Friday , May 3 2024

ሓንቲ ዓለም፣ ዓይነታት ምስትውዓል (types of intelligence)

ካልኣይ ክፋልን መወዳእታን
ኣማኑኤል ሳህለ

ኣንፈታውን ቦታውን ምስትውዓል (spatial intelligence)

ገለ ሰብ ኣሎ ኣብ ሓደ ከተማ ምስ ኣተወ፡ ድሕሪ ሓደ ወይ ክልተ መዓልቲ ንኹሉ ናይታ ከተማ ሸነኻትን መውጽእን መእተውን ዕዳጋኡን ቤተክርስትያኑን መስጊዱን ኩሉ ኣብ ኣእምሮኡ ዘቐምጦ፡ ካብ ገዝኡ ወጺኡውን ንኺምለስ ኣይደናገርን። ገለ ድማ ኣሎ፡ ኣብ ሓደ ከተማ ዓመት ተቐሚጡ፡ እቲ ቀንዲ ጎደና ወይ እቲ ስታድዩም በየን ከም ዘሎ ዘይፈልጥ።
ከምቲ ሓደ ብጻይና ካብ ኣስመራ ናብ ባጽዕ ምስ ከደና እሞ ኣብኡ ምስ ሓደርና ንግሆ ተንሲኡ ዝበሎ የዘክረኒ። ”ኣታ እንታይ ደኣያ ዛ ጸሓይ ብምዕራብ ትበርቕ ዘላ!” ምናልባት በቲ ዓርበሮቡዕን ነፋሲትን ክንጠዋወ ከሎና ኣንፈቱ ተመዛቢሉ ኪኸውን ይኽእል እዩ።
ኣብዚ ኩነታት’ዚ፡ እቲ ቀዳማይ፡ ማለት ብናይ ኣንፈትን ሸነኽን ቦታን ዚምልከት ምስትውዓል ላዕለዋይ ደረጃ ኪሕዝ ከሎ፡ እቲ ካልኣይ ግን ናይ ስነ-ኣንፈት (orientation) ምስትውዓል ዝጎደሎ እዩ ክንብል ንኽእል።
ኣብቲ ካልኣይን ደረጃ ብልዑል ነጥቢ ዚስርዑ ኣለዉ፡ ንሳቶም ድማ ሰብ ታክሲ፡ ዳህሰስቲ ከምኡውን ተጻወትቲ ኵዕሶ እዮም። ተጻወትቲ ኵዕሶ ደኣ ከመይ ኢሎም ኣብዚ ይኣትዉ ንዚብል ሕቶ ንምምላሽ፣ ሓደ ንፉዕ ተጻዋታይ ኵዕሶ፡ ዛጊት እቲ ዓውደመጻወቲ ወይ ካምቦ ወይ ቦርታ፡ ኣብ ኣእምሮኡ ስኢሉዎ እዩ። ነቲ ናይቶም ብጾቱን ተወዳደርቱን ምንቅስቓስ ድማ ምስቲ ኣብ ሓንጎሉ ዘሎ ስእሊ ኣገናዚቡ ቀሚሩን ተንቲኑ ኪግምትን ኪፈርድን ይኽእል። እቲ ሓንጎሉ ዳርጋ ከም ጂ.ፒ. ኤስ እዩ ኪብሃል ይከኣል። ስለዚ ነታ ኵዕሶ እናኾብኮበ ብዘይ ዕንቅፋት ኣበይ ከብጽሓ ከም ዘለዎ ይፈልጥ እዩ።
ብናይ ኣንፈት ምስትውዓል እንዶ ዘይብሉ ተጻዋቲ ግን፡ ናብ ቦርታኡ እውን ጎል ከእቱ ይኽእል ከም ዝኾነ ኪርሳዕ ኣይግባእን።
ሙዚቃዊ ምስትውዓል (musical intelligence)
ነኣሽቱ ከሎና ይዝከረኒ፡ ሓደ ብጻይና ነይሩ ስልኪ ኣብ ክልተ ሽንካራት ኣሲሩ፡ ብኢዱ እናጠዋወቐ ሙዚቃ ዚጻወት። ከመይ ገይሩ ነቲ ቃና ወይ ኖታ ከም ዚፈልጦ ይገርመና ነይሩ። ለካ ሙዚቃስ ተውህቦ እዩ።

ካብኡ ንላዕሊ ድማ፡ ሞዛርት እተባህለ ኣውስትርያዊ ወዲ 5 ዓመት ከሎ ሙዚቃ ይደርስ ነይሩ ይብሃል፡ ወዘተ።
ገለ ሰባት ኣለዉ፡ ንሓንቲ ሙዚቃ ሓንሳእ ምስ ሰምዑዋ ከይተጋገዩ ኪደግሙዋ ዚኽእሉ፡ ከምኡውን ንደርፊ። ገለ ከኣ ኣለዉ፡ ሚእቲ ግዜ ዝሰምዑዎ ደርፊ፡ ኪሕዙዎ ዘይክእሉ።
ጂዩዘፐ ቨርዲ እተባህለ ደራሲ ሙዚቃ፡ ነቲ ኦርከስትራ ኣብ ራድዮ ወይ ሸክላ ኪሰምዖ ከሎ፡ ኣብ ገለ ነኣሽቱ ሰብ ዘየስተብህለሉ ናይ ቫዮሊን ወይ ፒያኖ ህርመት ጌጋ ከም ዘለዎ ኪፈልጥ ይኽእል ነይሩ ይብሃል። ከምዚኣቶም ዝመሰሉ ሰባት እቲ ሙዚቃዊ ምስትውዓሎም ኣዚዩ ልዑል እዩ ኪብሃል ይከኣል።
ማሕበራዊ ምስትውዓል (social intelligence)
ገለ ሰባት ኣለዉ፡ ኪዛረቡኻ ከለዉ ወይ ከዕልሉኻ ከለዉ የሰልችዉኻ ከም ዘለዉ ዘይርድኦም። ወላ ዓይንኻ ክሳዕ ዚቐይሕ እንተ ኣምባሃቝካ፡ ወላ ሰዓትካ ደጋጊምካ እንተ ርኢኻ፡ ነቲ ዕላል ጸሊእካዮ ከም ዘሎኻ ኣይስቈሮምን።
ከምኡውን ኣብ እንዳ ሓዘን ከይዶም ዚዛረቡዎ ዘረባ፡ ኣብ እንዳ መርዓ ከይዶም ዘርእዩዎ ባህርያት፡ ዘነውር እውን እንተ ኾነ፡ ምንም ኣይስቈሮምን።
ብተወሳኺ፡ ንዝኾነ ሓበሬታ ይኹን ወይ ናእዳ ወይ ተግሳጽ ወይ ምዕዶ፡ ኣብ ዘይግዜኡን ኣብ ዘይሰዓቱን ኣብ ዘይቦታኡን ንመን ወይ ስለምንታይ ከይበሉ፡ ነዚ ኩሉ ኣብ ግምት ከየእተዉ ጸላእቲ ኪፈጥሩ ዚውዕሉ ሰባት ኣለዉ።
እዚኣቶም ኩላቶም ናይ ማሕበራዊ ምስትውዓሎም ደረጃ ኣዚዩ ትሑት ስለ ዝኾነ፡ ኣብ ማሕበራዊ ናብራ ዳርጋ ከም እሾኽ እዮም ኪብሃሉ ይኽእሉ።

ብኣንጻሩ ድማ፡ ገለ ሰባት ኣለዉ ኩሉ ሰብ ዚደልዮምን ምሕዝነቶም ዝናፍቕን፡ ኣብ ግዜ ጸገማት’ውን ኪመርሑን ኪመኽሩን ዚደልዮም። እዚኣቶም ምስ ሰብ ዘለዎም ርክብ ኣብ ልቦናን ውርዝይናን እተመርኮሰ ብምዃኑ፡ እቲ ማሕበራዊ ምስትውዓሎም ኣዚዩ ላዕሊ እዩ ኪብሃል ይከኣል።

ልሳናዊ ወይ ቋንቋዊ ምስትውዓል (linguistic intelligence)
ወድሰብ ጌና ህጻን ከሎ እቲ ቋንቋዊ ምስትውዓሉ ኣዚዩ ልዑል እዩ። እናዓበየ ምስ ከደ ግን፡ እቲ ቋንቋዊ ምስትውዓሉ እናጎደለ ይኸይድ እሞ፡ ደሓር ምንም ሓድሽ ቋንቋ ኪለምድ ኣብ ዘይክእለሉ ደረጃ ይበጽሕ። ግን ከኣ ገለ ሰባት ኣለዉ ምስ ዓበዩ’ውን እቲ ናይ ቋንቋ ምስትውዓሎም ፈጺሙ ዘይጎድል። ንዝኾነ ሓድሽ ቋንቋ ቆብ ዘብሉዎ፡ ቅሩብ ምስ ሰምዑዎ ድማ ኪመልኩዎ ዚጅምሩ። ብተወሳኺ፡ ክሳዕ 10 ቋንቋታት ቆብ ኣቢሎም ከም ናቶም ገይሮም ዚዛረቡ ሰባት ኣለዉ። ገለ ድማ ነታ ናይ ኣቦኦም ቋንቋ እኳ ብስርዓት ኪመልኩዋ ዘይክእሉ ኣለዉ።
ኣብ ሓደ ጓና ሃገር ምሉእ ህይወቶም ተቐሚጦም ብዛዕባ ናይቲ ሃገር ቋንቋ እንዶ ዘይብሎም ሰባት ኣለዉ። ከምቲ ከም ዋዛ ዚዝንቶ ናይ ሓደ ቱርካዊ ተመክሮ እዩ። ንሱ ንዓዲ እንግሊዝ ምስ ከደ፡ ቋንቋ እንግሊዝ ፈጺሙ ኣብዩዎ። ይኹንምበር ሃብታም ስለ ዝነበረ ንሓደ እንግሊዛዊ ገዝኡ እናመጸ ብልዑል ገንዘባዊ ክፍሊት እንግሊዝ ኪምህሮ ይውዝዖ። ድሕሪ ሓደ ዓመት፡ እቲ እንግሊዛዊ እዩ ቋንቋ ቱርኪ ክኢሉ ናብ ቤቱ እተመልሰ። እቲ ሃብታም ቱርከታይ ግን ምንም ለውጢ ከየርኣየ ህይወቱ ቀጺሉ ይብሃል።
መለኮታዊ ምስትውዓል (spiritual intelligence)
እዚ ምስትውዓል`ዚ ንመስረትትን ኣሓደስትን ሃይማኖታትን፡ ንመንፈሳውያን መምህራንን፡ መንፈሳውያን ተፈላሰፍትን ይምልከት። ከም ኣብነት ድማ ቡዳ፡ ዞሮኣስተር ወዘተ ክንጠቅስ ንኽእል። ከምኡውን ከም ሩሚ፡ ሃፊዝን ኣታርን እተባህሉ እስላማውያን መንፈሳውያን ተፈላሰፍትን፣ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ናይ ኣሲሲን ሳንታ ተረዛ ናይ ኣቪላን ወዘተ እተባህሉ ክርስታናውያን መንፈሳውያን ተፈላሰፍትን ኪጥቀሱ ይኽእሉ። እዚኣቶም ዓቢ መለኮታዊ ምስትውዓል ኣርእዮም እዮም።
ከምዚኣቶም ዝበሉ ሰባት ኣብቲ ኣዚዩ ዝለዓለ ደረጃ ውኖ (level of consciousness) ስለ ዚርከቡ፡ ምስ ጠንቆልትን ደብተራታትን ተራእዩኒ ዚብሉን ሓስውቲ ሰበኽትን ኣይስርዑን እዮም። ዝበዝሑ መለኮታዊ ምስትውዓሎም ክብ ዝበለ ሰባት፡ ዘረባ ኣየብዝሑን እዮም፡ ቃላቶም ድማ ኣብቲ ተግባራቶም ኢዩ ዘንጸባርቕ። ንሃብትን ዝናን ይንዕቁዎ። ፍቕሮም ድማ ምስ ፈጣሪኦም ጥራይ እዩ።
ብኣንጻሩ ግን፡ ከሕውየካ እየ፡ ከምዚ ክገብረልካ እየ፡ እመነኒ፡ ሰዓበኒ፡ ዕሽር ሃበኒ እናበሉ ሰብ ከታልሉ ዚውዕሉን ብገንዘብ ኣመንቲ ነፈርትን ኣደራሻትን ዚውንኑ ሰበኽቲ፡ ኣብቲ ዝተሓተ መለኮታዊ ምስትውዓል ከም ዘለዉ ክንፈልጥን ክንግዘብን ይግባእ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com