Thursday , May 2 2024

ኮረና ቫይረስ

July, 2021

  • 12 July

    ዩኒቨርስቲ ዮቶቦሪ፡ ኣብ እዋን ፈተና ዝግበር ዓሎቕ እናዛየደ ምምጽኡ፡ ገሊጻ

    ቅልውላው ለበዳ ኮሮና ዘስዓቦ ናይ ርሕቀት ትምህርቲ ተኸቲሉ፡ ኣብ ዮኒቨርስቲ ዮቶቦሪ፡ ተርእዮታት ዓሎቕ እናዛየደ ይመጽእ ምህላዉ ዮቶቦሪ ፖስተን ዝተባህለት ጋዜጣ ሓቢራ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ኣብ ዓመተ 2019፡ ዝተመዝገቡ ናይ ዓሎቕ ፍጻሜታት 102 ክኾኑ እንከለዉ፡ ኣብ ዓመተ 2020 ድማ እቲ ቁጽሪ ናብ 250 ክብ ኢሉ ከምዝነበረ ይዝከር።  ኣብዚ ዓመት’ዚ ድማ፡ ኣብ እዋን ጽድያ ጥራይ፡ 199 ናይ ዓሎቕ ፍጻሜታት ከም …

  • 11 July

  • 11 July

    09 07 2021 Harmony News

  • 9 July

    ቱኒዝያ፡ ኲነታት ኮቪድ ኣዝዩ እናኸፍአ ይመጽእ

    ኣብ ቱኒዝያ ዘሎ ኲነታት ኮቪድ፡ ኣብ ኣመና ሕማቕ ኲነታት ብምብጽሑ፡ ንስርዓተ ጥዕና እታ ሃገር ዳርጋ ካብ ጠቕሚ ወጻኢ ከም ዝገበሮ ሚኒስተር ጥዕና እታ ሃገር ሓቢሩ። ቱኒዝያ፡ ልዑል መጠን መልከፍቲ ኮቪድ ከተርኢ ምጽንሓ፡ ዝገለጸ ጸብጻብ ቢቢሲ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሉስ ጥራይ ኣስታት 10 ሽሕ ሕሙማት ከም እተረኽቡን 134 ድማ ከም ዝሞቱን ከም ኣብነት ኣቕሪቡ። ኣብ ፈቐዶ ክፍላት እታ ሃገር፡ ናይ ጎልጎል ሆስፒታላት …

  • 8 July

    ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳይት ሽወደን፡ ሓድሽ መምርሒታት መገሻ ኣመሓላሊፉ

    ብዙሕ ኣገዳስነት ዘይብሉ መገሻታት ካብ ምክያድ ክንቁጠብ፡ ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳያት ሽወደን ምኽሩ ኣመሓላሊፉ ምንባሩ ዝዝከር ኮይኑ፡ ሎሚ ድማ፡ ናብ ኣርሜንያ፡ ኣዘርቢጃን፡ ቦስንያ ሄርዞጎቪና፡ ብሩነይ፡ ጆርዳን፡ ካናዳ፡ ኮሶቮ፡ ሞልዶቫ፡ ሞንተነግሮ፡ ቀጠርን ሱዑዲ ዓረብን ዝካየድ ዝኾነ ዓይነት መገሻታት ዝተፈቕደ ምዃኑ እቲ ቤት ጽሕፈት ኣዊጁ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ይኹን እምበር፡ ኩነታት ለበዳ ተቐያያሪ ምስ ምዃኑ፡ ነፍሲ ወከፍ ገያሻይ፡ ቅድሚ ጉዕዝኡ …

  • 6 July

    ኣብ ቬስተርቦተን፡ ምስፍሕፋሕ መልከፍቲ ኮቪድ፡ ወሲኹ

    ኣብ ቬስተርቦተን፡ ምስፍሕፋሕ መልከፍቲ ኮቪድ፡ ወሲኹ ክብል ቤት ጽሕፈት እቲ ምምሕዳር ኣፍሊጡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ 59 ሰባት ብቫይረስ ኮሮና ከምዝተለኽፉ ዝሓበረ ጸብጻብ ምምሕዳር፡ ኣብ ቅድሚኡ ዝነበረ ሰሙን፡ እቲ ቁጽሪ 31 ምንባሩ ገሊጹ። እዚ ምውሳኽ ብዝሒ ዝተለኽፉ ሰባት፡ ብሰንኪ ኣብ መወዳእታ ሰሙን ናይ ሚድሱመር ዘጋጠመ መልከፍቲን፡ ብተወሳኺ ድማ፡ ባዕላዊ መርመራ ኮቪድ ኣብ እዋን ሚድሱመር ተዓጽዩ ብምንባሩ …

  • 5 July

    ሃገረ ኖርወይ፡ ንእዋን ምፍኳስ ቀይድታት ኮሮና ኣናዊሓ

    ሃገረ ኖርወይ፡ ንራብዓይ መድረኽ ምፍኳስ ቀይድታት ኮሮና፡ ብሰንኪ ብደልታ ዝተባህለ ሓድሽ ጅር ኮሮና ዝተኸስተ ምስፍሕፋሕ ለበዳ፡ ክሳብ መወዳእታ ናይዚ ወርሒ ወይ ድማ ኣብ መጀመርታ ናይ ወርሒ ነሓሰ፡ ንኽትግበር ከምዝወሰነት ቀዳመይቲ ሚኒስተር’ታ ሃገር፡ ኤርና ሶልበሪ፡ ሓቢራ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። በዚ ሓድሽ ጅር ዝኽሰቱ ኩነታት ንምዕዛብን ንምግምጋም ተባሂሉ፡ እቲ መደብ ንተወሰኽቲ ሳምንታት ተመጢጡ ከምዘሎ፡ ሶልበሪ፡ ብምውሳኽ ሓቢራ። ክሳብ ሕጂ ዘሎ …

  • 5 July

    ዓዲ እንግሊዝ፡ ምዝላቕ መምርሒታት ኮሮና ሎሚ ክግለጽ እዩ

    86% ካብቶም ልዕሊ ዕድመ ዝኾኑ እንግሊዛውያን፡ እንተወሓደ ሓደ እብረ ክታበት ጸረ ኮቪድ ዝተኸትቡ ብምዃኖም፡ እቶም ጸኒዖም ዝጸንሑ ቀይድታት ኮሮና ክለዓሉ  ከምዝኽእሉ ሮይተርስ ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ቀዳማይ ሚኒስተር ዓዲ እንግሊዝ፡ ቦሪስ ጆንሶን፡ ሎሚ ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ዘካይዶ ጋዜጣዊ ዋዕላ፡ ንምልዓል ቀይድታት ኮሮና፡ ማለት፡ ንጉዳይ ማስክ፡ ናይ መገሻ ቀይድታት፡ ማሕበራዊ ምርሕሓቕን ኣብ ገዛ ኮንካ ምስራሕን ኣመልኪቱ መግለጺ ከመሓላልፍ ምዃኑ …

  • 2 July

    ህንዲ፡ ግዳያት ሞት ኮቪድ፡ ልዕሊ 400 ሽሕ በጺሑ

    ሃገረ ህንዲ፡ ዜጋታታ ክተከትብ ዳምዳም ኣብ እትብለሉ ዘላ እዋን፡ ግዳያት ሞት ኮቪድ ልዕሊ 400 ሽሕ ምሕላፉ ይግለጽ ኣሎ። ዕላዊ መዝገብ መወትቲ ምስ ዘይምህላዉ፡ ቊጽሪ መወትቲ፡ ካብቲ እተገልጸ ኣጸቢቑ ክልዕል ከም ዝኽእል ክኢላታት ይገልጹ። ኣብ ህንዲ፡ ክሳብ 30 ሚልዮን ሰባት በዚ ሕማም ከም እተለኽፉ ጸብጻባት የመልክቱ። ኣብ ቀረባ እዋናት፡ መዓልታዊ ዝምዝገቡ ሕሙማት፡ ካብ 400 ሽሕ ናብ 40 ሽሕ ምንካዩ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ …

  • 2 July

    ኣውስትራልያ፡ ናብ ዓዳ ዝኣትዉ ገያሾ፡ ብፍርቂ ክትንኪ እያ

    ብሰንኪ ሓድሽ ለበዳ ኮቪድ፡ ሃገረ ኣውስትራልያ፡ ናብ ዓዳ ዝኣትዉ ዜጋታታን ወጻእተኛታትን ብፍርቂ ከተጒድል ምዃና BBC ሓቢራ። ክሳብ ሕጂ፡ ጸኒዑ ብዝጸንሐ ዕጽዋ ኣውስትራላውያን፡ ገለ ሕድገት ዝተገብረሎም ሰባትን ጥራይ እዮም ክኣትዉ ዝኽእሉ ኔሮም። ካብ ድሕሪ ጽባሕ ግን ኣውስትራልያ፡ ኣብ ሰሙን 3000 ሰባት ጥራይ ከም እትቕበልን እዚ ድማ ክሳብ ዝመጽእ ዓመት ክጽነሕ ምዃኑን ተገሊጹ’ሎ። እዚ መግለጺ ነቶም ካብ ስድራ ቤቶም ተፈልዮም ዘለዉ ብዙሓት …

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com