Saturday , April 27 2024

ኣብ ደቡብ ስቶክሆልም ዝርከብ ህንጻ፡ ነትጒ ኣጋጢሙ

ትማሊ ምሸት ኣብ ከባቢ ሰዓት 5 ድ.ቐ. ኣብ ስኮግሁስ ሆዲንጌ፡ ደቡብ ስቶክሆልም፡ ዝርከብ ህንጻ ሓደጋ ነትጒ ኣጋጢሙ። ድምጺ ነትጒ ከምዝሰምዑን ካብ መሳኹቲ ናይ ሓደ ህንጻ ዒግ ዝብል ትኪ ይዕዘቡ ከምዘለዉን ዝሕብር ጥርዓናት ካብ ብዙሓት ሰባት ናብ ፖሊስ ከምዝተደወለ TT ሓቢሩ።

ፖሊስ ምስ ኣገልግሎት መጥፋእቲ ሓዊ ኣብቲ ቦታ ከምተረኽቡን ንጠንቂ እቲ ፍጻሜ ንምፍላጥ  መርመራታት ከምዝጀመሩን ወሃቢት ቃል ፖሊስ ስቶክሆልም፡ ኣና ዌስትቤሪ፡ ገሊጻ።

ክሳብ ሕጂ፡ ብዛዕባ ኣብ ልዕሊ ሰብ ዝወረደ መጉዳእቲ ዝምልከት ዝተረኽበ ሓበሬታ የለን።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com