Friday , April 26 2024
En sjuksköterska förbereder vaccin från Pfizer för vaccinering. Foto: Fredrik Sandberg / TT kod 10080

ልዕሊ ሽዱሽተ ሚልዮን ሽወደናውያን፡ ጸረ ሕማም ኮቪድ፡ ተኸቲቦም

ሃገረ ሽወደን፡ ኣስታት 73.8% ካብ ልዕሊ ዕድመ ዝኾኑ ሰባት ከምዝኸተበትን፡ እዚ ድማ 6,044,491 ዝበጽሕ ቁጽሪ ምዃኑን ጸብጻባት በዓል መዚ ኣገልግሎት ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።

3,820,976 ሰባት ክልተ እብረ ክታበት ክወስዱ እንከለዉ እቶም ዝተረፉ ድማ ሓንቲ እብረ ክታበት ዝወሰዱ እዩም።

ኣብ ሽወደን፡ ብዝሒ ናይቶም ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት፡ ኣስታት ሓደ ሚልዮን ክበጽሕ እንከሎ፡ 14.6 ሽሕ ሰባት ድማ ብሰንኪ ሕማም ኮቪድ፡ ሂወቶም ከምዝሰኣኑ እቲ ጸብጻብ ይሕብር።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com