Saturday , April 27 2024
Statsminister Erna Solberg Foto: Beate Oma Dahle / NTB

ዜጋታት ኖርወይ፡ ንክታበት ኮቪድ ብምቕባል፡ ኣብ ቅድሚት ይስርዑ

ኣብ ሃገረ ኖርወይ፡ ቁጽሪ ናይቶም ዝተኸትቡ ሰባት፡ 5.3 ሚልዮን ምብጽሑ ቀዳመይቲ ሚኒስተር’ታ ሃገር ገሊጻ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።

93% ካብ ዜጋታት ኖርወይ፡ ክታበት ኮቪድ ንክኽተቡ ድልዋት ምዃኖምን ብመንጽር ዜጋታት ናይ ካልኦት ሃገራት ክረአ እንከሎ፡ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ  ከምዝስርዑ እታ ሚኒስትር ብምሕባራ፡ ሃገረ ኖርወይ ኣንቢራቶ ዘላ ቀይድታት ንምልዓል፡ እዚ ኩነታት ከምኡ ኢሉ ንኽቕጽል ተስፋኣ ምዃኑ ንመደበር ፈነወ ኖርወይ VG ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ ሓቢራ። ኣብ ቀጻሊ ጸብጻባት ሚኒስትሪ ጥዕና ኖርወይ ይሕብሩ።

ክሳብ መወዳእታ ወርሒ ነሓሰ ኣብ ዘሎ ግዜ፡ ኩሎም ልዕሊ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም ሰባት ክኽተቡ መደብ ተታሒዙ ምህላዉን እቲ ውጥን ክትግበር ተስፋ ከምዘለዋን እታ ሚኒስተር ገሊጻ።

እዚ ኩነታት ብኸምዚ ዘለዎ ኣወንታዊ ኣገባብ እንተዳኣ ቀጺሉ፡ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሓምለን ምጅማር ወርሒ ነሓሰን፡ እቲ ዕስራ ሰባት ኣብ ገዛ ምእካብ ዝእግድ መምርሒ ክለዓል ከምዝኽእል ብምውሳኽ ኣፍሊጣ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com