Sunday , May 19 2024

ዜና

ዜና መጽሔት News Magazine 01 ጥቅምቲ 2020

ናይዚ ሰሙን እዚ መደብ ዜና መጽሔት ኣብዞም ዝስዕቡ ጉዳያት የተኩር፣- 1 . ንሓደሽቲ ተጣየስቲ ሓተቲ ዑቕባ ማለት ኣብ ናይ ምጥያስ ፕሮግራም ንዘሎዉ ተባሂሉ ብምምሕዳራት ናይ ዝዋሃብ ግዚያዊ መንበሪ ገዛዉቲ ብዝምልከት። ዘሎዎ ትርጉምን ሕጋዉነቱን ። 2 . ንምዝዋር መኪና ፍቓድ ንምዉጻእ ኣብ ዝግበር ናይ ክልሰ ሓሳብ ፈተና ካብ ሕጊ ወጻኢ ንዝግበሩ ኣገባባት ብዝምልከት ዝቐረ ሓድሽ እማመ ሕጊ ብዝምልከት። መታሓሳሰቢ፣ ኩሉኹም ኣብ …

Read More »

ዜና ሽወደን ብትግርኛ Svenska nyheter på Tigrigna 14 Oktober 2020

ገለ ኣብ ናይ ሎሚ ዜና፣- 1. ቫይረስ ኮሮና ካብ ኣደ ናብ ሕጻን ናይ ምምሕልላፍ ክእለቱ ኣዝዩ ዉሑድ ምዃኑ ሓደ ጸብጻብ ኣረዲኡ። 2. ብቑጠባ ዝደኸማ ዓድታት ክታበት ኣንጻር ቫይረስ ኮሮና ምንቲ ክረኽባ ቢቢልዮናት ዝቑጸር ሓገዝ ካብ ዓለማዊ ባንኪ ተረኺቡ። መታሓሳሰቢ፣ ኩሉኹም ኣብ ዝተፈላለየ ንግድን መዉሃቢ ኣገልግሎት ዝተዋፈርኩም፣ ትካላትኩምን ፍርያትኩምን ንምልላይ ይኹን ሓበሬታ ብመገዲ ኣልኮምፒስ ትግርኛ ናብ ህዝቢ ክዝርጋሓልኩም ይኹን መዋዓዉዒ ሬክላም …

Read More »

ኣብ ማእከል ስቶክሆሎም፡ ሓንቲ መዐሸጊ መኪና (Parking) ንመሸጣ ቀሪባ

ኣብ ሶደርማልም፡ ስቶክሆሎም፡ ዝርከብ መዐሸጊ መኪና ንመሸጣ ብ 1,050,000 ክሮን ከምዝቐረበ ተሓቢሩ። እቲ መዐሸጊ መኪና ኣብ ሓደ ኣብ ሶደርማልም ዝተዶኮነ ጋራጅ ከምዝርከብ ተፈሊጡ። ዋጋ ናይቲ መዐሸጊ መኪና፡ ምስ ኩነታት ዕዳጋ ዝተሓሓዝ እዩ። እንተኾነ፡ ንኸምዚ ዓይነት ዕድጊ፡ ካብ ባንክ ልቓሕ ክትረኽበሉ ኣይከኣልን እዩ ክብል ነቲ ጉዳይ መሸጣ ዝከታተል መንጎኛ ገሊጹ። ቅድሚ ሕጂ፡ ዓሰርት ዝኾና መዐሸጊ መካይን ብሒሳብ 1 ሚልዮን ክሮን ንሓደ …

Read More »

ከተማ ኦፕሳላ፡ መስርሕ ከባብያዊ ቀይዲ ኣይክውሰነላን እዩ

ንጽባሕ ሰኑይ ዕለት 19/10/2020 ኣብ ከተማ ኡፕሳላ፡ ብመንገዲ በዓል መዚ ጥዕና ሽወደን ክውሰን ተመዲቡ ዝነበረ ከባብያዊ ቀይዲታት፡ ከምዘይትግበር ሎሚ ኣብ መንጎ ሓላፊ ምክልኻል ለበዳ፡ ከተማ ኦብሳላ፡ ዮሃን ኖዌድ ን  ኣማኻሪ ሽወደን ኣብ ጉዳያት ተማሓላለፍቲ ሕማማት፡ ኣንድሽ ቲግኒል፡ ድሕሪ ዝተኻየደ ርክብ ከምዝተወሰነ ተሌቪዥን ሽወደን ሓቢሩ። በዓል መዚ ጥዕና ሽወደን፡ ኣብ ልዕሊ ከተማ ኡፕሳላ፡ መስርሕ ከባብያዊ ቀይድታት ምትግባር እዋኑ ዝቐደመ እዩ ከምዝበለ …

Read More »

ኣብ ምብራቓውን ደቡባውን ክፋል ሽወደን፡ ሓያል ህቦብላ ከህሉ ከምዝኽእል መጠንቀቕታታት ተመሓላሊፎም

ሎሚ ረቡዕ፡ ኣብ ምብራቕን ደቡብን ሽወደን፡ ሓያል ህቦብላዊ ንፋስ ክህሉ ከምዝኽእል መጠንቀቕታታት ከምዝተመሓላለፉን ኣብ ጎትላድ ዝግበር ናይ መርከብ ጉዕዞታት ከምዝተሰረዙን ተሓቢሩ። ቤት ጽሕፈት ሜትሮሎጂ ሽወደን (SMHI)፡ ኣብ ሰሜን ባሕሪ ባልቲክ፡ ክሳብ 22 -23 ሜትሮ ኣብ ሓደ ካልኢት ክሕንበብ ዝኽእል ቀዳማይ ደረጃ ዝኾነ ህቦብላ ክነፍስ ከምዝኽእል መጠንቀቕታ ኣመሓላሊፉ ኣሎ። ቀዳማይ ደረጃ ተባሂሉ ዝፍለጥ ህቦብላዊ ንፋስ፡ ንናእሽቱ መዘናግዒ ጀላቡን ናእሽቱ ናይ ጽዕነት …

Read More »

ኣብ ሽወደን፡ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና፡ ይውስኽ ኣሎ ተባሂሉ

ካብተን 21 ምምሕዳራት ሽወደን፡ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና፡ ኣብ 17 ምምሕዳራት ብናህሪ ይውስኽ ምህላዉ ካብ ቤት ምኽሪ እዘን ምምሕዳራት ዝቐረቡ ጸብጻባት ሓቢሮም። መልከፍቲ ኮሮና፡ ብፍላይ ኣብ ህጻናትን መንእሰያትን ተማሃሮ፡ ኣገልግሎት ሓለዋ ጥዕና ኣባይቲ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ዝሰርሑ፡ ኣብ ቤት ትምህርታት፡ ኣብ እንዳ መናበይ ዓበይቲ ብብዝሒ ይረአ ከምዘሎ ጸብጻባት  ቤት ምኽሪ ምምሕዳራት ይሕብሩ። ከም ኣብነት፡ ኣብ ከተማ ኦብሳላ፡ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ …

Read More »

ከተማ ኦብሳላ፡ መምርሒታት ከባብያዊ ቀይድታት፡ ዝትግበረላ ቀዳመይቲ ከተማ ክትከውን እያ

ኣብ ከተማ ኦብሳላ ዝረአ ዘሎ ናህሪ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና ንምቁጽጻር፡ ካብ ስኑይ 19/10/2020 ጀሚራ፡ እታ ቀዳመይቲ ከባብያዊ ቀይድታት ዝትግበረላ ምምሕዳር ክትከውን ትጽቢት ኣሎ። ነዚ ጉዳይ ብዝምልከት፡ ኣብቲ ከተማ ዝርከቡ ሓካይም ምክልኻል ለበዳ ምስ በዓል መዚ ጥዕና ሽወደን ሎሚ ረቡዕ ኣኼባ ከካይዱ ምዃኖም ተለቪዥን ሽወደን ሓቢሩ። ነቲ ካብ ዕለት 19/10/2020 ዝጅምር መምርሒታት ከባብያዊ ቀይድታት ንኽትግበሩ ዝውስን ኣካል፡ በዓል መዚ ጥዕና ሽወደን …

Read More »

ስደተኛታት ንምሕጋዝ ግዚኡን ጉልበቱን ዘወፈየ ሽወደናዊ ጥሮተኛ

ላርሽ ሎራን ኣንደርሶን ዝተባህለ ኣብ ባንክሪድ (Bankeryd) ዝነብር ሽወደናዊ ጥሮተኛ፡ ንስደተኛታት ንምሕጋዝ፡ ግዚኡን ጉልበቱን ዘወፊ ዘሎ እዩ። ኣብ ዓመተ 2015 ንዝመጹ ብዙሓት ስደተኛታት ዝሓገዘ ኮይኑ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ድማ ሓንቲ ኡዝበኪስታናዊት ስድራ ቤት ናብቲ ሓደጋ ከጓንፋ ይኽእል እዩ ኢሉ ዝኣመነሉ፡ ሃገረ ኣፍጋኒስታን፡ ንኸይትምለስ ብምሉእ ዓቕሙ ዝቃለስ ዘሎ እዩ ክብል ተለቪዥን ሽወደን ኣቃሊሑ። እዛ ኣብ ቫርናሞ (Varnamo) እትርከብ ኡዝበኪስታናዊት ስድራ ቤት፡ …

Read More »

ኣብ ዮተቦሪ እትርከብ መባእታ ቤት ትምህርቲ፡ ናይ ትምህርቲ ንጥፈታታ ኣቋሪጻ

ኣብ ከተማ ዮተቦሪ እትርከብ መባእታ ቤት ትምህርቲ፡ ብሰንኪ ኣብ መማህራንን ተማህሮን ዝተራእየ ሓድሽ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና፡ ትምህርታዊ ንጥፈታታ ከምዘቛረጸት ቤት ጽሕፈት ምምሕዳር ከተማ ዮተቦሪ ሓቢሩ ክብል ጸብጻብ SVT Väst ኣቃሊሑ።   መብዛሕትኦም ግዳያት መልከፍቲ ዝኾኑ፡ እቶም ኣብ ምስትምሃር፡ ናይ ፍሉይ ኣተሓሕዛ ዘድልዮም ሰባት፡ ዝነጥፉ መምህራንን ተማሃሮን ምዃኖም እቲ መደበር ተለቪዥን ሓቢሩ ኣሎ። እቲ ጉዳይ ብጥዕሚ ተኣፋፍን ኣሰካፍን ብምዃኑ፡ እዚ ውሳኔ፡ …

Read More »

መጠን መልከፍቲ ኮሮና፡ ኣብ ስቶክሆሎም፡ ይውስኽ ኣሎ ተባሂሉ

ኣብ ስቶክሆሎም፡ ምውሳኽ መጠን መልከፍቲ ኮሮና ይቕጽል ኣሎ ክብል በዓል መዚ ጥዕና’ዚ ምምሕዳር ገሊጹ። ኣብ ዝሓለፉ ኣርባዕተ መዓልታት ጥራይ ኣስታት 660 ሓዲሽ መልከፍቲ ኮሮና ከምዘጋጠመ፡ እዚ ድማ ካብቲ ኣብ  ዝሓለፈ ምሉእ ሰሙን ዝተመዝገበ ቁጽሪ፡ 638 ዝበዝሕ እዩ። ብተወሳኺ፡ ቅድሚ 4 መዓልታት ኣብ ዝነበረ እዋን፡ ኣብ ትሕቲ ሕክምናዊ ምክትታል 4 ሰባት ጥራይ እኳ እንተነበሩ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ እቲ ቁጽሪ ናብ 57 …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com