Thursday , May 2 2024

ኮረና ቫይረስ

July, 2021

  • 2 July

    ሰራሕተኛታት ኣገልግሎት ጥዕና፡ ብሕማም ኣእምሮ ይሳቐዩ

    ኣብ እዋን ለበዳ ኮሮና ብዘጋጥመ ጸቕጢ ስራሕ፡ ስቓይን ብዝሒ ሞት ናይ ሕሙማትን ብዘስዓቦ ጠንቂ  ብዙሓት ኣባላት ኣገልግሎት ጥዕና ኣብ ጭንቀት፡ ድኻምን ናይ ነፍሰ ቅትለት ዝምባለን  ከምዘስዓበሎም ካብ ሽወደናዊ ሮያል ኣካዳሚ ናይ ሳይነስ ዝተረኽቡ ጸብጻባት ሓቢሮም ክብል ሬድዮ ኢኮት ገሊጹ ብምባል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ነቲ ጸብጻብ ዘዳለዉ ተመራመርቲ፡ ነዚ ተርእዮታት ንምውጋድ፡ ሃገራዊ ስትራተጂ ቆይሙ፡ ብዛዕብ እዚ ጉዳይ ምዝርራብ ክግበርን መፍትሒ …

June, 2021

  • 30 June

    ምምሕዳራት ስቶክሆሎምን ስኮነን፡ ንልዕሊ 25 ዓመት ዝዕድሚኦም፡ ክታበት ጀሚረን

    ምምሕዳር ስቶክሆሎም፡ ነቶም ኣብ ዓመተ 1991 ን ቅድሚኡን ዝተውልዱ  ነበርቲ እቲ ምምሕዳር፡ ካብ ሰሉስ ጀሚሮም ክታበት ኮቪድ-19 ንምርካብ፡ ብመንገዲ ኣልቲድ ኦፐት ዝተሰምየ መርበብ ሓበሬታ (App Alltid Öppet) ወይ ድማ መስመር ተሌፎን ተጠቂሞም ቆጸራ ክሕዙ ከምዝኽእሉ  ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ኣስታት 1.1 ሚልዮን ዝኾኑ ካብ ነበርቲ እቲ ምምሕዳር፡ እንተወሓደ ሓደ እብረ ክታበት ተኸቲቦም ከምዘለዉ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ እዚ ድማ 58% …

  • 29 June

    ቀይድታት ኮሮና ክፎኽሱ ጀሚሮም

    ካብ ሓሙስ ጀሚሩ፡ ኣብ ዕጹው ኣደራሻት ዝካየዱ ህዝባውያን ኣጋጣሚታት ክሳብ 3 ሚእቲ ኣብ ደገ ድማ ክሳብ 3 ሽሕ ሰባት ክእከቡ ኣብ ውልቃውያን ኣጋጣሚታት ድማ ክሳብ 50 ሰባት ክእከቡ ከምዝተፈቕደን በዚ ድማ እቶም ጸኒዖም ዝጸንሑ ቀይድታት ኮሮና ክፎኽሱ ከምዝጀመሩ ሚኒስተር ማሕበራዊ ጉዳያት፡ ለና ሃለንግሪን፡ ሚኒስተር ባህላዊ ጉዳያት፡ ኣማንዳ ሊንድ፡ ዳይረክተር ጀነራል በዓልመዚ ኣገልግሎት ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን፡ ዮሃን ካርልሶንን ኣብ ዝገበርዎ ጋዜጣዊ …

  • 29 June

    ቬስትራ ጎትላንድ፡ ንኹሎም መንእሰያት፡ ቆጸራ ክታበት ክሕዙ ኣፍቂዱ

    ካብ ሮቡዕ ጀሚሮም፡ ኩሎም ልዕሊ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም መንእሰያት፡ ናይ ክታበት ቆጸራ ክሕዙ ከምዝኽእሉ ምምሕዳር ቬስትራ ጎትላንድ ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። በቲ ተሓንጺጹ ዝነበረ መደብ ክታበት፡ እዞም ክሊ ዕድመ፡ ድሕሪ ሓደ ወርሒ ቆጸራ ምሓዝ ክጅምሩ እኳ እንተነበሮም፡ ብሰንኪ ጻዕቂ ቆጸራ ናይ ዝሕዙ ሰባት ምጉዳሉ፡ እቲ ግዜ ክሰሓብ ከምዝኸኣለ ተፈሊጡ። ፍርቂ ብዝሒ ናይቶም ኣብ ቬስትራ ጎትላድ ዝርከቡ ልዕሊ ዕድመ …

  • 28 June

    ደቡብ ኣፍሪቃ፥ ሳልሳይ ማዕበል ኮቪድ ንምዕጋት ጽንክር ዝበሉ መምርሒታት ኣተኣታትያ

    ደቡብ ኣፍሪቃ: ሳልሳይ ማዕበል ቫይረስ ኮሮና ንምዕጋት ጽንክር ዝበሉ ሓደስቲ መምርሒታት ምትእትታዋ ፕረሲደንት እታ ሃገር: ሲሪል ራማፎሳ: ገሊጹ። ብመሰረት እዚ ንዝቕጽላ ክልተ ኣዋርሕ መሸጣ ኣልኮል ኣብ ኲሉ ምትእኽኻባት እንተላይ ሃይማኖታዊን ፖለቲካዊን ምትእኽኻባት ክኽልከል እዩ። እዚ ፈለማ ኣብ ህንዲ ከም እተረኽበ ዝንገረሉ ደልታ ዝተባህለ ጅር ቫይረስ ኮሮና ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ እናዕብለለ ይመጽእ ኣሎ ዝበለ እቲ ጸብጻብ ትማል ሰንበት ጥራይ 18 ሽሕ …

  • 28 June

    ኣውስትራልያ: ሓድሽ ገጽ ለበዳ ኮቪድ-19 ተላዒሉ

    መራሕቲ ኣውስትራልያ: ብሰንኪ ኣብታ ሃገር ዝተኸስተ ሓድሽ ገጽ ለበዳ: ሎሚ ኣብ ናይ ህጹጽ እዋን ኣኼባ ምህላዎም ተገሊጹ። ኣብ ሲድኒ እቲ ኣዝዩ ተላባዒ ዝተባህለ ጅር ቫይረስ ኮሮና ዝኾነ ደልታ ከም እተራእየ ዝሓበረ ጸብጻብ ቢቢሲ: ዛጊት ኣብ 128 ሕሙማት ተረኺቡ ኣሎ ኢሉ። ዶባታ ብምዕጻው ቊጽሪ ሕሙማት ናብ ዝተሓተ ደረጃኡ ኣውሪዳ ዝጽርንሐት ኣውስትራልያ ሕጂ ኣብ ኣዝዩ ሓደገኛ እዋን ከም ዘላ ሰብመዚ እታ ሃገር …

  • 25 June

    ኣብ ኡጋንዳ: ብምኽንያት ለበዳ ኮቪድ: መዓልቲ ጸሎት ተኣዊጁ

    ፕረሲደንት ኡጋንዳ: ዩወሪ ካጉታ ሙሰቨኒ: ሎሚ ዓርቢ ስለቶም ለይቲን ቀትሪን ኣብ ምክልኻል ለበዳ ኮሮና ዝተግሁ ዘለዉ ሓካይምን ግዳያትን በዓለ ጸሎት ክትከውን ከም ዝኣወጀ ተፈሊጡ። ኣብ ኡጋንዳ ብሰንኪ እተኸስተ ካልኣይ ማዕበል ለበዳ ኮሮና: ሙሰቨኒ: ኣብዚ ወርሒ ጽኑዕ ዕጽዋ ምእዋጁ ዝዝከር እዩ። 100 ኣባላት ባይቶ: ኮሮና ፖሲቲቭ ኮይኖም ከም እተረኽቡ ዘመልከተ እቲ ሓበሬታ፥ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ሳምንቲ መጠነ ሞት ግዳያት ኮሮና ብ …

  • 25 June

    ሃገረ ፊንላንድ: ንኣብ ክሊ ዕድመ 12 ክሳብ 15 ዓመት ዘለዉ ቆልዑ: ክታበት ኣፍቂዳ

    ትካል ጥዕናን ድሕነትን ፊንላንድ (THL): ከምቲ በዓል መዚ ጥዕና ሽወደን ዘፍቀዶ: ንኣብ ክሊ ዕድመ 12 ክሳብ 15 ዓመት ዘለዉ ቆልዑ: ጸረ ሕማም ኮቪድ ክታበት ንኽወሃቡ ኣፍቂዱ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ክሳብ እዚ እዋን: ሃገረ ፊንላንድ: ነቶም ኣባላት ተነቀፍቲ ጉጅለታት ዝኾኑ ቆልዑ ጥራይ ብፍርያት ኩባንያ ፋይዘር ዝኾነ ክታበት ክኽተቡ ኣፍቂዳ ምጽናሓ ይዝከር። እቲ ጉዳይ: ብሚኒስትሪ ማሕበራዊ ጉዳያት ፊንላንድ ዝውሰን እዃ …

  • 24 June

    ተመራመርቲ፡ ንኣድማዕነት ክታበት ኮቪድ ብዝምልከት መጽናዕቲ ጀሚሮም

    ኣብ ፕሮጀክት ምርምር ሽወደን፡ ንኣድማዕነት ክታበት ኮቪድ ብዝምልከት መጽናዕቲ ከምዝተጀመረ ጸብጻብ መደበር ሬድዮ  P4 Västerbotten ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። እዞም ካብ ኡምዮ፡ ኡስተርሱንድ፡ ኢስኪልስቱና፡ ኡረብሮን ካርልስታድን ዝተኣከቡ ልዕሊ 200 ዝኾኑ ተመራመርቲ፡ ኣድማዕነት ክታበት ኮቪድ ንኽንደይ እዋን ከምዝጸንሕ ንምፍላጥ፡ ምርምር ከምዝጀመሩን፡ እቲ መደብ፡ ክሳብ ኣርባዕተ ዓመታት ክወስድ ከምዝኽእል እቲ ጸብጻብ ሓቢሩ። እቲ መጽናዕቲ ኣብ ልዕሊ ዝተፈላለዩ ጉጅለታት ዝካየድ ኮይኑ፡ …

  • 23 June

    ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ነበርቲ ስቶክሆሎም፡ ክታበት ኮቪድ ተኸቲቦም

    ኣብ ምምሕዳር ከባቢ ስቶክሆሎም ዝርከቡ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ነበርቲ፡ እንተወሓደ ሓደ እብረ ጸረ ሕማም ኮቪድ ክታበት ዝተኸትቡ እዮም ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።   ብዝሒ መጠን ናይቶም ዝተኸትቡ ሰባት 54.7% ካብ ጠቕላላ ድምር ነበርቲ ኮይኑ ካብዚኣቶም እቶም 524 ሽሕ ሰባት፡ ክልተ እብረ ክታበት ዝተኸትቡ እዮም። ክሳብ ሕጂ፡ ኣብ ምምሕዳር ከባቢ ስቶክሆሎም ዝርከቡ ልዕሊ 35 ዓመት ዝዕድሚኦም ሰባት፡ ክታበት ኮቪድ ከምዝተኸትቡ ተፈሊጡ። …

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com