Sunday , May 19 2024

ዜና

ኣብ ምምሕዳር ስኮነ (Skåne) ፡ መጠን መልከፍቲ ኮሮና ብዘሻቕል ኩነታት ይውስኽ

ኣብ ደቡብ ሽወደን ፡ ምምሕዳር ስኮነ፡ ግዳያት ሕማም ኮቪድ-19፡ ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ እናወሰኹ ይኸዱ ምህላዎም ጸብጻባት በዓል መዚ ጥዕና ስኮነ ሓቢሩ። ብመሰረት እቲ ጸብጻብ፡ ማእከላይ ገምጋም ናይ መዓልታዊ  ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተለኽፉ፡ ካብ 55 ክሳብ 89 ሰባት ምዃኑ ገሊጹ። ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ኣብ ምምሕዳር ስኮነ፡ ኣብ ኩሎም ክሊ ዕድመታት ይረአ ምህላዉን፡ እንተኾነ እቶም ኣብ ክሊ ዕድመ 20-29 ዘለዉ መንእሰያት …

Read More »

ውድድራት ቻምፕዮን ሊግ ኤውሮጳ ሎሚ ብዝካየዱ ጸወታታት ክፍልም እዩ

ውድድራት ቻምፕዮን ሊግ ዓመተ 2020/21 ሎሚ ንዓበየቲ ክለባት ማንቸስተር ዮናይትድ ምስ ፒኤስጂ ፣ ላዝዮ ምስ ዶርትማን ከምእውን ቸልሲ ምስ ሰቪያ  ዘራኽብ ኮይኑ ተሃራፍን መሳጢ ጸወታ ክኸውን ትጽቢት ቡዝሓት ኮይኑ እሎ። ኣብዚ ኣብ መንጎ ማንቸስተር ዮናይትድ ምስ ፒኤስጂ ዝካይድ ጸወታ ብወገን ማንቸስተር ሓለቃ ጋንታ ማጉዋየር ፣ካቫኒን ማሶን ግሪንውድ ዝበኽሩ ኮይኖም ብ ወገን ፒኤስጂ ሃንዳሲ ማእክል ሜዳ ዝኾነ ቬራቲ ሓዊስካ ማውሮ ኢካርድን …

Read More »

ኣብ ልዕሊ ድልድል ኦረሱንድ ዝርከብ መስመራት ጉዕዞ ባቡራት ስርሑ ጀሚሩ

ሎሚ ንግሆ፡ ብሰንኪ ኣብ ናይ ባቡር ምልክታት ዝተፈጥረ ብልሽት፡ ጉዕዞታት ናይ ባቡር ኣቋሪጹ ምርፋዱ ይፍለጥ። ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ እቲ ዝነበረ ብልሽት ተጸጊኑ ከምዘሎን፡ ምንቅስቓስ ናይ ባቡር ድማ ናብ ንቡር ኩነታት ተመሊሱ ኣሎ ክብል በዓል መዚ መጓዓዝያ ሽወደን ሓቢሩ ክብል መርበብ ሓበሬታ ተተ (TT) ኣቃሊሑ። ብሰንኪ ኣቐዲሙ  ዘጋጠመ ብልሽት፡ ንዝቕጽል ሓጺር እዋን፡ ናይ ጉዕዞ ምዱኑጋያት ክህሉ እዩ ክብል እቲ በዓል መዚ …

Read More »

መጠንቀቕታ ካብ ቤት ጽሕፈት ሜትሮሎጂ ሽወደን

ጽባሕ ሰሉስ፡ ኣብ ምምሕዳራት ዮምትላንድ፡ ቬስተርኖርላንድ፡ ያልቬሪቦሪ፡ ዳርላና፡ ቬርምላንድ፡ ኦረብሮን ቪስትማላንድን፡ ውርጪ (Snöstormar)፡ ክወርድ ከምዝኽእል ቤት ጽሕፈት ሜትሮሎጂ ሽወደን ናይ ቀዳማይ ደረጃ መጠንቀቕታ ከምዘመሓላለፈ ጋዜጣ ኣፍቶንብላደት ሓቢሩ። ኣብ ሴሜናዊ ክፋል ሽወደን ዝርከባ ምምሕዳራት ዝወርድ ውርጪ፡ ካብ 5 ክሳብ 15 ሴንትሜተር ርጉዲ ዘለዎ ቀጸላ ክእክብ ከምዝኽእል፡ ኣብ ቪስትማላንድን ኦረብሮን ግን እቲ ውርጪ፡ ካብ 2 ክሳብ 5 ሴንትሜተር ርጉዲ ዘለዎ ቀጸላ ክህልዎ …

Read More »

40% ካብቶም ሓደስቲ ናብ ሽወደን ዝመጹ መንእሰያት ናይ ድቃስን ኣትክሮን ጸገማት ኣለዎም

ኣስታት 40% ካብቶም ሓደስቲ ናብ ሽወደን ዝመጹ መንእሰያት፡ ብሕማቕ ተዘክሮታት፡ ዋሕዲ ድቃስን ናይ ኣትክሮ ጸገማትን ከምዝሳቐዩ፡ ኣብ ኮሌጅ ቀይሕ መስቀል ዝርከቡ ተመራመርቲ ዘካየድዎ ሓዲሽ መጽናዕቲ ሓቢሩ። ከምዚ ዓይነት ምልክታት ድማ፡ ድሕሪ ኣሰቃቒ (ኣሰምባዲ) ኩነት ዝፍጠር ዘይምርግጋእ (Posttraumatisk stressyndrom) ተባሂሉ ዝጽዋዕ ኮይኑ፡ ኣብቶም ካብ ኣፍጋኒስታትን ብዘይ ስድረኦም ዝመጹ መንእሰይት፡ ጎሊሑ ዝረአ እዩ ክብል እቲ መጽናዕታዊ ጸብጻብ ከም ዝጠቐሰ፡ መርበብ ሓበሬታ ተተ …

Read More »

ከተማ ዮንሾፒን፡ ብዘይ ውዑይ ማይን መውዓይ ገዛውትን

ሎሚ ሰኑይ ንግሆ ብሰንኪ ኣብ መደበር ፖምፓ ብዘጋጠመ ብልሽት፡ ኣብ ከተማ ዮንሾፒን ዝርከብ ኣገልግሎት ውዑይ ማይን መውዓይ ገዛውትን ኣቋሪጹ ከምዘሎ፡ ብሰንኪ’ዚ ድማ ኣስታት 30 ሽሕ ዝኾኑ ተቐማጦ’ታ ከተማ ተጸልዮም ምህላዎም መርበብ ሓበሬታ ተተ (TT) ኣቃሊሑ። እቲ ብልሽት ኣብ ሰዓታት ወጋሕታ ከምዘጋጠመን፡ ንምጽጋኑ ድማ ሰዓታት ክወስድ ከምዝኽእል ተሓቢሩ።

Read More »

ክሳራታት ኣገልግሎት ህዝባዊ መጓዓዝያ SL ዓቢ ክኸውን ከምዝኽእል ገምጋማት ይሕብሩ

ብሰንኪ ኣብዚ ዓመት ዝፍጸን ዘሎ መስርሕ ትኬት ከየቑረጽካ ኣገልግሎት ምርካብ (ምትላል)፡ በዓል መዚ ኣገልግሎት ህዝባዊ መጓዓዝያ ስቶክሆልም፡ ክሳብ 1.5 ቢልዮን ክሮን ክሳራታት ክወርዶ ከምዝኽእል ጸብጻባት’ቲ ቤት ጽሕፈት ይሕብሩ። ኣብ ንቡር ኩነታት፡ መጠን ምትላል ክሳብ 3% ክኸውን እንከሎ፡ ብ270 ሚልዮን ክሮነር እዩ ዝግመት። ኣብዚ ዓመት’ዚ ግን፡ እቲ መጠን፡ 15% ብምብጽሑ፡ ዝተመዝገበ ክሳብ ድማ 1.35 ቢልዮን ክሮነር ኮይኑ ኣሎ ክብሉ እቶም ጸብጻባት …

Read More »

ሓቐኛ ዛንታ፣ዓባይ በጊዕ—

ቐዳማይ ክፋል ብጸጋብርሃን ጎይትኦም  ኣብ ከባቢ ዕስራታት እትርከብ ጎርዞ እያ። ዕላላ ህዱእን ቁም-ነገር ዝዓብለሎን ብምዃኑ፡ ካብ’ቲ ተመሲጥካ ንኽትሰምዖ ዝድርኽ መዐቀኒታት ሓደ’ዩ። ኣብ ጉዕዞ ህይወትካ፡ ኣመዛዚንካ ናይ ዘይምኻድ ባህርያት ከም ዘለዋ ግን፡ ካብ ዛንታኣ ክግምት ኣይተጸገምኩን።  ብቖጸራ ኣብ ሓደ ካፊተርያ ምስ ተራኸብና፡ ነቲ ብግርህነት ዝኣተወቶ’ሞ ሕጂ እትጥዓሰሉ ዘላ ግዜ ንእስነታ፡ ኣብ ምዝንታው’ያ ብቕጽበት ተሸሚማ። ኣነ እውን ንእትብለኒ ክሰምዕ ተዳለኹ፡ ንእስነት ዝመንቀሊኡ …

Read More »

መሰረታውያን ደፋእቲ ሓይልታት (Evolutionary Forces)

ኣማኑኤል ሳህለ ኩሉ ፍጥረት፡ ዚረአ ይኹን ዘይረአ፡ ቀጻሊ ዚኽተሎ ሕግታትን ኣገባባትን ኣለዎ። ካብኡ ምልጋስ ጸገማት ስለ ዘኸትል ከኣ፡ እዚ ሕግታትዚ ከም ሓቂ ኪውሰድ ይኽእል እዩ። ሓድሓደ ግዚ እቲ ተግባር ካብ ሕጊ ወጻኢ ዚኸይድ ዘሎ ይመስል። ተጋግዩ ክንብሎ ግን ኣይንኽእልን። ንዓና ብዘይርደኣና ተወሳኺ ሕግታት ኪምራሕ ይኽእል እዩ። ገለ ፍጻመታት ጸኒሑ ማለት ኣእምሮ ሰብ ምስ ማዕበለ ኪግለጽ ዘለዎ ሓቂ እዩ። ፊዚካውን ከሚካላውን …

Read More »

ኣብ መንጎ ማሕበራት ሰራሕተኛን ኣስራሕትን ዝግበር ዘሎ ዝርርብ ካብ ዝተመደበሉ ግዜ ተናዊሑ

ኣብ መንጎ ማሕበራት ሰራሕተኛታትን ወሃብቲ ስራሕ ሽወደንን ንመሰላትን ዉሕስነትን ሰራሕተኛታት ብዝምልከት ዝግበር ዘሎ ርሱን ክትዕን ዘተን ተቛሪጹ ድሕሪ ምጽንሑ ኣብዚ ሳልስቲ ብሓድሽ ርእይቶን መቀራረቢ ሓሳብን ክካየድ ድሕሪ ምጽናሕ ሎሚ ኣብ ሰዓታት ንግሆ፡ ክዛዘም እኳ ትጽቢት ተገይርሉ እንተነበረ፡ ንውሱን ሰዓታት ወይ ዉን ንመዓልታት ተዳንጉዩ ከምዘሎ ጸብጻባት ሓቢሮም ኣሎዉ። እዚ ኣብዚ ቀረባ እዋን ንመሰላት ሰራሕተኛ ኣመልኪቱ ኣብ መንጎ ዝምልከቶም ኣካላት፡ ወሃብቲ ስራሕን …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com