Friday , May 10 2024
The World Bank building (AP Photo/Andrew Harnik) DCAH103

ዓለማዊ ባንክ፡ ንድኻታት ሃገራት ናይ ክታበት ምወላ ክገብር ምዃኑ ገሊጹ

ዓለማዊ ባንክ፡ ብዓለምለኸ ፕሮግራም ኮቫክስ ኣቢሉ፡ ንድኻታት ሃገራት ምወላ ክታበት ክገብር ምዃኑ ኣፍሊጡ’ሎ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ገሊጹ።

በዚ ዓለማዊ ባንክ ከፊትዎ ዘሎ መድብ፡ ክሳብ 250 ሚልዮን ህዝቢ፡ ምሉእ ናይ ክታበት ኣገልግሎት ክረክብ እዩ። እዞም ናይ ሓገዝ ብልቃጥ ክታበታት፡ ኣብ መወዳእታ እዚ ዓመት ን 92 ሃገራት ብመልክዕ ሓገዝ ክብርከቱ እዮም።

ኣብ ዓለም ዘሎ ዝርግሐ ክታበት ዘይምዕሩይ ምዃኑ ውድብ ጥዕና ዓለም (WHO) ክነቅፍ ምጽንሑ ይፍለጥ። ልዑል ኣታዊ ኣለወን ዝበሃላ ሃገራት ንነፍሲ ወከፍ ሚእቲ ነበርቲ 95.4 ዶዛት ምዝርግሖም እቲ ውድብ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ የመልክት። በንጻሩ ኣብተን 29 ኣዝየን ድኻታት ሃገራት ዓለምና፡ ንነፍሲ ወከፍ 100 ነበርቲ 1.5 ዶዛት ጥራይ እዩ ተዋሂቡ ዘሎ ክብል እቲ ጸብጻብ ብምውሳኽ ሓቢሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com