቫክሲንስ (Afrigen Biologics &Vaccines)፡ ኮይኑ፡ ብከፊል ኣብ ምፍራይ ክታበት ዝነጥፍን ንኣፍራይ ክታበት ዝኾነ ባዮቫክ (Biovac) ደገፍ ዝህብን ክኸውን እዩ። እቲ ኣብ …

  • 22 June

    ሰሙናዊ ጸብጻብ መጠን ሽቕለት ኣልቦነት

    ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ መጠን ሽቕለት ኣልቦነት ኣብ ሽወደን ከምዝወሰኸ ጸብጻባት ቤት ጽሕፈት ኣርቤስፎርሜድሊን ገሊጾም ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ብዝሒ ዝተመዝገቡ ስራሕ ኣልቦ ዝኾኑ ሰባት፡ 412,600 ምብጽሑን እዚ ድማ ካብ ጠቕላላ ብዝሒ ሰራሒ ዓቕሚ፡ 8% ዝሽፍን ኮይኑ ካብቲ ኣብ ቅድሚኡ ዝነበረ ሰሙን ዝተመዝገበ 7.9% ዝዓበየ ከም ዝኾነ ተገሊጹ። ቀንዲ ምኽንያት ናይዚ ምውሳኽ ድማ፡ ክረምታዊ ዕረፍቲ ስለ ዝኾነ …

  • 21 June

    ሃገረ ፊንላንድ፡ መምርሒታት መገሻ ኣፍኲሳ

    ካብ ሎሚ ሰኑይ ጀሚራ፡ ሃገረ ፊንላንድ፡ መምርሒታት መገሻ ከተፉኩስ ምዃና ኣፍሊጣ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። እቶም ምሉእ ክታበት ዝወሰዱ ዜጋታት ሃገራት ኖርዲክን ኤውሮፓዊ ሕብረትን ናብታ ሃገር ክኣትዉ ፍቓድ ረኺቦም ከምዘለዉ ተፈሊጡ ኣሎ። እቶም ኣብ ውሽጢ ዝሓለፈ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ብሕማም ኮቪድ-19 ተጥቒዖም ከም ዝነበሩ መረጋገጺ ዘምጽኡ ሰባት ውን ናብታ ሃገር ክኣትዉ ከምዝኽእሉ ኩባንያ ዜና  Yle ሓቢሩ። ዜጋታት ፊንላንድ ውን፡ ጥንቃቐ …

  • 20 June

    ሃገረ ሽወደን፡ ንገደብ ግዜ ቀይድታት መገሻ፡ ኣናዊሓ

    መንግስቲ ሽወደን፡ ንኹሎም ካብ ሃገራት ኤውሮፓዊ ሕብረትን EEA ናብ ሃገረ ሽወደን ዝኣትዉ ገያሾ ዝምልከት ገደብ ግዜ ቀይድታት መገሻ፡ ክሳብ 31 ነሓሰ ከምዘናወሐ ትማሊ ሰንበት ኣብ ዘካየዶ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ቀይድታት መገሻ ሽወደን፡ ንኩሎም ምስክር ወረቐት ኮቪድ ንዘቕርቡ ገያሾ ጥራይ ናብ ሃገረ ሽወደን ናይ ምእታዉ ዕድል ንኽህልዎም ዝሕብር እዩ። እቶም ገያሾ፡ ብሕማም ኮቪድ ተጠቒዖም ነይሮም ከምዝሓወዩን፡ …

  • 19 June

    ላይበርያዊ ኣልዩ ኮስያ: ገበናት ኲናት ከም ዝፈጸመ ተወሲኑ

    ኣልዩ ኮስያ ኣብ ላይበርያ ኣብ ዝተገብረ ውግእ ሕድሕድ ገበናት ኲናት ብምፍጻሙ ወንጀለኛ ኮይኑ ከም ዝረኸቦ ቤት ፍርዲ ስዊዝ ገሊጹ። ኣብ ላይበርያ ኣብ ዓመታት 1989-2003 ኣብ ዝነበረ ውግእ ሕድሕድ ርብዒ ሚልዮን ዝኾኑ ሰባት ክቕተሉ እንከለዉ ኣሽሓት ድማ ካብ ዓዶም ከም እተፈናቐሉን ዝፍለጥ እዩ። ስዊትዘርላንድ: ብመሰረት ንኣድማሳዊ ፍትሒ ዘለዋ ናይ መትከል ቅዋም: ከቢድ ገበናት ከም ዝፈጸሙ ጥርጠሩ ሰባት ኣብ ዓዳ ናይ ሕጊ …

  • 18 June

    ሰለስተ ካብ ዓሰርተ ሰባት፡ ክልተ እብረ ክታበት ዝተኸትቡ እዮም

    ኣብ ሽወደን፡ መስርሕ ክታበት ጸረ ሕማም ኮቪድ-19፡ ብጽቡቕ ይቕጽል ከም ዘሎ በዓል መዚ ኣገልግሎት ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ክሳብ ሕጂ፡ 4,290,143 ሰባት፡ እንተወሓደ ሓደ እብረ ክታበት ወሲዶም ከምዘለዉን እዚ ድማ 52.4% ካብ ብዝሒ ልዕሊ ዕድመ ዝኾኑ ሽወደናውያን ከምዝኾነ፡ ጸብጻባት ሃገራዊ መዝገብ ክትባት ይሕብሩ። ካብቶም ዝተኸትቡ ሰባት፡ እቶም ክልተ እብረ ክታበት ዝወሰዱ 2,381,603 እዮም። እዚ ድማ …

  • 18 June

    ኣፍሪቃ፥ ሳልሳይ ማዕበል ለበዳ ኮቪድ-19 ይኽሰት

    ኣፍሪቃ: ሳልሳይ ማዕበል ኮቪድ-19 ኣብ ምምካት ከም እትርከብ ውድብ ጥዕና ዓለም ገሊጹ። በዚ ድማ ዝያዳ ሰባት ጽረ ኮቪድ ክትባት የድልዮም ኣሎ–ኢሉ እቲ ውድብ። ብኮቪድ ዝተለኽፉ ኣፍሪቃውያን ቊጽሮም ካብ ሓሙሽተ ሚልዮን ምሕላፉን ብውሕዱ ሸውዓተ ሃገራት ኣፍሪቃ ክትባተን ከም ዝወድኣን ብተወሳኺ ተሓቢሩ። “ኣፍሪቃ ብዘይወዓል ሕደር ሚልዮናት ዶዛት ክትባት የድልያ ኣሎ” ዝበለ ድማ ዞባዊ ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ማትሺድሶ ሞዌቲ እዩ። ደቡብ ኣፍሪቃ፥ …

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com