Friday , May 10 2024
arriving passengers walk past a sign in the arrivals area at Heathrow Airport in London (AP Photo/Matt Dunham, File) LBJ101

ሃገረ እንግሊዝ፡ ንዜጋታት ኤውሮፓዊ ሕብረት፡ ኣፍደጊኣ ከተርሑ ምዃና ይንገር

ሎሚ ሮቡዕ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር እንግሊዝ፡ ቦሪስ ጆንሶን፡ ነቶም ምሉእ ክትባት ዝፈጸሙ ካብ ሃገራት ኤውሮፓዊ ሕብረትን ኣሜሪካን ዝመጹ ዜጋታት፡ ሃገሩ፡ ኣፍደጊኣ ከተርሑ ምዃና ክገልጽ ትጽቢት ኣሎ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ንጸብጻብ ጋዜጣ ፋይናንሽያል ታይምስ ብምጥቃስ ሓቢሩ።

ትግባረ ናይዚ ውሳነ፡ ካብ ዝቕጽል ሰሙን ክኸውን ከምዝኽእል እታ ጋዜጣ ንመንግስታዊ ምንጪ ምርኩስ ብምግባር፡ ገሊጻ። ካቢነ ሚኒስተራት ዓዲ እንግሊዝ፡ ብጉዳይ እዚ ሓሳብ፡ ንጆንሶን ከእምንን ኣብ ግብሪ ንኽውዕል ክደፍኣሉ ምጽንሑን ይፍለጥ።

ኣብ ጽላት መጓዓዝያ ንዘጋጠመ ዝሕታለ ንምሕዋይ፡ ካብ ኤውሮፓዊ ሕብረትን ኣሜሪካን ናብ ዓዲ እንግሊዝ ክበጽሑ ዝደልዩ ገያሾ፡ ፍቓድ ክወሃቦም፡ ኣብ ከተማ ሎንደን ዝርከብ ሂዝሮው ዝተባህለ መዓርፎ ነፈርቲ፡ ብሰኑይ፡ ናብ መንግስቲ መጸዋዕታ ምቕራቡ ይዝከር።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com