Tuesday , May 7 2024

ዜና

ትምህርቲ ቛንቛ ሽወደን SFI፣ En insändare SFI D ብ መም ሃገር ተክላይ

Read More »

ብጸሊም ንዘስርሑ ወገናት ንምርካብ፡ ፖሊስ፡ ናይ ምፍታሽ ስርሒት ኣካይዱ

ፖሊስ ምስ ካልኦት መንግስታውያን ትካላት ብምትሕብባር፡ ኣብ ልዕሊ 100 ኣብ ስካራቦሪ ዝርከባ ኩባንያታት ኣንጻር ዝካየዱ ናይ ምትላል መስርሕን ዘይሕጋዊ ኣገባብ ኣሰራርሓን ዝዓለመ ተፍቲሽ ከምዘካየደ ሬድዮ ሽወደን ሓቢሩ። ፖሊስ፡ ኣብ ሓንቲ ንእሽቶ ኩባንያ፡ 14 ዝበጽሑ ዘይሕጋውያን ሰራሕተኛታት (ብጸሊም ዝሰርሑ) ከምዝረኸበ፡ እዚ ከምዚ ዓይነት ፍጻሜ፡ ኣቓልቦ ክግበረሉ ዘለዎ ነገር እዩ ክብል ሓላፊ ናይቲ ስርሒት፡ ሞርጋን ቲርኒንግ፡ ሓቢሩ። እዚ ከምዚ ዓይነት ኣሰራርሓ፡ ነተን …

Read More »

ሚኒስተር ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ሽወደን ንተማሃሮ ላዕለዋይ ደረጃ ብትሪ ትነቅፍ

 ሚኒስተር ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ሽወደን፡ ማቲልዳ ኢርንክራንስ፡ ነቲ ኣብ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና ኣበርክቶ ከምዝነበሮ ዝንገረሉ፡ ብተማሃሮ ላዕለዋይ ደረጃ ዝተኻየደ ጽምብል፡ ብትሪ ከምዝነቐፈቶን፡ ዘይሓላፍነታዊ ኢላ ከምዝሰመየቶን መርበብ ሓበሬታ ተተ (TT) ኣቃሊሑ። ኢርንክራንስ፡ ነቶም ኣብ መላእ ሽወደን ዝርከቡ ኣስታት 400 ሽሕ ናይ ላዕለዋይ ደረጃ ተማሃሮ ኣብ ዘመሓላለፈቶ መልእኽቲ፡ ብቑጽሪ ብዙሓት ዝኾኑ ተማሃሮ፡ ዘይሓላፍነታውያን እዮም ድሕሪ ምባላ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ግን፡ ስነ ስርዓት …

Read More »

ምምሕዳር ኡፕሳላ፡ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና ንምቁጽጻር፡ ከባብያዊ ቀይዲ ንምጽናዕ ትብገስ

ሓላፊ ኣሃዱ ጥዕና ምምሕዳር ኡፕሳላ፡ ነቲ ንምቁጽጻር ለበዳ ኮሮና ተባሂሉ ብበዓል መዚ ጥዕና ሽወደን ዝተመሓላለፈ፡ ምጽናዕ ከባብያዊ ቀይድታት፡ ዝብል እማመ ከምዝተቐበሎ፡ ገሊጹ። ኣብ ምምሕዳር ኡፕሳላ ዝረአ ዘሎ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና፡ ኣብ ኣሰካፊ ኩነታት ስለዝርከብ፡ ለበዳ ንምቁጽጻር ዘኽእለና ስልጣን ክንረክብ ይግባእ ክብል ሚካኤል ኮለር ሓቢሩ። ከባብያዊ ቀይዲ ንምጽናዕ ዝወሃብ ስልጣን፡ እዞም ዝስዕቡ ንኽፍጽም ፍቓድ ይወሃቦ ምውጋድ ምጥቃም ህዝባዊ መጓዓዝያታትኣገደስቲ ካብ ዘይኮኑ፡ …

Read More »

መንግስቲ ሽወደን፡ ንውሳኔ ምፍኳስ ቀይድታት ለበዳ ኮሮና፡ ንኻልእ እዋን ኣሰጋጊርዎ ተባሂሉ

ቀይድታት ህዝባዊ ምትእኽኻብ፡ ከፍኩሶ ምዃኑ፡ መንግስቲ ሽወደን፡ ሓቢሩ እኳ እንተነበረ፡ ብሰንኪ ዳግማይ ዝረአ ዘሎ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና፡ እቲ ውሳኔ ንኻልእ እዋን ከምተሰጋገረ፡ ሚኒስተር ማሕበራዊ ጉዳያት ሽወደን፡ ሌና ሃሊንግረን፡ ኣብ ጋዜጣዊ ዋዕላ ገሊጻ ክብል መርበብ ሓበሬታ ተተ (TT) ኣመሓላሊፉ። መንግስቲ ሽወደን፡ ነቲ ኣብ ህዝባዊ ምትእኽኻብ ካብ 50 ሰባት ንላዕሊ ዘየፍቅድ ዝነበረ ቀይዲ፡ ኣብ ዕለት 15/10/2020 ናብ 500 ክብ ከብሎ ምዃኑ መደብ  …

Read More »

ሽወደን ብ ሸቶ ኣለክሳንደር ኢሳቕ ተሓጊዛ ትዕወት

ሃገራዊት ጋንታ ሽወደን ትማሊ ምሸት ካብ ሃገራ ወጻኢ ምስ ሃገራዊት ጋንታ ሩስያ ዝነብራ ናይ ምሕዝነት ጸወታ ብ ዓወት 2ብ 1 ተዓዊታ። ኣብቲ ካብ መፈለምትኡ ኣብ መስመር ምጥቃዕ ን ኣለክሳንደር ኢሳቅ ኣሰልፋ ዝጀመረቶ ግጥም፣ገና ኣብ መበል 21 ደቂቅ ካብ ኣለክሳንደር ዝረኸበታ ሸቶ ተሓጊዛ እያ ንዕረፍቲ መሪሓ ወጺኣ። ኣብዚ ግጥም ብዙሓት ንኣሽቱ ተስፋ ዘለዎምን ተጻወቲ ዝተሰለፉሉ ጸወታ፣ ሸወደን እንተድኣ ዕድል ሂባቶም መጻኢ …

Read More »

ሆስፒታል ኖርታልያ፡ ብሰንኪ ምውሳኽ ለበዳ ኮሮና፡ ናይ ህጹጽ ኩነታት ጻውዒት ኣመሓላሊፉ

ብሰንኪ ቫይረስ ኮሮና፡ ብዙሓት ኣባላት ሆስፒታል ኖርታልያ፡ ናይ ሕማም ዕረፍቲ ብምውሳዶምን ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና ኣብ መንጎ ኣባላትን ሕሙማትን  ብምብዝሑን፡ እቲ ሆስፒታል፡ ናይ ህጹጽ ኩነታት ጻውዒት ኣዊጁ ክብል መርበብ ሓበሬታ ተተ (TT) ሓቢሩ። ናይ ህጹጽ ኩነታት ጻውዒት ማለት፡ እቲ ሆስፒታል፡ ንህጹጽን ኣገዳስን ኩነታት ጥራይ ኣቶኲሩ፡ ንህጹጽ ዘይኮኑ መጥባሕታት ናብ ቀጻሊ ግዜ ከሰጋግሮም እዩ። ተግባራውነቱ ድማ ካብ ጽባሕ ዓርቢ ዝጅምር ምዃኑ’ቲ ሆስፒታል …

Read More »

ኣውሮፓዊ ሕብረት፡ ንእማመታት ኢሚግሬሽን ክዝቲ ጀሚሩ

ሚኒስተራት ውሽጣዊ ጉዳያት ሃገራት ኣውሮፓዊ ሕብረት፡  ነቲ ብሽወደናዊት ኮሚሽነር ዑቕባን ውሽጣዊ ጉዳያትን፡ ኤልቫ ዮሃንሶን ዝቐረበ እማመ ኢሚግሬሽን ንምዝታይ ሎሚ ኣብ ርእሰ ከተማ በልጄም፡ ብራስለስ፡ ከም እተረኽቡ ተፈሊጡ። ዮሃንሶን፡ ብዛዕባ ዘቕረበቶ እማመ ኣመልኪታ፡ ተሳተፍቲ ወገናት ክሰማምዕሉ ተስፋ ከም ዘለዋ ገሊጻ ክብል ኣገልግሎት ዜና TT ሓቢሩ። ዋላ’ኳ ኩለን ሃገራትን ባይቶታትን ሓደ ዓይነት ኣጠማምታ ክህልወን ይኽእል እዩ ዝብል እምነት እንተዘይብለይ፡ ንዘቕርቦ እማመ ክቕበላ …

Read More »

ጸጋማይ ሰልፊ፡ ዓመታዊ ወጻኢታት ሕክምና ስኒ፡ ካብ 2 ሽሕ ክሮን ክሓልፍ ከምዘይግባእ የዘኻኽር

ጸጋማይ ሰልፊ፡ መጸበይ መዓልቲ ሕሙማት ፈጺሙ ክግደፍ ጻውዒት ኣቕሪቡ’ሎ። ኣብ ሕክምና ስኒ ተወሳኺ ሓገዝ ክግበርን ናይ ተሓከምቲ ወጻኢ ሕክምና ዓመታዊ ካብ 2 ሽሕ ክሮን ከይበዝሕን ድማ እማመኡ ኣቕሪቡ ኣሎ። ሕክምና ስኒ ኣብዚ እዋን ክብሪ ዋጋ የርኢ ኣሎ ክብል ኣፈኛ ቁጠባዊ ጉዳያት ኣልበሳር፡ ኡላ ኣንደርሾን፡ ኣብ ዝሃበቶ ጋዜጣዊ ዋዕላ ገሊጻ። እቲ ሰልፊ፡ ናይ ዝመጽእ ዓመት ኣማራጺ ባጀቱ ገምጋም ምግባሩን ድማ ኣመልኪቱ። …

Read More »

ሰልፊ ክርስትያን ዲሞክራትና (KD)፡ ኣብ ሽወደን ዝዋሃብ ትምህርቲ ቋንቋ ኣደ፡ ንኽቛረጽ ይጽውዕ

ሰልፊ ክርስትያን ዲሞክራትና (KD)፡  ኣብ ሽወደን ዝዋሃብ ትምህርቲ ቋንቋ ኣደ፡ ንኽቛረጽ ከም ዝጸውዐ ጸብጻባት ሬድዮ ሽወደን ሓቢሮም። ሰልፊ KD፡ ንጥቕሚ ትምህርቲ ቋንቋ ኣደ ብዝምልከት፡ ብወገን መጽናዕታዊ ጸብጻባት ከምዘይተረጋገጸን ደረጃ ምስትምሃር፡ ብሰንኪ ዝተፈላለዩ ጸገማት ንድሕሪት ይምለስ ከምዘሎ ኣዘኻኺሩ ክብል ሬድዮ ሽወደን ኣመሓላሊፉ። ቤት ጽሕፈት ሽማግለ እቲ ሰልፊ፡ ነቲ እማመ ኣመልኪቱ፡ ጽባሕ ክዝትየሉ ምዃኑ ጸሓፊ’ቲ ሰልፊ፡ ፒተር ኮልግሪን፡ ድሕሪ ምሕባር፡ 40% ካብቶም …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com