Thursday , May 2 2024

ሰልፊ ክርስትያን ዲሞክራትና (KD)፡ ኣብ ሽወደን ዝዋሃብ ትምህርቲ ቋንቋ ኣደ፡ ንኽቛረጽ ይጽውዕ

ሰልፊ ክርስትያን ዲሞክራትና (KD)፡  ኣብ ሽወደን ዝዋሃብ ትምህርቲ ቋንቋ ኣደ፡ ንኽቛረጽ ከም ዝጸውዐ ጸብጻባት ሬድዮ ሽወደን ሓቢሮም።

ሰልፊ KD፡ ንጥቕሚ ትምህርቲ ቋንቋ ኣደ ብዝምልከት፡ ብወገን መጽናዕታዊ ጸብጻባት ከምዘይተረጋገጸን ደረጃ ምስትምሃር፡ ብሰንኪ ዝተፈላለዩ ጸገማት ንድሕሪት ይምለስ ከምዘሎ ኣዘኻኺሩ ክብል ሬድዮ ሽወደን ኣመሓላሊፉ።

ቤት ጽሕፈት ሽማግለ እቲ ሰልፊ፡ ነቲ እማመ ኣመልኪቱ፡ ጽባሕ ክዝትየሉ ምዃኑ ጸሓፊ’ቲ ሰልፊ፡ ፒተር ኮልግሪን፡ ድሕሪ ምሕባር፡ 40% ካብቶም ቋንቋ ኣደ ዝምህሩ መምህራን ብቕዓት የብሎምን፡ ብቕዓት ናይ ርብዒ ብዝሒ ናይተን ቤት ትምህርታት፡ ትሑት ምዃኑ ተቖጻጻሪት ቤት ትምህርታት ሓቢራ።

ኣብ ምሉእ ሽወደን ዝርከቡ፡ 50 ዝኾኑ ወከልቲ ሰልፊ KD፡ ብዛዕባ 72 እማመ ዝሓዘ ናይ ትምህርቲ ኣጀንዳታት ንምዝታይ ኣብ ስቶክሆሎም ክእከቡ ምዃኖም ተፈሊጡ።

ቋንቋ ኣደ ንኽቋረጽ ዝጠልብ እማመ፡ ኣብቲ ዝካየድ ኣኼባ ዓቢ ምስሕሓብ ክፈጥር ምዃኑ ትጽቢት ይግበር።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com