Sunday , May 19 2024

ዜና

ኣባል ፓርላማ ሽወደን ዝኾነ ፖለቲከኛ፡ መምርሒ ፍቓድ መኪና ተመንጢሉ

ኣብ ፓርላማ ሽወደን፡ ወኪል ዓቃባዊ ሰልፊ ዝኾነ፡ ኤድዋርድ ሪድል ዝተባህለ ፖለቲከኛ ብሰንኪ ልዕል ፍጥነት፡ መምርሒ ፍቓድ መኪንኡ ከምተመንጠለ መደበር ተሌቪዥን ሽወደን ሓቢሩ። ኤድዋርድ፡ ኣብቲ ክሳብ 110 ኪሎ ሜትር ኣብ ሰዓት ክኽየዶ ዝግባእ መንገዲ፡ ብ147 ኪሎ ሜትር ኣብ ሰዓት ክሕንበብ እንከሎ፡ ፖሊስ ትራፊክ፡ ደው ከምዘበሎን፡ ብሰንኪ ዝፈጸሞ ጥሕሰት ሕጊ ድማ መምርሒ ፍቓዱ ከምዝተመንጠለን ይዛረብ። ንሱ፡ ዝገበሮ በደል ምኽኑይ ከምዘይኮነን፡ ብሓጺሩ ድማ …

Read More »

ሓንቲ ሩስያዊት ናይ ውግእ መርከብ ምስ ሓንቲ ናይ ጽዕነት መርከብ ተጋጭያ

ኣብ ከባቢ ድልድል ኦሪሰንድ፡ ብሸነኽ ማያት ደኒማርክ፡ ሓንቲ ሩስያዊት ናይ ውግእ መርከብ ምስ ሓንቲ ናይ ጽዕነት መርከብ ከም ተጋጨወት ኣፍቶንብላደት ሓቢሩ። እቲ ፍጻሜ ኣብ ማያት ደኒማርክ ብምግጣሙ፡ እታ ሃገር፡ ንመስርሕ ሂወት ምድሓን መሪሓ ትሰርሕ ምህላዋ ተፈሊጡ። ሽወደናዊ መደበር መድሕን ብባሕርን ብኣየርን፡ ሓገዝ ንምሃብ፡ ሰለስተ ኣሃዱታት ምክትታል ገማግም ባሕርን ሓንቲ ሄሊኮፕተርን ልኢኹ ኣሎ። ኣብቲ ቦታ፡ ሓገዝ ንምሃብ ኢና ተረኺብና ዘለና።  ብዛዕባ …

Read More »

ኣብ ልዕሊ ጓል 12 ዓመት ቆልዓ፡ ጾታዊ ዓመጽ ተፈጺሙ

ትማሊ፡ ሰዓት 8፡45 ምሸት፡ ኣብ ደቡባዊ ሸነኽ ስቶክሆሎም ዝርከብ፡  ሮግስቬድ (Rågsved) ዝተባህለ ኣከባቢ፡ ዘይተፈልጡ ሰባት፡ ንሓንቲ ጓል 12 ዓመት ቆልዓ፡ ብጭካነ ከም ዝተጋሰሱዋ ጋዜጣ ኣፍቶንብላደት ሓቢሩ። ቤተ ሰብ ናይታ ግዳይ ዝኾነት ቆልዓ፡ ናብ ፖሊስ ደዊሉ ከምዝሓበረን እታ ቆልዓ ድማ ናብ ሆስፒታል ከምተወስደትን ኣብ ርእሳ ሓደገኛ ዘይኮነ ማህረምቲ ከምዘጋጠማን ወሃቢት ቃል ፖሊስ ስቶክሆሎም፡ ካሪና ሻገርሊንድ፡ ኣፍሊጣ። ኣብቲ ናይ ፍጻሜ ኣከባቢ፡ ተክኒካዊ …

Read More »

መስርሕ ውሸባ፡ ስድራቤት ሕሙም፡ ዝትግበረሉ መንገድታት ይጽናዕ ኣሎ ተባሂሉ

ስድራ ቤት ናይቶም ብኮሮና ዝተለኽፉ ሰባት፡ ኣብ ገዝኦም ክውሸቡ ከድለዮም እዩ። ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና ንምግታእ፡ መስርሕ ውሸባ ስድራቤታት ዝካየደሉ መንገድታት ንምንዳይ፡ በዓል መዚ ህዝባዊ ጥዕና ስቶክሆሎም መጽናዕታት የካይድ ኣሎ ክብል ሓላፊ ሓለዋ ጥዕና ስቶክሆሎም፡ ብዮሪን ኤሪክሶን፡ ገሊጹ ክብል SVT ሓቢሩ። ኣማኻሪ ጉዳያት ተማሓላለፍቲ ሕማማት፡ ኣንድሽ ቲግኒል፡ ንምውሳኽ ብዝሒ መልከፍቲ ኮሮና ኣብ ስቶክሆሎም ኣመልኪቱ፡ በዓል መዚ ጥዕና፡ ኣገደስቲ ስጉምታት ንምውሳድ፡ መጽናዕቲ …

Read More »

መጠን ለበዳ ኮሮና ኣብ ሽወደን፡ ይውስኽ ኣሎ ተባሂሉ

ትማሊ ዕለት 22/09/2020፡ ሽወደን፡ 5 ብኮሮና ዝሞቱ ሰባት ኣመዝጊባ። በዚ ድማ፡ ጠቕላላ ድምር ናይቶም ብኮሮና ዝሞቱ ሰባት ናብ 5870 ክብ ክብል እንከሎ፡ ብዝሒ ናይ ዝተለኽፉ ሰባት ድማ ናብ 89436 ምብጽሑ ተፈሊጡ። ኣብ ሽወደን፡ ወላ’ኳ እቲ ቁጽሪ ውሑድ እንተኾነ፡ ብዝሒ መልከፍቲ ኮሮና ይውስኽ ምህላዉ ኣማኻሪ መንግስቲ ሽወደን ኣብ ጉዳይ ተማሓላለፍቲ ሕማማት ዝኾነ ኣንዲሽ ቲግኒል ምስ መርበብ ሓበሬታ TT ኣብ ዘካየዶ ርክብ …

Read More »

ቀረጽ ናይ ኣልኮላዊ መስተን ትምባኾን ክውስኽ ምዃኑ፡ መንግስቲ ሽወደን ኣፍሊጡ

መንግስቲ ሽወደን፡ ንክፍሊት ቀረጽ ናይ ኣልኮላዊ መስተን ትምባኾን ክውስኽ መደብ ከምዘለዎ ሓቢሩ። እቲ ወሰኽ ቀረጽ፡ ንናይ ዓመተ 2023 ዝግበር ዘገምታዊ ምወላ ሚኒስትሪ ምክልኻል፡ ንምሽፋን ዝውዕል ምዃኑ ድማ ኣፍሊጡ። ወስኽ ቀረጽ፡ ንዋጋ ጥርሙዝ ወይኒ፡ ኣብ ዓመተ 2023፡ ብሓደ ክሮን ክውስኾ ማለት እዩ። ገምጋም ወሰኽ ዋጋ ቢራ ድማ 25 ኦውራ ክኸውን እዩ። ንወጻኢታት ሚኒስትሪ ምክልኻል ንምሕጋዝ፡ ቀረጽ ኣልኮላዊ መስተን ትምባኾን፡ ንምውሳኽ ከም …

Read More »

ኣብ ምምሕዳር ስኮና፡ ብሰንኪ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ሳልሞኒላ፡ 5 ሽሕ ሓሰማ ተቐቲሎም

ኣብ ምምሕዳር ስኮና፡ ደቡብ ሽወደን፡ ዝርከባ ሕርሻታት እንስሳ ብሰንኪ ዝተራእየ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ሳልሞኒላ፡ ኣስታት 5 ሽሕ ሓሰማ ክቐትላ ከም ተገደዳ ሬድዮ ሽወደን ሓቢሩ። እተን ሓሰማ ቅድሚ ምሕራደን ብዝተገብረለን መርመራ፡ ብሳልሞኒላ ከምተለኽፋ ክፍለጥ ተኻኢሉ። ምስፍሕፋሕ ለበዳ ሳልሞኒላ፡ ኣብ ልዕል ፍርያት እንስሳ ዘለወን ሕርሻታት ናይቲ ምምሕዳር ተራእዩ ኣሎ። ኣብ ኤውሮፓ ዝርከባ ሓሰማ፡ ብለበዳ ሳልሞኒላ ብቐሊሉ ከምዝልከፋ ዝፍለጥ እኳ እተኾና፡ ብኸመይ ኣገባብ ናብ …

Read More »

ኣብ ኦምዩ፡ ቁጽሪ መልከፍቲ ኮሮና ቫይረስ ወሲኹ ተባሂሉ

ካብ ትማሊ ዓርቢ ጀሚሩ፡ ቁጽሪ ናይቶም ብኮሮና ዝተለኽፉ ሰባት ክውስኽ ከምተራእየን፡ ክሳብ 22 ሰባት፡ ብኮሮና ከምተለኽፉን መብዛሕትኦም ድማ ካብ ኦምዮ ምዃኖም፡ በዓል መዚ ጥዕና ምምሕዳር ቬስተርቡተን ሓቢሩ። ቁጽሪ መልከፍቲ ኮሮና ይውስኽ ከምዘሎ ንዕዘብ ኣለና። እቲ ጉዳይ መልከፍቲ፡ ብውልቅን ብሓንሳብ ዝነብሩ ኣባላት ስድራቤትን ዝምልከት እዩ። ነፍሲ ወከፍ ሰብ ጥንቃቐ ክገብር ከምዘለዎን ብፍላይ ድማ ናብ ቤት ምግብታትን ኣብ ዝኸድሉ እዋናት መምርሒታት ማሕበራዊ …

Read More »

ወዲ 20 ዓመት ተዝኸውን ሎሚ ምሸት 4 ሸቶታት መምዝገብኩ ግን ….. ዛላታን ኢቭራሂሞቭች

ትማሊ ምሸት ፈላሚ ግጥም ሰሪ ኣ ዘካየዳ ክለብ ጣልያን ኤስሚላን ቦሎኛን ኮይነን፣ ኣብ መጀመርያ መን 3 ነጥቢ ሓፊሱ ጹቡቅ ናይ ውድድር ግዜ የሕልፍ  ዝመስል ጸወታ ካብ ምጅማሩ እዩ ብመጥቓዕትታት ተሰንዩ ርሱን ምንቅስቃስ ዝተራእየሉ። እንተኾነ ገዲም ክለብ ኤስሚላን ብ መንገዲ ገዲም ተጻዋታይ ዛላታን ኢቭራሂሞቭች ክልተ ሸቶታት ኣብ መበል 35ን 50 ደቓይቕ  ብምምዝጋብ ክልቡ ካብዚ ጸወታ 3 ነጥቢ ሓፊሳ ክትወጽእ ዝልዓለ ተራ …

Read More »

ኣብ ሓደ ገዛ፡ ልዕሊ 10 ሰባት ከይእከቡ፡ ኦስሎ፡ ተጠንቅቕ

ካብ ሎሚ፡ ዕለት 22/09/2020፡ ሰዓት 12 ፍርቂ መዓልቲ  ጀሚሩ፡ ኣብ ሓደ ገዛ፡ ልዕሊ 10 ሰባት ክይእከቡ፡ በዓል መዚ ኖርወይ ከምዝኸልከሉ ሓቢሮም። እዚ መምርሒ፡ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና ንምግታእ ተባሂሉ ንኽልተ ሰሙን ዝቕጽል ምዃኑ ተሓቢሩ ክብል SVT ኣቃሊሑ። ኣብ ህዝባዊ መጓዓዝያታት ድማ ማስክ ምኽዳን ግዴታ ምዃኑ እቲ በዓል መዚ ኣመሓላሊፉ። ኣብ ኦስሎ ዝረአ ዘሎ ምስፍሕፋሕ መልከፍቲ ቫይረስ ኮሮና፡ ብጣዕሚ ኣሰካፊ ኮይኑ ስለዘሎ፡ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com