Sunday , May 19 2024

ዜና

ደቂ ኣንስትዮ ዝያዳ ደቂ ተባዕትዮ ንጎረባብተን ይፈርሃ

ሓንቲ ካብ ሓሙሽተ ደቂ ኣንስትዮ ንጎረባብታ ከምትፈርህ ሄም ኦክ ሂራ (Hem och Hyra) ዝበሃል ጋዜጣ ኣብ ጽሑፉ ኣስፊሩ። ጋዜጣ ሄም ኦክ ሂራ ምስ ኮለጅ ርእይቶታት Skop ብምትሕብባር ኣብ ልዕሊ 1000 ተኻረይቲ  ዳህሳስ ኣካይዱ። 18% ካብተን ደቂ ኣንስትዮን 11% ካብቶም ደቂ ተባዕትዮን ፍርሂ ናይ ጎረባብቶም ከምዘለዎም እቲ ውጽኢት ናይቲ ዳህሳስ ሓቢሩ። ፍርሂ፡ ቀንዲ ጠንቂ ናይ ግጭት እዩ ክትብል ከም ሞንገኛ ናይ …

Read More »

ክልተ ኮተቴ ኣብ ልዕሊ ጓል 12 ዓመት ቆልዓ ብዝፈጸምዎ ሓባራዊ ጾታዊ ዓመጽ ተፈሪዶም

ክልተ ደቂ 16 ዓመት ኮተቴ፡ ዝሓለፈ ክረምቲ ኣብ ደቡብ ስኮና ኣብ ልዕሊ ጓል 12 ዓመት ብዝፈጸምዎ ሓባራዊ ጾታዊ ዓመጽ፡ ተኸሲሶም ኣብ ማእከል ተሃድሶ ንኽኣትዉ ቤት ፍርዲ ምውሳኑ ሬድዮ ሽወደን ኣፍሊጡ። ኣብቲ ፍጻሜ ክልተ ኮተቴ ውን ተሳቲፎም ምንባሮም ኣኽባሪ ሕጊ ጠቒሱ። እንተኾነ ትሕቲ 15 ዓመት ስለዝኾኑ ብመሰረት ሕጊ ሽወደን ክኽሰሱ ከምዘይከኣሉ ሓቢሩ። እቶም ገበነኛታት ነታ ቆልዓ ብመንገዲ ማሕበራዊ መራኸቢታት ተላልዮም ብኣካል …

Read More »

ዛላታን ኢቭራሂሞቪች ንጉስ ሳንሲሮ

ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ምስ ክለባት ኢንተር ሚላንን ኤሲ ሚላንን ብምጽዋት ልዑል ክእለቱ ዘመሰከረ ዛላታን ኢቭራሂሞቪች ናይ መጀመርያ ተጻዋታይ ምስ ክልቴን ጋንታታት 50 ሸቶታት ኣብ ሰሪ ኣ ሜዳ ሳንሲሮ ብምምዝጋቡ ንጉስ ሳንሲሮ ዝብል ስም ይወሃቦ። ንሱ ነዚ ክብሪ ክበጽሖ ዝኸኣለ ትማሊ ክለቡ ኤስሚላን ምስ ክለብ ሳምፒደርያ ኣብ ዝነበራ ጸወታ ክልለ ሸቶታት ብስሙ ከምእውን ሓንቲ ቀረብ ብምግባር ክለብ ኤስ ሚላን 4 ብ …

Read More »

ዜና ሽወደን ብትግርኛ ሰሉስ 29 Juli 2020

Read More »

ምምራዝ ህጻናት እናዛየደ ምምጽኡ ተፈሊጡ

ብርክት ዝበሉ ቈልዑ ናይ ኢድ ሳኒታርይዘር ብምስታዮም ይምረዙ ምህላዎምን እዚ ቁጽሪ ካብ ወርሒ ለካቲት ክውስኽ ከም እተራእየን ማእከል ሓበሬታ ምምራዝ ሽወደን (Giftinformationscentralen) ሓቢሩ። ንእሽቶ ቈልዓ ናይ ኢድ ሳኒታይዘር እንድሕር ሰትዩ ብርቱዕ ሕማም ሽኮር ክሕዞ ከምዝኽእልን ብምጥቃስ ተቐላጢፉ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ክረክብ ይግባእ ክትብል ኣብቲ ማእከል እትሰርሕ ዶክተር ዮሃና ኖርድማርክ ጠቒሳ ክብል SVT ሓቢሩ። ካብ ለካቲት ክሳብ ሰነ ኣብ ዝነበረ ኣዋርሕ እቲ …

Read More »

ዜና ሽወደን ብትግርኛ 29 Juli 2020

Alkompis Tigrinjaገለ ካብ ናይ ሎሚ ትሕዝቶ ዜና ተኸታተሉ።

Read More »

ኣብ እዋን ቅልውላው ኮሮና፡ ሽወደናውያን፡ ዝያዳ ሃለኽቲ ኣቕሑ ምሽማቶም ተፈሊጡ

ኣብ እዋን ቅልውላው ኮሮና፡ ሽወደናውያን ካብ ዝሓለፈ እዋናት ብዝለዓለ ደረጃ ሸመተ ምክያዶም ኣሃዛዊ ጸብጻባት ቤት ጽሕፈት ቆጸራ ሽወደን ገሊጹ። ኣብ ወርሒ ሰኔ፡ መጠን ብዝሒ ናይቶም ብንጽል ዝሽየጡ ሃለኽቲ ምስ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ክወዳደር እንከሎ ብ 3.5% ከምዝወሰኸ ኣሃዛዊ ጸብጻባት ገሊጾም ክብል ሬድዮ ሽወደን ሓቢሩ። መሸጣ ናይ ኤሌክትሮኒካዊ ናይ ገዛ ኣቕሑ፡ ናይ መዘናግዒ ፍርያታትን ናይ ገዛ መመልክዒታትን ምስ ናይ ዝሓላፈ ዓመት …

Read More »

ቲግኒል፡ ኣብ ዝቕጽል ሰሙን፡ ነበርቲ ስቶክሆልም፡ ናብ ኖርወይን ዴኒማርክን ክገሹ ክፍቀደሎም ተኽእሎታት ኣሎ

ኣብ ዝቕጽል ሰሙን፡ ነበርቲ ስቶክሆልም፡ ናብ ኖርወይን ዴኒማርክን ክገሹ ክፍቀደሎም ተኽእሎታት ክህሉ ከምዝኽእል ኣማኻሪ ሽወደን ኣብ ጉዳያት ተመሓላለፍቲ ሕማማት፡ ኣንዲሽ ቲግኒል፡ ገሊጹ ክብል SVT ሓቢሩ። ኣብ ሽወደን፡ ቁጽሪ ናይቶም ብኮሮና ዝልከፉ ሰባት፡ ብርኡይ ይጎድል ምህላዉ ተፈሊጡ።  ኖርወይን ዴኒማርክን ከም ናይ መገሻ ቅድመ ኩነት ዘቕርበኦ፡ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ሳምንታት፡ ካብ ነፍሲ ወከፍ 100 ሽሕ ሰባት፡ ካብ 20 ሰባት ዝወሓዱ መጠነ መልከፍቲ …

Read More »

ትካል ውሕስነት (Försäkringskassan)፡ ሓንቲ ሰበይቲ ንዝተጠቀመቶ 20 ሚልዮን ክሮነር ንኽትመልስ ይግድዳ

ኣብ እስክሊስቱና እትነብር ጓል 40 ዓመት ሰበይቲ፡ ንውልቃዊ ሓገዝ ዝህቡ ትካላት ተባሂሉ ን10 ዓመታት ክኽፈለላ ዝጸንሐ፡ ኣስታት 20 ሚልዮን ክሮነር ንኽትመልስ ካብ ፎርሸክሪንስካሳን ጠለብ ከምዝቐረበላን ንኽትመልሶ ክትግደድ ምዃናን SVT ገሊጹ። እዛ ሰበይቲ፡ ንጥዕናዊ ኩነታታ ብዝምልከት ኮነ ኢላ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ብምቕራባን ገንዘብ ንኽትረክብ ድማ ስንክልቲ ምዃና ብምሕባራ ጸብጻባት መርመራ ፎርሸክሪንስካሳን ሓቢሩ። እታ ሰበይቲ፡ ዝኾነ ዓይነት ስንክልና ከምዘይብላ እቲ ብፎርሸክሪንስካሳን ዝተኻየደ …

Read More »

ኣብ ደቡብ ስቶክሆልም ዝርከብ ህንጻ፡ ነትጒ ኣጋጢሙ

ትማሊ ምሸት ኣብ ከባቢ ሰዓት 5 ድ.ቐ. ኣብ ስኮግሁስ ሆዲንጌ፡ ደቡብ ስቶክሆልም፡ ዝርከብ ህንጻ ሓደጋ ነትጒ ኣጋጢሙ። ድምጺ ነትጒ ከምዝሰምዑን ካብ መሳኹቲ ናይ ሓደ ህንጻ ዒግ ዝብል ትኪ ይዕዘቡ ከምዘለዉን ዝሕብር ጥርዓናት ካብ ብዙሓት ሰባት ናብ ፖሊስ ከምዝተደወለ TT ሓቢሩ። ፖሊስ ምስ ኣገልግሎት መጥፋእቲ ሓዊ ኣብቲ ቦታ ከምተረኽቡን ንጠንቂ እቲ ፍጻሜ ንምፍላጥ  መርመራታት ከምዝጀመሩን ወሃቢት ቃል ፖሊስ ስቶክሆልም፡ ኣና ዌስትቤሪ፡ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com