Friday , May 17 2024

ኮረና ቫይረስ

July, 2021

  • 28 July

    ዕጽዋ ኣውስትራልያ፡ ካብ ሲድኒ ናብ ካልኦት ከተማታት ይባጻሕ

    ለበዳ ኮሮና የስፋሕፍሓሉ ኣብ ዘሎ እዋን፡ መንግስቲ ኣውስትራልያ ዝኣወጆ ዕጽዋ፡ ካብ ከተማ ሲድኒ ናብ ካልኦት ከተማታት እውን የስፋሕፍሕ ምህላዉ ተገሊጹ። ዝዓበየት ከተማ ምዃና ዝንገረላ ሲድኒ፡ ካብ ዝሓለፈ ሰነ ኣትሒዛ ኣብ ትሕቲ ጽኑዕ ዕጽዋ ምጽንሓ ዝዝከር እዩ። ኣብ ሲድኒ፡ ኣብዚ ዓመት ክሳብ 2500 ዝኾኑ ሰባት ብሕማም ኮሮና ከም እተታሕዙ ጸብጻባት የመልክቱ። ኣብታ ከተማ ሲድኒ እትርከበላ ኣውራጃ ኒው ሳውዝ ዌልስ፡ ሎሚ ረቡዕ …

  • 28 July

    ኣመሪካ፡ ዝተኸትቡ ሰባት፡ ማስክ ምውዳይ ክቕጽሉ ኣተሓሳሲባ

    ጸረ ሕማም ኮቪድ 19 ዝተኸትቡ ሰባት፡ ብዝሒ መልከፍቲ ኣብ ዘለዎ ቦታታት ኣብ ዝንቀሳቐስሉ እዋን፡ ኣብ ውሽጢ ቤት እውን እንተኾነ፡ ማስክ ክወድዩ ከም ዘለዎም ዳይረክተር ማእከል ምክልኻልን ምቊጽጻርን ሕማማት ኣመሪካ (CDC)፡ ሮሼል ቫለንስኪ፡ ኣፍሊጣ። ሰሙን ይገብር፡ እዚ ማእከል፡ ዝተኸትቡ ሰባት ማስክ ክወድዩ የብሎምን ዝብል መምርሒ ኣመሓላሊፉ ምንባሩ ዝፍለጥ እዩ። ኣመሪካ፡ ኣብ ምኽታብ እናተመሓየሸት ክትመጽእ ከም ዘለዋ ዘተሓሳሰበ፡ ፕረዚደንት ጆ ባይደን፡ ክልተ …

  • 28 July

    ካልኣይቲ ብልቃጥ ክታበት ኣስትራ ዘነካ ድሕሪ ምኽታብ፡ ዝተራእዩ ተወሰኽቲ ከምዘየለዉ ተገሊጹ

    ካልኣይቲ ብልቃጥ ክታበት ኣስትራ ዘነካ ድሕሪ ምውሳድ፡ ሓደጋታት ምርጋእ ደም ዝኣመሰሉ ጽልዋታት ከምዘይውስኹ፡ ዘ ላንሰት (The Lancet) ዝተባህለ ሳይነሳዊ ጆርናል ኣብ ዘቕረቦ ሓድሽ መጽናዕቲ ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ብመሰረት እዚ ሓድሽ መጽናዕቲ፡ መጠን ሓደጋታት ምርጋእ ደም ድሕሪ ካልኣይቲ ብልቃጥ ምኽታብ፡ 2.3 ካብ 1 ሚልዮን ምዃኑ ገሊጹ። እዚ መጠን ድማ፡ እቲ ንቡር ኣብ ዘይተኸትቡ ሰባት ዘጋጥም መጠን ሓደጋታት ምርጋእ …

  • 28 July

    ሃገረ እንግሊዝ፡ ንዜጋታት ኤውሮፓዊ ሕብረት፡ ኣፍደጊኣ ከተርሑ ምዃና ይንገር

    ሎሚ ሮቡዕ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር እንግሊዝ፡ ቦሪስ ጆንሶን፡ ነቶም ምሉእ ክትባት ዝፈጸሙ ካብ ሃገራት ኤውሮፓዊ ሕብረትን ኣሜሪካን ዝመጹ ዜጋታት፡ ሃገሩ፡ ኣፍደጊኣ ከተርሑ ምዃና ክገልጽ ትጽቢት ኣሎ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ንጸብጻብ ጋዜጣ ፋይናንሽያል ታይምስ ብምጥቃስ ሓቢሩ። ትግባረ ናይዚ ውሳነ፡ ካብ ዝቕጽል ሰሙን ክኸውን ከምዝኽእል እታ ጋዜጣ ንመንግስታዊ ምንጪ ምርኩስ ብምግባር፡ ገሊጻ። ካቢነ ሚኒስተራት ዓዲ እንግሊዝ፡ ብጉዳይ እዚ ሓሳብ፡ ንጆንሶን ከእምንን ኣብ …

  • 28 July

    ናብ ልዑል ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና ዘለወን ሃገራት ዝገሹ ዜጋታት ስዑዲ ዓረብ፡ ኽቕጽዑ ከም ዝኽእሉ ተሓቢሩ

    ናብተን ብምኽንያት ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና፡ ሃገረ ስዑዲ ዓረብ፡ ኣብ ቀይሕ ዝርዝር ዘእተወተን ሃገራት ዝገሹ ዜጋታታ፡ ናይ ሰለስተ ዓመታት እገዳ መገሻን ካልእ ክብድ ዝበሉ መቕጻዕታት ክብየነሎም ከምዝኽእል መንግስቲ ሱዑዲ ዓረብ፡ ብመንገዲ ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያታ ኣቢላ መግለጺ ምውጻኣ፡ ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ሃገረ ስዑዲ ዓረብ፡ ናብ ብራዚል፡ ግብጺ፡ ህንዲ፡ ኢንዶነዥያ፡ ሊባኖስ፡ ፓኪስታንን ኢማራት ዓረብን ዝርከበአን ዝተፈላለያ ሃገራት ምጋሽ ይኹን ብኣተን ምሕላፍ (ትራንዚት)፡ …

  • 28 July

    ኣብ ሽወደን፡ መጠን ብዝሒ ዝተኸትቡ ሰባት ይውስኽ

    ኣብ ሽወደን፡ ብዝሒ ናይቶም ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት ኣስታት 1.1 ሚልዮን ከምዝበጽሐን፡ ካብዚኣቶም ድማ 14,655 ከምዝሞቱ፡ በዓል መዚ ኣገልግሎት ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ኣስታት 6.3 ሚልዮን ሰባት እንተወሓደ ሓደ እብረ ክታበት ኮቪድ-19 ከም ዝተኸትቡን እዚ ድማ ንመጠን ዝተኸትቡ ልዕሊ ዕድመ ዝኾኑ ሽወደናውያን ናብ 76.9% ክብ ከምዘበሎ ጸብጻብ ሃገራዊ መዝገብ ክታበት ሓቢሩ። ኣብ ሽወደን፡ ኣስታት 4 …

  • 27 July

    ዓለማዊ ባንክ፡ ንድኻታት ሃገራት ናይ ክታበት ምወላ ክገብር ምዃኑ ገሊጹ

    ዓለማዊ ባንክ፡ ብዓለምለኸ ፕሮግራም ኮቫክስ ኣቢሉ፡ ንድኻታት ሃገራት ምወላ ክታበት ክገብር ምዃኑ ኣፍሊጡ’ሎ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ገሊጹ። በዚ ዓለማዊ ባንክ ከፊትዎ ዘሎ መድብ፡ ክሳብ 250 ሚልዮን ህዝቢ፡ ምሉእ ናይ ክታበት ኣገልግሎት ክረክብ እዩ። እዞም ናይ ሓገዝ ብልቃጥ ክታበታት፡ ኣብ መወዳእታ እዚ ዓመት ን 92 ሃገራት ብመልክዕ ሓገዝ ክብርከቱ እዮም። ኣብ ዓለም ዘሎ ዝርግሐ ክታበት ዘይምዕሩይ ምዃኑ ውድብ ጥዕና ዓለም …

  • 27 July

    ኢንዶኔዥያ; መምርሒታት ኮቪድ-19 ከም ዝፎኽሱ ጌራ

    ኣብ ኢንዶኔዥ፡ያ ሓድሽ ማዕበል ኮሮና ክለዓል እዩ ዝብል መጠንቀቕታታ ኣብ ዝውሕዘሉ ዘሎ እዋን፡ መንግስቲ፡ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮና ጽዒንዎ ዝነበረ እገዳታት ከም ዝፎኽሱ ይገብር ምህላዉ ተገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ኣብዛ ብለበዳ ኮሮና ዝተሃስየት ሃገር፡ ናእሽቱ ዱካናትን ኣብያተ መግቢን ክኽፈቱ ተጌሮም ኣለዉ። ጃካርታ ካብ ማህሰይቲ እዚ ሕማም ቀልጢፋ ክትሓዊ ተስፋ እገብር። መነባብሮና ካብዘን ትካላት እዩ ክብል ሓደ ወናኒ ቤት መግቢ …

  • 27 July

    ሃገረ ፈረንሳ፡ ሓድሽ ሕጊ ክታበት ኣመሓላሊፋ

    ሃገረ ፈረንሳ፡ ኣብታ ሃገር ዘሎ ኩነታት ለበዳን ኣዋሃህባ ክታበትን ብሕጊ ምእንቲ ክጸድቕ፡ ብዝብል ፖለቲካዊ ዉሳነ፡ ዝተኸተቡን ዘይተኸተቡን ሰባት ንምፍላይ ብመሰረት ዝወጸ ሓድሽ መምርሒ፡  ምህላዉ ሰነድ ክታበት ብሕጊ ግዴታ ኮይኑ ከምዘሎ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ፈረንሳ ኣፍሊጦም። ብመሰረት እቲ ዝወጸ መምርሒ፡ ዝኾነ ሰብ ከምዝተኸተበ ዘረጋግጽ ሰነድ ክታበት ምስ ዘይህልዎ ካብ ዝተፈላለየ መሰላትን ኣገግሎትን ክሕረም ዘሎዎ ዕድል ዓቢ ከምዝኾነ ይንገር። ፕረዚደንት ኣማኒኤል ማክሮን፡ …

  • 27 July

    ሰሙናዊ ጸብጻብ መጠን ሽቕለት ኣልቦነት

    ኣብ መበል 29 ሰሙን ናይዚ ዓመት’ዚ፡ 5632 ሓደሽቲ ስራሕ ኣልቦ ሰባት ከምዝተመዝገቡን፡ በዚ ድማ ቁጽሪ ናይቶም ስራሕ ኣልቦ ዝኾኑ ሰባት፡ 408,677 በጺሑ ምህላዉ ብምግላጽ መጠን ሽቕለት ኣልቦነት 7.9% ምብጽሑ ቤት ጽሕፈት ኣርቤትስፎርሜድሊንየን ኣብ ሰሙናዊ ጸብጻቡ ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ይኹን እምበር፡ መጠን ሽቕለት ኣልቦነት ናይቶም ኣብ ክሊ ዕድመ 18 ክሳብ 24 ዓመት ዘለዉ መንእሰያት፡ ልዑል ከምዘሎ እቲ ጸብጻብ …

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com