Saturday , May 4 2024
GÖTEBORG 20200317 Göteborgs Universitet följer regeringens rekommendation och all undervisning sker på distans från och med imorgon onsdag. Foto: Björn Larsson Rosvall / TT kod 9200

ዩኒቨርስቲ ዮቶቦሪ፡ ኣብ እዋን ፈተና ዝግበር ዓሎቕ እናዛየደ ምምጽኡ፡ ገሊጻ

ቅልውላው ለበዳ ኮሮና ዘስዓቦ ናይ ርሕቀት ትምህርቲ ተኸቲሉ፡ ኣብ ዮኒቨርስቲ ዮቶቦሪ፡ ተርእዮታት ዓሎቕ እናዛየደ ይመጽእ ምህላዉ ዮቶቦሪ ፖስተን ዝተባህለት ጋዜጣ ሓቢራ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።

ኣብ ዓመተ 2019፡ ዝተመዝገቡ ናይ ዓሎቕ ፍጻሜታት 102 ክኾኑ እንከለዉ፡ ኣብ ዓመተ 2020 ድማ እቲ ቁጽሪ ናብ 250 ክብ ኢሉ ከምዝነበረ ይዝከር።  ኣብዚ ዓመት’ዚ ድማ፡ ኣብ እዋን ጽድያ ጥራይ፡ 199 ናይ ዓሎቕ ፍጻሜታት ከም ዝተመዝገቡ፡ እታ ጋዜጣ ሓቢራ። ኤሌክትሮኒካዊ ፈተናታት፡ ኣብ ምውሳኽ ናይዚ ቁጽሪ፡ ዓቢ ተራ ተጻዊቱ ክኸውን ከምዝኽእል፡ እታ ጋዜጣ ብምውሳኽ ገሊጻ።

ተማሃሮ፡ ኣብ ገዝኦም ኮይኖም ኣብ ዝፍተንሉ እዋን፡ ኣብ ከመይ ኩነታት ኮይኖም ይፍተኑ ከምዘለዉ ንኽትቆጻጸር ኣሸጋሪ እዩ ክብል ምኽትል ምኽትል-ቻንስለርን ኣቦወንበር ቦርድ ድስፒሊንን እቲ ዩኒቨርስቲ፡ ማትያስ ጎክሶር፡ ንጋዜጣ ዮቶቦሪ ፖስተን ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ሓቢሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com