Tuesday , May 7 2024

ዜና

ሰለስተ ሰባት፡ ብሓደጋ መኪና ሞይቶም

ትማሊ ሓሙስ ሰዓት 7፡20 ናይ ምሸት ፡ ካብ ስቬዳላ (Svedala) ወጻኢ፡ ኣብ ዝርከብ መንገዲ ቁጽሪ 832፡ ሂወት ሰለስተ ሰባት ዝቐዘፈ ሓደጋ መኪና ከምዘጋጠመ ጋዜጣ ኣፍቶንብላደት ሓቢሩ። እታ ሰለስተ ሰባት ጽዒና ትጓዓዝ ዝነበረት መኪና፡ ካብ ቁጽጽር ወጺኣ፡ ምስቲ ኣብ ጎኒ ጽርግያ ዝነበረ ኣግራብ ከምተጋጨወት፡ ኣባላት ህጹጽ ረድኤት ሓቢሮም። ምኽንያት ናይቲ ሓደጋ፡ ንጹር ከምዘይኮነ፡ ሓላፊ ኣሃዱ ህጹጺ ረዲኤት፡ ሃምቦስ ኣሮንሶን፡ ሓቢሩ። ኣብታ …

Read More »

ዘይሕጋውያን ስደተኛታት፡ ናብ መሬት ኤውሮፓ ንኸይኣትዉ፡ ዝኽልክል ውሳኔታት ክመሓላለፉ ትጽቢት ይግበር

ኮሚሽን ኤውሮፓዊ ሕብረት፡ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ናብ መሬት ኤውሮፓ ንኸይኣትዉ፡ ምስ ጎረባብቲ ኤውሮፓዊ ሕብረት ዝኾና ሃገራት ምትሕግጋዙ ከስፍሕን፡ ሓለዋ ዶባት ኤውሮፓ ከዕዝዝን ወሲኑ ከምዘሎ ሓቢሩ። ንዝርዝር ናይቲ ውሳኔ ኣመልኪታ፡ ኮሚሽነር ኮሚሽን ኤውሮፓዊ ሕብረት፡ ሽወደናዊት ኢልቫ ዮሃንሶን፡ ኣብ ዝቕጽል ረቡዕ ክትሕብር ምዃና ኣፍሊጣ። ኤውሮፓዊ ሕብረት፡ ካብ ዶባት ኤውሮፓዊ ሕብረት ወጻኢ ኣብ ዝኾነ ቦታታት (ሃገራት)፡ ናይ ስደተኛታት መዓስከራት ብምቛም ጉዳያቶም ርእዩ መሰል ስደተኛ …

Read More »

መሲን ክርስተያኖን ዘየካተተ ሕጸ ውድድር ንቡሉጻት ቻምፕዮንስ ሊግ 2019/20

ውድድር ቻምፕዮንስ ሊግ 2019/20 ክለባት ጁቨንትስን ባርሰሎና ካብ ትጽቢት ውጻኢ ብ ኣጉኡ ካብዚ ውድድር ብምእላየን ኣብ ሕቁፈን ዘልዉ ብሉጻት ተጻወቲ ብፍላይ ድማ መሲን ክርስትያኖ ሮናልዶ እዚ ዝለመድ ተወሓደ ኣብ ብሉጻት 11 ምእታው እንሆ ሎሚ ተሓሪምዋም ኣብ ክንድኦም ተሓቢኦም ዝነብሩን እዚ ዕድል ዝሳኣኑ ቡሉጻት ተጻወቲ ነዚ ዕድል በቒዕም። በዚ መስረት ናይ ሎም ዓመት ሕጹያት ቻምፕዮንስ ሊግ ኣብ መስመር ምጥቃዕ ን ሎዋንዶሎስኪን፣ …

Read More »

ኣብ መንጎ ሰልፍታት፡ ሞደራታ ሳምሊንስፓርቲየትን ስቬርያ ዲሞክራትናን፡ ዓቢ ውድዳር ይካየድ ኣሎ ተባሂሉ

ካልኣይ ዝዓበየ ሰልፊ ሽወደን ንምዃን፡ ኣብ መንጎ ሰልፍታት፡ ሞደራታ ሳምሊንስፓርቲየትን ስቬርያ ዲሞክራትናን፡ ዓቢ ምውድዳር ይረአ ምህላዉ SVT ሓቢሩ። ብመሰረት ዳህሳስ ኩባንያ ኖቮስ፡ ሰልፊ ስቬርያ ሶሻልደሞክራቲስካ ኣርበታርፓርቲ ( S ) ብ27% ኣብ ቅድሚት ክስራዕ እንከሎ፡ ሞደራታ ሳምሊንስፓርቲየትን ( M ) ብ21.2%፡ ስቬርያ ዲሞክራትና ( SD ) ብ19.6%፡ ሰንተርፓርቲየት ( C )  ብ7.8%፡ ክሪስዲሞክራተርና ( KD ) ብ5.7%፡ ሚልዮፓርቲየት ( MP ) …

Read More »

ሽወደናዊት መንእሰይ፡ ስራሕ ኣብ ምርካብ ንዝሕግዛ ሰብ፡ 25 ሽሕ ክሮን ክትህብ ምዃና ትሕብር

ኣብ ከተማ ዮቶቦሪ እትነብር፡ ሲሪ ኮክ፡ ዝተባህለት ኣብ 20ታት እትርከብ መንእሰይ ተማሃሪት 3 ዓመት ዩኒቨርስቲ እያ። 100 ዝኸውን ናይ ስራሕ ጠለባት ኣቕሪባ፡ ስራሕ ክትረክብ ግን ኣይከኣለትን። ስራሕ ንምርካብ ዝገበረቶ ጻዕሪ ክሰልጣ ስለዘይከኣለ፡ ስራሕ ንኽትረክብ ንዝሕግዛ ሰብ እንተረኺባ፡ 25 ሽሕ ክሮን ክትህብ ምዃና፡ ኣብ መላእ ከተማ ዮቶቦሪ፡ ፖስተራት ብምልጣፍ ሓቢራ ኣላ ክብል ሬድዮ ሽወደን ኣቃሊሑ። ስለምንታይ ክንዲዚ መጠን ወጻኢ ትገብር ከምዘላ …

Read More »

97% ካብ ህጻናት ሽወደን፡ ሓያል ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ዘጥረዩ እዮም

መደባት ክታበት ቆልዑ ኣብ ሽወደን፡ ብስሩዕ ኣገባብን ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ምህላዉን ካብ በዓል መዚ ህዝባዊ ጥዕና ሽወደንን ኤጀንሲ ሕክምናዊ ፍርያትን ዝቐረቡ ጸብጻባት ሓቢሮም። እቲ ካብ ዓመተ 2014 ጀሚሩ ዓመታዊ ዝቐርብ ጸብጻብ ከምዝሕብሮ፡ ኣስታት 97% ካብቶም ልዕሊ ክልተ ዓመታት ዝኾኑ ቆልዑ ሽወደን፡ ኣንጻር ሓደገኛ ሕማማት፡ ሓያል ዝኾነ ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ኣጥርዮም። ኣብ መወዳእታ ናይ ዓመተ 2019፡ ኣስታት 86% ካብተን 13 ዓመት …

Read More »

ቲያጎ ኣልካንታራ ናብ ሊቨርፑል ተሰጋጊሩ

ዕባይ ላምስያን ድሒሩ ካብ ክለብ ባርሶልና ናብ ዓባይ ክለብ ባየር ሙኒክ ብምስግጋር ዋንጫ ቻምፒዮን ሊግ ወሲካ ብርክት ዝብለኡ ዋናጩ ዝዓተረን ኣብ መስመር ምክፍፋል ቡሉጽ ሙኻኑ ዝንገረሉ ኣልካንታራ ብ 20 ሚልዮን ፓውንድ ናብ ኢንግሊዛዊት ክለብ ሊቨርፑል ን ማንቸስተር ዩናይትድ ብምስዓር ኣብ ሑቑፋ የእትያቶ። ድሮ ምስ ክልብ ሊቨርፑል ቑጽሪ 6 ማልያ ዝተዋህበቶ ኣልካንታራ ካብ ናይ ቀድም ክለቡ ባርሶልና ሓዊስካ ብርኽት ዝበለ ሕቶ …

Read More »

ኣብ ኦሽታ፡ ሓደ ሰብ ሞይቱ ተረኺቡ

ሎሚ ሰዓት 1 ወጋሕታ፡ ኣብ ኦሽታ (Årsta) ስቶክሆሎም፡ ኣብ ዝርከብ ቢንቶ፡ ሓደ ብደም ጠልቅዩ ዝወደቐ ሰብ ዝርኣየ ሓላፊ መንገዲ፡ ናብ ፖሊስ ከምዝደወለን ፖሊስ ድማ ተቐላጢፎም ናብቲ ቦት ከምዝበጽሑ መርበብ SVT ሓቢሩ። ፖሊስ፡ ናብቲ ቦታ ኣብ ዝበጻሕሉ እዋን፡ እቲ ብደም ዝጠልቀየ ሰብ ሞይቱ ከምዝረኸቦ ሓቢሩ። ኣብ ኣካላት ናይቲ መዋቲ ብዙሕ መጉዳእቲ ብምርካቡ፡ ፖሊስ፡ ቅትለት ክኸውን ከምዝኽእል ጥርጣረታቱ ገሊጹ። ኣብ ከባቢ ሰዓት …

Read More »

ምስጢራዊ ጸብጻብ ፖሊስ፡ 4 ፖለቲካኛታት፡ ምስ ስድራቤታዊ ገበነኛ መርበባት፡ ርክብ ከምዘለዎም ገሊጹ

ምስጢራዊ ጸብጻባት ፖሊስ ከምዝሕብሮ፡ 4 ኣብ ላዕለዋይ ጽፍሒ ዝሰርሑ ፖለቲከኛታት፡ ምስተን ብስድራ ቤታት ዝምራሓ ገበናውያን መርበባት ርክብ ከምዘለዎም ተፈሊጡ። እዞም ኣርባዕተ ፖለቲከኛታት፡ ኣባላት ፖርላማ ሽወደን ኮይኖም፡ ክልተ ወከልቲ ሰልፊ ሞደራትና ዝነበሩ፡ ሓደ ወኪል ሰልፊ ሶሻል ዲሞክራትና ዝነበረን ሓደ ድማ ኣብዚ ሕጂ እዋን ወኪል ሰልፊ ክርስትያን ዲሞክራትስ ዝኾነ፡ ሮበርት ሃሊቭ፡ እዮም። እዞም ፖለቲከኛታት ኣብ ዝወስድዎ ውሳኔታት፡ ረብሓ ናይዘን መርበባት እናሓለዉ ከምዝኸዱ፡ …

Read More »

ፖሊስ ማልመ፡ 40 ሰባት ካብ ኣባልነት ናይ ገበናዊ ጉጅለታት ንኽእለዩ ድልየት ከምዘለዎም ይገልጹ

40 ዝኾኑ ኣባላት ገበናዊ ጉጅለታት፡ ካብተን ጉጅለታት ክእለዩ ድልየት ከምዘለዎም ምግላጾም፡ ፖሊስ ማልመ፡ ሓቢሩ ክብል መርበብ ሓበሬታ TT ኣቃሊሑ። ካብ 2018 ጀሚሩ፡ ቤት ምኽሪ ከተማ ማልመ፡ መንእሰያት ካብ ገበናውያን ጉጅለታት ንኽናገፉ፡ ብስም “ቶኽሲ ደው ኣብሉ” ዝፍለጥ፡ ጎስጓስ ከካይድ ምጽንሑ ይዝከር። እቲ ናይ ጎስጓስ መስርሕ፡ ናብ 132 ኣብ ገበናዊ ጉጅለታት ከም ዝነጥፉ ዝንገረሎም ሰባት ከምዝበጸሐን፡ እቶም 40 ካብተን ጉጅለታት ክእለዩ ከምዝደልዩ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com