Sunday , May 19 2024

ዜና

ናይ ጓሓፍ መካይን ዝስከመኦ ዘለዋ ክብደት፡ ልዕሊ ዓቕመን ይኸውን ኣሎ ተባሂሉ

ካብ ኣትክልቲ ናብ መሬት ዝወደቑ ፍረታት፡ ኣኪብካ ኣብ እንዳ ጓሓፍ ምእታው ተመራጺ ኣይኮነን። ናይ ጓሓፍ መኪና፡ ንተወሳኺ ክብደት ጽሟቕ ናይ ፍረታት ክትጻወር ኣይትኽእልን እያ ክብል ካብ ቫስትማንላንድ ዝፍነው ሬድዮ ሽወደን P4 ሓቢሩ። ብጽሟቕ ናይ ፍረታት ዝፍጠር ተወሳኺ ሚዛን ሒዝና ክንዝውር ብጣዕሚ የሸግረና እዩ። እታ መኪና ንኸምዚ ዓይነት ጸቕጢ ክትጻወር ኣይትኽእልን እያ። ኣብ መጨረሽታ ድማ፡ ኣብ ጎደናታት ጥብጥብ እናበለ ይኸይድ ኣሎ …

Read More »

ጨንፈር ኢሚግሬሽን ሽወደን፡ ካብ ብዙሓት ፖለቲከኛታት፡ ከቢድ ነቐፌታ ይወርዶ

ጨንፈር ኢሚግሬሽን ሽወደን፡ ንሓደ ናይ ሓንጎል መልመስቲ ዘለዎ ዒራቓዊ መንእሰይ ንዓዱ ንኽመልሶ ብምምዳቡ ካብ ዝተፈላለዩ ፖለቲከኛታት፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ምምሕዳር ሱንድስቫል እትርከብ ሓላፊት ኮሚቴ ኣሃዱ ጥዕናን ኣባል ዓቃባዊ ሰልፊ ዝኾነት ሊንድ ኣስብሎንድ፡ ጨንፈር ኢሚግሬሽን፡ ንገበነኛታት ንዓዶም ዘይመለሰት ንኸምዚኦም ዓቕሚ ዘይብሎም ሰባት ካብ ገዝኦም ኣባሪሩ ናብ ሃገሮም ክመልስ ምምዳቡ ዘሕዝን እዩ ኢላ ከምዝገለጸት ኣብ ሱንድስቫል እትሕተም ጋዜጣ ሓቢራ። እዚ ኣሕመድ ዝተባህለ …

Read More »

ሓቐኛ ዛንታ ዕድል ድዩ?

ሓምሻይ ክፋልብጸጋብርሃን ጎይትኦም “ቅድም ንብሕቱ ከይዱ ተመርሚሩ መጺኡ፡ እዚ’ኳ ጌጋ እንተኾነ ደላዪት ብምዃነይ ኣይጸላእኩዎን ሽዑ ንዓይ ረኺቡ በይኑ ከም እተመርመረን ነጻ ከም እተባህለን ሓቢሩኒ። ብሓንሳብ ምኻድ ትርጒም ከም ዘይብሉ’ውን ነጊሩኒ። ኣነ ግና ኣይተቐበልኩዎን፡ ምስ’ቲ ዘቕርቦ ዝነበረ ምኽንያት ኣተኣሳሲረ ክምርመር ኣይደለየን’ዩ ዝብል ጥርጣረ’ዩ ሒዙኒ። ብሓንሳብ ከይድና ክንምርመር ኣለና ኢለ ድማ ኣብ መትከለይ ደሪቐ። ዓመታት ብፍቕሪ ተጓዒዘ ንዳዊት ወኒነ ምልእቲ ሰብ ክኸውን …

Read More »

ኮሮና፡ ጠንቂ ምንቅስቓስ ጥንሲ ክኸውን ከምዝኽእል መጽናዕታት ይሕብሩ

ጥንሲ ዝሓዛ ደቂ ኣንስትዮ ብኮሮና ምስ ዝልከፋ፡ ቅድሚ ግዜአን ናይ ምውላድ ሓደጋአን ከም ዝውስኽ ብርክት ዝበሉ ተመራመርቲ ዝኣከብዎም መጽናዕትታት ይሕብሩ። በዚ ድማ ኣብ ጥንሲ ዝርከባ ሕሙማት ኮሮና ደቀንስትዮ ጽዑቕ ምክትታል ከም ዘድልየን ተገሊጹ። ብዘይካ’ዚ፡ ጥንሲ፡ ብኮሮና ናይ ምልካፍ ተኽእሎ ከም ዘዛይድ SVT ሓቢሩ። ካብ ቻይና፡ ኣመሪካ፡ ብሪጣንያ፡ ስፔይን፡ ሆላንድን ካልኦት ሃገራትን ዝተረኽቡ ክኢላታት፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ 11500 ኣብ ፈለማ ናይ …

Read More »

ፖሊስ፡ ኣብ ገዛ ናይ ሓደ ፍሉጥ ሽወደናዊ ፖለቲከኛ ፡ ዕጸ-ፋርስ ረኺቡ

ፖሊስ፡ ንገዛ ናይ ሓደ ፍሉጥ  ፖለቲከኛ ነበር ብዝገበርዎ ፈተሻ፡ ዕጸ-ፋርስን ኣሽሓት ክሮና ዝግመት ጥረ ገንዘብን ከም ዝረኸቡ ጋዜጣ ኣፍቶንብላዴት ሓቢሩ። ሓደ ዘመድ ናይዚ ፖለቲከኛ፡ ዕጸ-ፋርስ ሒዙ ብምርካቡ ከም እተፈርደ እውን ተፈሊጡ’ሎ። ኣብ ሕዳር 2019፡ ፖሊስ፡ ብሓበሬታ ናብ ሓደ ዘይንቡር ምንቅስቓስ ዝገብር ዝነበረ ሰብ ድሕሪ ምርካቦም፡ እቲ ሰብ፡ ዕጸ-ፋርስ ወሲዱ ምንባሩን ዘመድ ናይ ሓደ ፍሉጥ ፖለቲከኛ ምዃኑን ኣረጋጊጾም። ፖሊስ፡ ጁባ ናይቲ …

Read More »

ስነ ኣእምሮኣዊ ኩነታት፡ ሽወደናውያን ቆልዑ፡ ዝተሓተ እዩ ተባሂሉ

ስነ ኣእምሮኣዊ ዕቤት ቈልዑ ሽወደን ምሰቶም ናይ መዛኑ ሃገራት ዝኾኑ ቆልዑ ክነጻጸር እንከሎ ኣብ ዝተሓተ ደረጃ ምህላዉ ንጸብጻብ ዩኒሰፍ ብምጥቃስ ሬድዮ ሽወደን ሓቢሩ። ኣብ ከምዚ ደረጃ ምውራድና ዘሕዝን እዩ ክትብል ንመሰል ቈልዑ ሓላፍነት እትወስድ ሚኒስተር ኦስላ ሊንድሁን ገሊጻ። ኣብ ዓለም ካብተን ዝሃብተማ ሃገራት ክንለና: ቆልዑና ስነ ኣእምሮኦም ዘይርጉእ ምዃኑ ናይ መጠንቀቕታ ደወል ጌርና ኢና ንቖጽሮ። መንግስቲ ነዚ ሽግር ንምፍታሕ ብዙሕ …

Read More »

ሓንቲ ዓለም፣ሳየንስ፥ ኪነዓቕ ዘይብሉ መገዲ ሓቂ

ኣማኑኤል ሳህለሳየንስ ማለት ብስነሞገትን ብትዕዝብትን ብተመክሮን ብምምዛንን ብምዕቃንን ዚካየድ ናብ ሓቅነት ዚመርሕ መገዲ እዩ። ናብቲ ሓቂ ንምብጻሕ ከኣ ኣብ ሕልምን ዘይጭቡጥ ነገራትን ኣይኣምንን ኣይምርኮስን እዩ። ንኹሉ ነገራት ምኽንያት ወይ ጠንቂ ይደልየሉ።ሳየንስ ኣብ ተባዕን ደፋርን ኣእምሮ ይምዕብል: ነቲ ሰብ ብያታን ብወግዕን ዚኣምነሉን ዚምክሓሉን ፍልጠጥን መትከላትን ዶግማታትን ድማ ኣብ ሕቶ ከእቱዎን ኪሰብሮን ከምክኖን ዋጋ ዘይብሉ ገይሩ ከትርፎን ድሕር ኣይብልን።መብዛሕትኡ ኣብ ሳየንስ ዘይኣምን …

Read More »

እምነት ሽወደናውያን፡ ኣብ ልዕሊ ቴግኔል ክውስኽ እንከሎ ኣብ ልዕሊ ሎቬን ግን ኣንቆልቂሉ ተባሂሉ

ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን፡ ስቴቫን ሎቪን፡ ኣብ ኣታሓሕዛ ለበዳ ኮሮና ዝነበሮ ተቐባልነት ምንቁልቋሉን ኣብ ልዕሊ ዋና ኣማኻሪ ሕማማት ለበዳ፡ ቴግኔል፡ ዝነበረ ተቐባልነት ግና ምዝያዱ ዳህሳስ ኢፕሶስ ብምጥቃስ ጋዜጣ ዳጊነስ ኒሂተር ሓቢራ። ሎቬን፡ ኣብ ወርሒ ግንቦት ዝነበሮ ናይ 49%  ተቐባልነት ኣብዚ እዋን ኣንቆልቊሉ ናብ 34% ምግምጋሙ ዘመልከተ እቲ ጸብጻብ፡ ናይ ተቓወምቲ ውድባት ተቐባልነት እውን ከምኡ ምንካይ ከም ዘርኣየን ካብ 30% ናብ 20% …

Read More »

ዓለማዊ ውድብ ጥዕና፡ ክሳብ መፋርቕ ናይ ዝመጽእ ዘሎ ዓመት ክታበት ጸረ ኮሮና ኣይክህሉን እዩ ይብል

ብርክት ዝበላ ሃገራት፡ ብፍላይ እኳ ሩስያን ኣሜሪካን ብዛዕባ ምክያድ መጠን ሰፊሕ ክታበት ጸረ-ኮሮና ይዛረባ እኳ እንተሃለዋ፡ ከምዚ ዝበለ ተርእዮ ክሳብ መፋርቕ ዝመጽእ ዓመት ተግባራዊ ክኸውን ከም ዘይክእል ዓለማዊ ውድብ ጥዕና ሓቢሩ። ኣፈኛ እቲ ውድብ ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ ሳልሳይ ደረጃ ፈተነ ክታበት ግዜ ዝወስድ እዩ። ስለዚ እዚ ክታበት ክሳብ ክንደይ ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ኣለዎ ክንፈልጥ ግዜ ክንዕድግ ከድልየና እዩ ኢላ። እዚ …

Read More »

ኣብ ኖርወይ፡ ከም ሙዚቃዊ ፈንጠዝያ ዝጀመረ ናብ ዓቢ ሓደጋ ተቐይሩ

ኣብ ኦስሎ፡ ኖርወይ፡ ኣስታት 200 መንእሰያት ዝርከብዎ ሙዚቃዊ ፈንጠዝያ (ጓይላ) ኣብ ታሕተዋይ ክፋል ናይ ሓደ ህንጻ ዝስራሕ ገዛ (basement) ከም ዝተኻየደ ምንጭታት ሓቢሮም። ነቲ ተርእዮ ፍልይ ዘብሎ ኩነት፡ ኣብቲ እዋን ሓደጋ ካርቦን ሞኖእክሳይድ ምግጣሙ እዩ ክብል SVT ሓቢሩ። እዚ ከምዚ ዓይነት ፈንጠዝያ፡ ዘይሕጋዊ ኮይኑ፡ መንእሰያት፡ ብልዑል ድምጺ ሙዚቃ እናኣስምዑ ዕጸ-ፋርስን ኣልኮላዊ መስተን ዝወስድሉ ኣጋጣሚ እዩ። ኣብቲ እዋን ፈንጠዝያ፡ ተወሳኺ ጸዓት …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com