Thursday , May 9 2024
Centers for Disease Control and Prevention Director Dr. Rochelle Walensky (Greg Nash/Pool via AP, File) NYCD301

ኣመሪካ፡ ዝተኸትቡ ሰባት፡ ማስክ ምውዳይ ክቕጽሉ ኣተሓሳሲባ

ጸረ ሕማም ኮቪድ 19 ዝተኸትቡ ሰባት፡ ብዝሒ መልከፍቲ ኣብ ዘለዎ ቦታታት ኣብ ዝንቀሳቐስሉ እዋን፡ ኣብ ውሽጢ ቤት እውን እንተኾነ፡ ማስክ ክወድዩ ከም ዘለዎም ዳይረክተር ማእከል ምክልኻልን ምቊጽጻርን ሕማማት ኣመሪካ (CDC)፡ ሮሼል ቫለንስኪ፡ ኣፍሊጣ።

ሰሙን ይገብር፡ እዚ ማእከል፡ ዝተኸትቡ ሰባት ማስክ ክወድዩ የብሎምን ዝብል መምርሒ ኣመሓላሊፉ ምንባሩ ዝፍለጥ እዩ። ኣመሪካ፡ ኣብ ምኽታብ እናተመሓየሸት ክትመጽእ ከም ዘለዋ ዘተሓሳሰበ፡ ፕረዚደንት ጆ ባይደን፡ ክልተ ሚልዮን ዝኣኽሉ ሰራሕተኛታት ፈዴራል፡ ብፍላይ ክኽተቡ ከም ዘለዎም ኣመልኪቱ’ሎ።

ጽባሕ ሓሙስ ኣብዚ ናይ ክትባት ፕሮግራም ዘሎ ሽግራት ንምብዳህ፡ ባይደን፡ ዝሓሸ ፕሮግራም ሒዙ ክመጽእ እዩ ዝብል ትጽቢት ኣሎ።

ኣብ ዋሺንግተን ብዘስፋሕፍሐ ቊጽሪ ለበዳ፡ ትማሊ ሰሉስ ኲሎም ስታፍ ዋይት ሃውስ ማስክ ምውዳይ ክቕጽሉ መምርሒ ከም እተዋህቦም ጸብጻባት የመልክቱ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com