Thursday , May 2 2024

ኮረና ቫይረስ

July, 2021

  • 21 July

    ዜጋታት ኖርወይ፡ ንክታበት ኮቪድ ብምቕባል፡ ኣብ ቅድሚት ይስርዑ

    ኣብ ሃገረ ኖርወይ፡ ቁጽሪ ናይቶም ዝተኸትቡ ሰባት፡ 5.3 ሚልዮን ምብጽሑ ቀዳመይቲ ሚኒስተር’ታ ሃገር ገሊጻ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። 93% ካብ ዜጋታት ኖርወይ፡ ክታበት ኮቪድ ንክኽተቡ ድልዋት ምዃኖምን ብመንጽር ዜጋታት ናይ ካልኦት ሃገራት ክረአ እንከሎ፡ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ  ከምዝስርዑ እታ ሚኒስትር ብምሕባራ፡ ሃገረ ኖርወይ ኣንቢራቶ ዘላ ቀይድታት ንምልዓል፡ እዚ ኩነታት ከምኡ ኢሉ ንኽቕጽል ተስፋኣ ምዃኑ ንመደበር ፈነወ ኖርወይ VG ኣብ …

  • 21 July

    ልዕሊ ሽዱሽተ ሚልዮን ሽወደናውያን፡ ጸረ ሕማም ኮቪድ፡ ተኸቲቦም

    ሃገረ ሽወደን፡ ኣስታት 73.8% ካብ ልዕሊ ዕድመ ዝኾኑ ሰባት ከምዝኸተበትን፡ እዚ ድማ 6,044,491 ዝበጽሕ ቁጽሪ ምዃኑን ጸብጻባት በዓል መዚ ኣገልግሎት ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። 3,820,976 ሰባት ክልተ እብረ ክታበት ክወስዱ እንከለዉ እቶም ዝተረፉ ድማ ሓንቲ እብረ ክታበት ዝወሰዱ እዩም። ኣብ ሽወደን፡ ብዝሒ ናይቶም ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት፡ ኣስታት ሓደ ሚልዮን ክበጽሕ እንከሎ፡ 14.6 ሽሕ ሰባት …

  • 19 July

    Harmony News 19-07-2021

  • 19 July

    ሃገራት ኤውሮጳዊ ሕብረት፡ ዝለዓለ መጠን ክታበት ኣመዝጊበን

    መጠን ክትባት ኣብ ኤውሮጳዊ ሕብረት፡ ምስቲ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ዝተመዝገበ ቁጽሪ ክነጻጸር እንከሎ፡ ዝለዓለ ብምዃኑ ሓለፍቲ እቲ ሕብረት ሓጎሶም ገሊጾም ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ከምቲ ዝተመባጻዕናዮ፡ ኣተግቢርናዮ ኣለና። ኣብዚ ሰሙን’ዚ፡ ኤውሮጳዊ ሕብረት፡ ንሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ብምቕዳም፡ ዝበዝሐ መጠን ቀዳማይ እብረ ክታበት ዘካየደት ኣህጉር ክትከውን ከምዝኸኣለት ክብል፡ ክታበት ንምውሓስ ዝተሮቕሐት ሓይሊ ዕማም ዝመርሕ ዘሎ ኮሚሽነር ውሽጣዊ ዕድጊ እቲ ሕብረት፡ …

  • 19 July

    ዝበዝሑ እንግሊዛውያን፡ ክታበት ኮቪድ-19 ተኸቲቦም

    ዳርጋ ኩሎም ልዕሊ ዕድመ ዝኾኑ እንግሊዛውያን፡ እንተወሓደ፡ ሓደ እብረ ክታበት ኮቪድ-19 ከምዝተኸትቡ ሚኒስተር ጥዕና እንግሊዝ ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ከም ውጽኢቱ ድማ፡ እቲ ብቐዳማይ ሚኒስተር እንግሊዝ፡ ቦሪስ ጆንሶን፡ ኣቐዲሙ ዝተሓንጸጸ መደብ፡ ቅድሚ እቲ ንሎሚ ሰኑይ ክለዓል ተወጢኑ ዘሎ ቀይድታት ኮሮና፡ ዕላምኡ ምህራሙ ተገሊጹ። ክሳብ ሕጂ፡ 87.8% ካብ ልዕሊ ዕድመ ዝኾኑ እንግሊዛውያን፡ እንተወሓደ ሓደ እብረ ክታበት ዝተኸትቡ ክኾኑ እንከለዉ፡ …

  • 19 July

    ኣሉታዊ ጽልዋታት ድሕረ ክታበት ኮቪድ-19

    ኣብ ሽወደን፡ ኣስታት 4 ሽሕ ሰባት፡ ጽልዋታት ድሕረ ክታበት ኮቪድ-19 ኣጋጢምዎም ክኸውን ከምዝኽእል ጥርጣረታት ኣሎ ክብል በዓል መዚ ውጽኢት መድሃኒት ሽወደን ንሬድዮ ኢኮት ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ልዕሊ 70% ካብ ጠቕላላ ቁጽሪ ልዕሊ ዕድመ ዝኾኑ ሽወደናውያን፡ እንተወሓደ፡ ሓደ እብረ ክታበት ኮቪድ-19 ዝተኸትቡ ክኾኑ እንከለዉ፡ 5.8 ሚልዮን እዩ። ካብዞም ዝተኸትቡ ሰባት፡ 55 ሽሕ፡ ጽልዋታት ድሕረ ክታበት ክረኣዮም እንከሎ፡ ካብዚኣቶም …

  • 16 July

    Harmony News 16/07/2021

  • 16 July

    ትሕቲ ዕድመ መንእሰያት ኣብ ዝኽተብሉ እዋንን ከጋጥሙ ዝኽእሉ ብድሆታትን

    ምምሕዳራት ሽወደን፡ ካብ ዕለት 19 ነሓሰ ጀሚረን፡ ነቶም ኣብ ክሊ ዕድመ 16 ን 17 ዓመት ዘለዉ መንእሰያት፡ ክኸትባ ክጅምራ ምዃነን መደብ ሒዘን እኳ እንተሃለዋ፡ እዞም መንእሰያት እዚኣቶም ትሕቲ ዕድመ ብምዃኖም፡ ንክኽተቡ ናይ ወለዶም ፍቓድ ከድልይ ድዩ ወይስ ባዕላቶም ክውስኑ ይኽእሉ ንዝብል ምጉት፡ መዕለቢ ክረኽባሉ ይግባእ ክብል ሬድዮ ኢኮት ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ነዚ ጉዳይ ብዝምልከት፡ እዘን ምምሕዳራት፡ ዝተፈላለየ …

  • 16 July

    ኣብ ሽወደን፡ መጠን መልከፍቲ ብሓድሽ ጅር ኮሮና፡ እናዓበየ ምምጽኡ ተገሊጹ

    ኣብ ዝሓለፋ ክልተ ሳምንታት፡ ምስፍሕፋሕ ደልታ ጅር ኮሮና፡ ብናህሪ ይውስኽ ምህላዉ ንጸብጻባት በዓል መዚ ኣገልግሎት ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን ብምጥቃስ፡ ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ኣብ መበል 26 ሰሙን ናይ ዓመተ 2021፡ ብዝሒ ናይቶም ብደልታ ዝተባህለ ሓድሽ ጅር ኮሮና፡ ዝልከፉ ዘለዉ ሰባት እናዓበየ ምምጽኡን፡ ካብ ጠቕላላ ቁጽሪ ብቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት እቶም 60% በዚ ሓድሽ ጅር ኮሮና፡ ደልታ፡ ዝተለኽፉ ኮይኖም እቶም 30% ድማ …

  • 15 July

    ሩዋንዳ፡ ብልዑል ስግኣት ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና፡ ዕጽዋ ኣዊጃ

    ብሰንኪ ኣብታ ሃገር እናበዝሐ ዝመጸ፡ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮቪድ፡ መንግስቲ ሩዋንዳ፡ ኣብ ርእሰ ከተማ፡ ኪጋሊ፡ ናይ 10 መዓልታት ዕጽዋ ክጸንዕ ኣዊጁ ክብል ቢቢሲ ገሊጹ። ነበርቲ ኪጋሊ፡ ካብ ዝመጽእ ቀዳም ጀሚሮም ክሳብ 26 ሓምለ ካብ ቤቶም ክይወጹ ተኣዚዞም ኣለዉ። ብዘይካ’ዚ ናይ ንግዲ ቦታታት፡ ህዝባዊ ኣገልግሎታትን መጓዓዝያን ሓዊስካ ንጥፈታት ምዝንጋዕ ስፖርትን ኣብያተ ትምህርቲን ደው ክብሉ እዮም። ካብ 15 ሰባት ንላዕሊ፡ ኣብ ናይ ቀብሪ …

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com