Monday , May 13 2024

ኣብ ኦሽታ፡ ሓደ ሰብ ሞይቱ ተረኺቡ

ሎሚ ሰዓት 1 ወጋሕታ፡ ኣብ ኦሽታ (Årsta) ስቶክሆሎም፡ ኣብ ዝርከብ ቢንቶ፡ ሓደ ብደም ጠልቅዩ ዝወደቐ ሰብ ዝርኣየ ሓላፊ መንገዲ፡ ናብ ፖሊስ ከምዝደወለን ፖሊስ ድማ ተቐላጢፎም ናብቲ ቦት ከምዝበጽሑ መርበብ SVT ሓቢሩ።

ፖሊስ፡ ናብቲ ቦታ ኣብ ዝበጻሕሉ እዋን፡ እቲ ብደም ዝጠልቀየ ሰብ ሞይቱ ከምዝረኸቦ ሓቢሩ። ኣብ ኣካላት ናይቲ መዋቲ ብዙሕ መጉዳእቲ ብምርካቡ፡ ፖሊስ፡ ቅትለት ክኸውን ከምዝኽእል ጥርጣረታቱ ገሊጹ።

ኣብ ከባቢ ሰዓት 5 ወጋሕታ፡ ፖሊስ፡ ንከባቢ ቢንቶ ብምሕጻር፡ ቴክኒካዊ ሓበሬታታት ኣኪቡን ነቶም ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ ሰባት ውን ኣዘራሪቡ። ክሳብ ናይ ንግሆ ዝነበረ ግዜ፡ መንነት ናይቲ መዋቲ ክፍለጥ ኣይተኻእለን።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com