Thursday , May 2 2024

ጸጋማይ ሰልፊ፡ ዓመታዊ ወጻኢታት ሕክምና ስኒ፡ ካብ 2 ሽሕ ክሮን ክሓልፍ ከምዘይግባእ የዘኻኽር

ጸጋማይ ሰልፊ፡ መጸበይ መዓልቲ ሕሙማት ፈጺሙ ክግደፍ ጻውዒት ኣቕሪቡ’ሎ። ኣብ ሕክምና ስኒ ተወሳኺ ሓገዝ ክግበርን ናይ ተሓከምቲ ወጻኢ ሕክምና ዓመታዊ ካብ 2 ሽሕ ክሮን ከይበዝሕን ድማ እማመኡ ኣቕሪቡ ኣሎ።

ሕክምና ስኒ ኣብዚ እዋን ክብሪ ዋጋ የርኢ ኣሎ ክብል ኣፈኛ ቁጠባዊ ጉዳያት ኣልበሳር፡ ኡላ ኣንደርሾን፡ ኣብ ዝሃበቶ ጋዜጣዊ ዋዕላ ገሊጻ። እቲ ሰልፊ፡ ናይ ዝመጽእ ዓመት ኣማራጺ ባጀቱ ገምጋም ምግባሩን ድማ ኣመልኪቱ። ንሱ፡ ነቲ ብመንግስቲ ዝቐረበ፡ ኣብ ክሊ ዕድመ 19-23 ዘለዉ መንእሰያት ዘስርሑ ኣካላት ዝኸፍልዎ ኣበርክቶ ክንኪ፡ ንዝብል እማመ ከም ዝነጸጎ ሓቢሩ። እዚ እማመ፡ ንመንግስቲ ክሳብ 9 ቢልዮን ክሮን ወጻኢ ክሓቶ ከም ዝኽእልን ጸጋማይ ሰልፊ ድማ፡ ኣብ ባይቶ ክቃወሞ ምዃኑን ገሊጹ። ሰልፍታት ስቬርያ ዲሞክራትናን ክሪስ ዲሞክራትናን፡ ነዚ ብመንግስቲ ዝቐረበ እማመ ክቃወምዎ ምዃኖም ኣፍሊጦም ኣለዉ።

ምጽዳቕ ናይቲ እማመ ኣብ ውሳኔ ናይ ዓቃባዊ ሰልፊ ዝምርኰስ እዩ። ነቲ ብመንግስቲ ዝቐረበ እማመ፡ ክቕበልዎ ድዮም ክነጽገዎ ዝፍለጥ ኣይኮነን ክብል ኣንደርሰን ገሊጹ።

ጸጋማይ ሰልፊ፡ ኣብ ወነንቲ ርእሰ-ማልን ሃብታማትን ተወሳኺ ክፍሊት ግብሪ ናይ 33 ቢልዮን ክሮን ዝውስኽ እማመ ኣቕሪቡ። ብጠቕላላ እዚ ሰልፊ ናይ 72 ቢልዮን ክሮና ወሰኽ ቀረጽ ክግበር እዩ ኣማመኡ ኣቕሪቡ ዘሎ።

ልዑል ኣታዊ ዘለዎም ሰባት፡ ዝኸፍልዎ ክፍሊት ግብሪ ክውስኽን በዚ ድማ እቶም ዓመታዊ ካብ 40 ሽሕ ክሮና ንታሕቲ ኣታዊ ዘለዎም ሰባት ቀረጽ ከይጸዓኖም ክንገብር ይግባእና ክብል ኣንደርሰን ይገልጽ። ጸጋማይ ሰልፊ፡ ኣብ 2021 ንክንክን ጥዕናን  ትምህርቲን ዝውዕል ናይ 12 ቢልዮን ክሮና ከምኡውን ንናእሽቱ ምምሕዳራት ከተማን ገጠራትን ዝውዕል ናይ 2 ቢልዮን ክሮን ድጎማ ክግበር ጻውዒት ኣቕሪቡ ኣሎ። ብጠቕላላ ጸጋማይ ሰልፊ፡ ንዝተፈላለዩ ናይ ሓገዝን ድጎማን ፕሮግራማትን ንጥፈታትን ክሳብ 40 ቢልዮን ክሮን ዝግመት ባጀት ከጽድቕ እማመኡ ኣቕሪቡ ከምዘሎ ሓቢሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com