Friday , April 26 2024
European Union (AP Photo/Yves Logghe)

ሃገረ ሽወደን፡ ንገደብ ግዜ ቀይድታት መገሻ፡ ኣናዊሓ

መንግስቲ ሽወደን፡ ንኹሎም ካብ ሃገራት ኤውሮፓዊ ሕብረትን EEA ናብ ሃገረ ሽወደን ዝኣትዉ ገያሾ ዝምልከት ገደብ ግዜ ቀይድታት መገሻ፡ ክሳብ 31 ነሓሰ ከምዘናወሐ ትማሊ ሰንበት ኣብ ዘካየዶ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።

ቀይድታት መገሻ ሽወደን፡ ንኩሎም ምስክር ወረቐት ኮቪድ ንዘቕርቡ ገያሾ ጥራይ ናብ ሃገረ ሽወደን ናይ ምእታዉ ዕድል ንኽህልዎም ዝሕብር እዩ። እቶም ገያሾ፡ ብሕማም ኮቪድ ተጠቒዖም ነይሮም ከምዝሓወዩን፡ ኣሉታዊ ምስክር መርመራ ኮቪድ ዘቕርቡ፡ ወይ ድማ ጸረ ሕማም ኮቪድ ከምዝተኸትቡ ዝሕብር ምስክር ወርቐት ከቕርቡ ዝሕብር እዩ።

እዚ ምንዋሕ ገደብ ግዜ ቀይድታት ኮሮና፡ ነቶም ካብ ሃገራት ኖርዲክ ማለት ዴኒማርክ፡ ፊንላንድ፡ ኣይስላንድን ኖርወይን ዝመጹ ገያሾ፡ ከምዘይምልከት እቲ ጸብጻብ ሓቢሩ።

ዜጋታት ሽወደን፡ ኣብ ሽወደን ንዝነብሩ፡ ትሕቲ 18 ዓመት ዝኾኑን ኣባላት መጓዓዝያን ብዘይ ዝኾነ ዓይነት ቀይድታት መገሻ፡ ናብ ሽወደን ክኣትዉ ከምዝኽእሉ፡ እቲ ጸብጻብ ብተወሳኺ ኣብሪሁ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com