Sunday , May 19 2024

ዜና

ኤርትራ ሓንቲ ካብተን 5 ስደተኛታት ኣገዲድካ ዘይትመልሰለን ሃገር እያ ተባሂሉ::

ላዕለዋይ ሓላፊ ፖሊስ ክፍሊ ምክትታል ዶባት ዝኾነ ፓትሪክ ኢንግስትሩም ሎሚ መዓልቲ  ምስ ረድዮ ሽወደን ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት ኤርትራ ሓንቲ ካብተን ዜጋታታ ኣገዲድካ ክትመልሰለን ዘይከኣላ ሃገራት ምኻና ሓቢሩ:: እሱ ዘረብኡ ብምቅጻል ዜጋታት ኤርትራ ዝርከብዎም ሓሙሽተ ሃገራት ዜጋተተን ብወለንተኦም እንተዘይኮይኑ ኣገዲድካ ክትመልስ ከምዘይካኣል ብምግላጽ ምስ ወከልቲ እዘን ሃገራት ዝኾኑ ኣምበሳደራት ዝርርብ ክጅመር ምኻኑ ኣተንቢሁ:: በጀካ ኤርትራ እተን ዝተረፋ ሃገራት ዒራቅ፥ኢራን ሶማልያን …

Read More »

መጠን ኣገዳስነት ርእሰ ምርኮሳ ዓብዩ ተባሂሉ

ብዝሒ ናይቶም ብዛዕባ ምኹስኳስን ምሕራስን፡ ንኽመሃሩ ዝደልዩ ሰባት ምስ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ክወዳደር እንከሎ፡ ከም ዝወሰኸ ተሓቢሩ። እዚ ድማ ኣብ ከባቢ ችራምፎሽ (Kramfors) እትርከብ ላዕለዋይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ፡ ሆላ ፎልክ (Hola Folk)፡ ጎሊሑ ከምተራእየ ብምሕባር፡ ንሓንቲ ቦታ ትምህርቲ ሓሙሽተ ሰባት ይጠልብዋ ምህላዎም ሬድዮ ሽወደን P4 ቮሽተርኖርላንድ ገሊጹ። ኣብ ንቡር ኩነታት፡ ብገምጋም፡ ክልተ ሰባት ንሓንቲ ቦታ ከም ዝጠልብዋ ይፍለጥ። እዚ ተፈጢሩ …

Read More »

ምዕጻው መዋእለ ህጻናት (ቅድመ ትምህርቲ) ኣገዳስነት የብሉን ይብሉ፡ ተመራመርቲ

ሓድሽ መጽናዕቲ ከም ዝሕብሮ፡ ኣብ እዋን ቅልውላው ኮሮና ዝውሰድ ስጉምቲ ምዕጻው መዋእለ ህጻናት፡ ኣገዳስነት ከምዘይብሉ ገሊጹ። እዚ መጽናዕታዊ ምርምር፡ ኣብ መንጎ ኣሜሪካ፡ ኖርወይን ሽወደንን ዝርከባ መዋእለ ህጻናት፡ ንምቁጽጻር ለበዳ ኮሮና ተባሂሉ ዝተወስደ ስጉምታት ዘወዳደረ ምንባሩ ጠቒሱ። ኣብ እዋን ቅልውላው ኮሮና፡ እተን መዋእለ ህጻናት ከይዓጸዋ ዝጸናሓ ሃገራት ሽወደንን ታይዋንን ጥራይ እየን ነይረን። ካልኦት ሃገራት፡ ዝተፈላለዩ ስጉምታት ንኽወስዳ ኣብ ውድድር ዝነበራ እየን …

Read More »

ማንቸስተር ዩናይትድ እውን ናብ ዓመታዊ ዕረፍታ ኣምሪሓ

እታ እንኮ ኢንግሊዛዊት ክለብ ኣብ ኤውሮጳዊ ውድድራት ሰለይ ክትብል ዝጸንሔት ማን ዩናይትት በዚ ኣብዚ ኤውሮጳ ሊግ ሙኽርትን ዓብላሊት ኮይና ዘላ ስጳኛዊት ክለብ ስቪያ ካብ ድሕሪት ብምብጋስ 2 ብ 1 ተሰናብታ። ኣብዚ ግጥም ማንቸስተር ዩናይቲድ ዓብላሊትን ኣቀዲማ ብ ፍጹም ቅላዕ ብመንገዲ ብሩኖ ፈርናደስ ሽቶ ኣመዝጊባ እኻ እንተመርሔት፣ ድሕራ ብመንገዲ ሱሶን ሉክ ዲዮንግ ክልተ ሸቶታት ዝረኸበት ሰቪያ ብምዕዋት ኣብ መድረኽ ኤውሮጳዊ ሊግ …

Read More »

ጸጋማዊ ሰልፊ፡ ናይ ቀደም ፖሊሲ ስደተኛታት ንኽምለስ ይሓትት

ጸጋማዊ ሰልፊ፡ ንመብዛሕትኡ ብኮሚቴ ኢሚግሬሽን ዝቐረበ ሓድሽ እማመ ፖሊሲ ስደተኛታት ከምዘይድግፎን እቲ ናይ ቀደም ዝነበረ ፖሊሲ ስደተኛታት ንኽምለስ ከምዝጠለበ TT ሓቢሩ። ኮሚቴ ኢሚግሬሽን፡ መምርሒታት መንግስቲ ኣይተኸተለን ክትብል ወኪል ጸጋማዊ ሰልፍ ኣብ ኮሚቴ ኢሚግሬሽን፡ ክርሲትና ላርሰን፡ ገሊጻ። እዚ ኮሚቴ፡ ቀጻልነትን ሰብኣውነት ዝመልኦ፡ ውሑስን ሕጋውን፡ ፖሊሲ ስደተኛታት ከቕርብን ካብተን ካልኦት ኤውሮፓውያን ሃገራት ዝኽተለኦ ፖሊሲ ብዙሕ ፍልልይ ዘይብሉ ክኸውን ከምዘለዎ ብመንግስቲ ሓበሬታ ተዋሂብዎ …

Read More »

ምኽሳዕ፡ ማዕረ ወጻኢታት ኲናት፡ ንሕብረተሰብ ክሳራ የኸትል ምህላዉ ሓድሽ መጽናዕቲ ገሊጹ

ምኽሳዕ (ማለት ልዕሊ ዓቐን ክብደት ምድላብ ) ኣብ ልዕሊ ሕብረተሰብ፡ ካብ ወጻኢታት ኲናትን ምትካኽን ዘይንእስ ጉድኣት የስዕብ እዩ ክብል ብ ትካል ማኪንሲ ግሎባል ዝወጸ ጸብጻብ ኣመልኪቱ። ሓደ ሲሶ ካብ ህዝቢ ዓለምና፡ ብልዑል ክብደትን ርጉድን ከም ዝሳቐ እቲ ሓበሬታ ብተወሳኺ ገሊጹ።ብምኽሳዕ ዝስዕብ ክሳራታት፡ ኣብ ሽወደን፡ ብተዛማዲ ምስ ከም በዓል ጀርመንን ዓዲ እንግሊዝን ዝኣመሰላ ኤውሮፓውያን ሃገራት ክወዳደር እንከሎ ዝወሓደ ምዃኑ ዝጠቐሰ እቲ …

Read More »

ሓቐኛ ዛንታ፣ዕድል ድዩ?

ካልኣይ ክፋልብጸጋርሃን ጎይትኦም “እወ፡ እንታይ ድየ ከተማኽረኒ ደልየ መስለካ። ኣብ ጉዕዞ ህይወተይ ሓደ ራኢ ሒዘ’የ ዝጉዓዝ ነይረ። ብሕንቃቐ ዓብየ። ከም ኣተዓባብያ ድማ ኣብ ህይወተይ ምልእቲ እምበር ጎዶሎ ከይከውን ማራ’የ ዝጥንቀቕ። ነቲ ዝነበረ ጸጥታ ዕላል ብምጅማር ተርብዓቶ።“ንስድራይ ንምሕጓስ ዘይገብሮ ነገር የብለይን። ኣቦይ ናይ ጥዕና ጸገም ዘለዎ ብምዃኑ፡ ኣብ ርእሲ ጸገሙ ጸገም ክኾኖ ድልየት የብለይን፡” ብዝንታ ተዋሒጣ ስቕ በለት።“ከመይ ማለትኪ’ዩ?” ግር ከም …

Read More »

ጽዋእ ቻምፒዮን ሊግ ናብ ጀርመን ዶ ወይስ ፈረንሳ?

ፈረንሳዊት ልዮን ሕጂ እውን ድሕሪ ን ክርስታን ሮናልዶን ጁቨንቱስ ምግላፋ ሕጅ እውን ን ሃብታም ጋንታ ማንቸስተር ስቲ ኣሰር ካልኦት ብምስዓብ ን ሙኹሕ እሰልጣኑ ጋርድዮላ ምስ ሰራዊቱ ኣሰናብታቶ። ኣብዚ ሙሳ ደንበለ ደሚቑ ክልተ ሸቶታት ዘመዝገበሉ ምሸት ምክልኻል ማን ሲቲ ብዙሕ ስራሕ ከምዝተርፎ ዘርኣሉ ምሽት ኮይኑ ኣምስዩ። ኣብዚ 3 ብ 1 ዝስዓርት ልዮን ሕጂ እውን ን ዓርሞሸሽ ክለብ ባየር ሙኒኽ መጻኩ ብምባል …

Read More »

ብሰንኪ ዓሌታዊ ጽሑፍ፡ ኦልፍ ፕዩርክ፡ ካብ ሰልፊ ስቬርያ ዲሞክራትስ (SD) ንኽሰናበት ተገዲዱ

ብሰንኪ ኣብ ፌስቡክ ዝጸሓፎ፡ ኣንጻር ጸለምቲ ዝቐነዐ ዓሌታዊ ጽሑፍ፡ ተሪር ተቓውሞን ነቐፌታን ክወርዶ ዝጸንሐ ኣባል ሰልፊ ስቬርያ ዲሞክራትስ ዝኾነ ኦልፍ ፕዩርክ፡ ካብ’ቲ ሰልፊ ንኽሰናበት ከምዝተገደደ ሬድዮ ሽወደን ሓቢሩ። ፕዩርክ፡ ኣብ ፌስቡክ፡ “ ጓል መን ኮን ትኸውን እታ ኣብ ቀጻሊ ግዳይ እትኸውን ጸላም ቆልዓ” ዝብል ጽሑፍ ዘርጊሑ ምንባሩ ይዝከር። እቲ ጽሑፍ፡ ካብ ብዙሓት ወገናትን ካብ ሓላፊ ሰልፊ SD ከባቢ ቨርምላንድ ዝኾነ …

Read More »

ሓንቲ ዓለም፣ ዓይነታት ምስትውዓል (types of intelligence)

ካልኣይ ክፋልን መወዳእታንኣማኑኤል ሳህለ ኣንፈታውን ቦታውን ምስትውዓል (spatial intelligence) ገለ ሰብ ኣሎ ኣብ ሓደ ከተማ ምስ ኣተወ፡ ድሕሪ ሓደ ወይ ክልተ መዓልቲ ንኹሉ ናይታ ከተማ ሸነኻትን መውጽእን መእተውን ዕዳጋኡን ቤተክርስትያኑን መስጊዱን ኩሉ ኣብ ኣእምሮኡ ዘቐምጦ፡ ካብ ገዝኡ ወጺኡውን ንኺምለስ ኣይደናገርን። ገለ ድማ ኣሎ፡ ኣብ ሓደ ከተማ ዓመት ተቐሚጡ፡ እቲ ቀንዲ ጎደና ወይ እቲ ስታድዩም በየን ከም ዘሎ ዘይፈልጥ።ከምቲ ሓደ ብጻይና …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com