Friday , May 3 2024

ሓንቲ ዓለም፣ሳየንስ፥ ኪነዓቕ ዘይብሉ መገዲ ሓቂ

ኣማኑኤል ሳህለ
ሳየንስ ማለት ብስነሞገትን ብትዕዝብትን ብተመክሮን ብምምዛንን ብምዕቃንን ዚካየድ ናብ ሓቅነት ዚመርሕ መገዲ እዩ። ናብቲ ሓቂ ንምብጻሕ ከኣ ኣብ ሕልምን ዘይጭቡጥ ነገራትን ኣይኣምንን ኣይምርኮስን እዩ። ንኹሉ ነገራት ምኽንያት ወይ ጠንቂ ይደልየሉ።
ሳየንስ ኣብ ተባዕን ደፋርን ኣእምሮ ይምዕብል: ነቲ ሰብ ብያታን ብወግዕን ዚኣምነሉን ዚምክሓሉን ፍልጠጥን መትከላትን ዶግማታትን ድማ ኣብ ሕቶ ከእቱዎን ኪሰብሮን ከምክኖን ዋጋ ዘይብሉ ገይሩ ከትርፎን ድሕር ኣይብልን።
መብዛሕትኡ ኣብ ሳየንስ ዘይኣምን ሰብ፡ ኣብ ማሪትን ከንቱ እምነትን ኪኣምን ይግደድ። ሃይማኖት ኣሎኒ እንተ በለውን ሳየንስ ስለ ዘይሕውሰሉ እቲ ሃይማኖቱ ናብ ማሪትን ከንቱ እምነትን ዝዘንበለ እዩ። ኣብ ሳየንስ ዘይምርኮስ ሰብ ነቲ ዘፍርሆ ነገራት ብመገዲ መናፍስትን ልዕለ-ተፈጥሮን (supernatural) ገይሩ ኪፈትሖን ከብርሆን ስለ ዝደሊ ኣብ ከንቱ ሕልሚ ተዓጽዩ እዩ ዚነብር። ንርእሱ ኣብ ሕልሚ እናነበረ ከኣ ሕልማዊ ትምህርትን ኣተሓሳስባን ከስፍን ይብገስ።
ናይቲ ንሳየንስ ዘይኣምን ሰብ ኣምላኽ ኣዚዩ ድሩት እዩ። ኩሉ ግዜ ሳየንስ ኪምዕብል ከሎ ድማ እቲ ኣምላኹ እናነኣሰን እናሃሰሰን ይኸይድ።
 
ንሳየንስ ከይተረፈ እምነት ከም ዘድልዮ ሕቶ ዘድልዮ ኣይኮነን። ግን ከምቲ ኣብ ሃይማኖት ዚዝውተር እምነት ዘይኮነስ፡ እምንቶ ወይ ግዜኣዊ እምነት (trust) ኪብሃል ይከኣል። እዚ ኸኣ ድሕሪ ፍልጠት ዚኽሰት ደኣምበር ቅድሚ ፍልጠት ዚመጽእ ኣይኮነን። ብሓጺሩ፡ ዕዉር እምነት ዘይኮነስ ድሕሪ ምርምርን ውጽኢትን ዚኽሰት ደረጃ እምንቶ (level of confidence) እዩ። ፍልጠት ብሳየንሳዊ ኣገባብ እዩ ዚመጽእ። ብግምትን ስምዒትን ኣይኮነን። ንሓደ ነገር ሓቅነቱ ንምፍላጥ፡ ወይ ናይ ሓደ ነገር
ባህርያት ንምግንዛብ፡ ቅድም ብትዕዝብትን ተመክሮን ናብ ሃይፖተሲስ (ግምታዊ ግን ምሁራዊ መግለጺ) ትበጽሕ፡ ብድሕርዚ ብተሪር ሳየንሳዊ ኣገባብ ጌርካ ናብ ሓደ ተዮሪ ወይ ርድኢት ትበጽሕ: ነዚ ርድኢትዚ ብኹሉ ገጽታቱ ብቑዕ እዩ ኢልካ ምስ ኣረጋገጽካ ድማ እምንቶ ተሕድረሉ: ማለት ክትሰርሓሉ ትጅምር። ቅድም እመን ደሓር መርምር ዚብል ርእይቶ ግን ነታ ዓረብያ ቅድሚ እቲ ፈረስ ጌርካ ክትጐዓዝ ፈትን ከም ማለት እዩ።
ብሃይማኖታዊ ወይ ማሪታዊ መገዲ ጥራይ ምስ እንጎዓዝ እቲ ሳየንሳውን ሃያስን ተንታንን መርማርን ኣተሓሳስባና ነዊሕ ኣይከይድን: ከመይሲ ሳየንስ ኣብ ዘገምታዊ ምዕባለን ተዛማዳዊ ፍልጠትን ኪምርኮስ ከሎ: መብዛሕትኡ ሃይማኖት ግን ኣብ ሓደ ነቕ ዘይብል ዶግማን ርድኢትን ተተኺሉ ለውጥን ምዕባለን ዘይቅበልን ሕድገት ዘይኣምንን ስርዓተ-ኣተሓሳስባ እዩ። ሳየንስ ሓድሽ ርኽበት ምስ ዘጋጥሞ ነቲ ዝነበሮ ተዮሪ ገዲፉ ናብቲ ሓድሽ ምዕባለ ኪሰግር ሰጋእ ኣይብልን፣ መብዛሕትኡ ሃይማኖት ግን ኣብቲ ንዘመናት ዘኻዕበቶ ነቕ ዘይብል ዶግማ ተተኺሉ ንዓለም ንድሕሪት ንኺጎታ ስክፍታ የብሉን።
ሳየንስ ኣብ ህይወት ወድሰብ እቲ ዝዓበየ ለውጢ ዝገበረ ሓይሊ እዩ። እቲ ኣገዳሲ ለውጢ ድማ ዓቢ ክፋሉ ኣብዘን ዝሓለፋ 200 ዓመታት እዩ ተፈጺሙ። ሳላ ኤለክትሪሲቲ: ለይቲ ናብ መዓልቲ ተቐዪሩ። ሳላ ራድዮ ህዝብታት ዓለም ኪራኸብ ክኢሉ። ሳላ ተለቪዥን ንኹነታት ዓለም ብዓይንና ንርእዮ ኣሎና። ሳላ ነፈርቲ ዓለም ተጠቕሊላ። ሳላ ኢንዱስሪታትን መጎዓዝያታትን ኩሉ ዓይነት ኣቕሑ ብሕሱር ይሽየጥ ኣሎ። እዚ ኹሉ ብጸሎትን እዝጊዮን ዘይኮነስ ብሳየንስ እዩ መጺኡ።
እተን ኣብ ናይ ማሪትን ከንቱ እምነትን ጥሩፋዊ ስርዓተ-እምነትን ተተኺለን ዘለዋ ሃገራት ካብተን ብሳየንሳዊ መገዲ ዚምርሓን ዚሰርሓን ዚመራመራን ሃገራት እኽልን ናይ ገንዘብ ልቓሕን ኪልምና ይውዕላ ኣለዋ: ህዝበን ድማ ዚብላዕ ደልዩ ናብተን ምዕቡላት ሃገራት ይውሕዝ ኣሎ።
ጃፓን ሳላ ሳየንስን ሳየንስ ዚፈጥሮ ተክኖሎጅን ልዕሊ መሳቱኣ ኮይና ኣላ። ጀርመን: እታ ሳየንሳውያን ብምፍራይ እተፈልጠት ሃገር: ናይ ኤውሮጳ መራሒት ኮይና ትግስግስ ኣላ። ቻይና ድማ በቲ ብሳየንስን ተክኖሎጅን ዝገበረቶ ተኣምራታዊ ምዕባለ ኣብ ኣፍሪቃ ኤኮኖምያዊ ወረራ ተካይድ ኣላ።
ወድሰብ በቲ መዘና ዘይብሉ ሓይሊ ኣእምሮኡ ገይሩ እዩ ንተፈጥሮ ኪምክተላ ዚኽእል። ኣጉል እምነት ንሞራልን ንሕብረትን ወድሰብ ግጉይ መገዲ ከትሕዞ ከሎ፣ ንሞራላዊ ምዕባለ ኣብ ሳየንስ ዘጸግዕ ኣካዪዳ ግን፡ ንምምካትን ንምቍጽጻርን ተፈጥሮ ካብኡ ሓሊፉ ድማ ንተክኖሎጂያውን ማሕበራውን ምዕባለ የደንፍዕ።
ብዘይ ሳየንስ ምዕባለ የልቦን: ብዘይ እቲ ኣብ ሳየንስ እተመርኮሰን ብማሕብራውን ስነልቦናውን ምርመራ ዝማዕበለ ሞራላዊ ማሕበረሰብኣዊ መምርሒ ድማ ኣብ ዓለምና ሰላም ኪህሉ ኣይክእልን።
ሽሕኳ ወድሰብ ብሞራላዊ መገዲ ንኺምዕብል እቲ ምስ ሳየንስ ዘይጻረር ዓይነት እምነት ወይ ሃይማኖት ኣገዳሲ ተራ ይጻወት እንተ ኾነ: መብዛሕትኡ እዋን ግን ሃይማኖት ንፖለቲካዊ ኣጀንዳታትን ንመኻዕበቲ ስልጣንን ንኻልእ ጸይቅታትን ካብኡ ሓሊፉ ድማ በቲ ጥሩፋውን ገታርን ንኣይ ጥራይ ስምዑ ዚብል ናይ ሰዓብቱ ንጥፈታት ኣንጻር ምዕባለ ዚምክትን ዚቃለስን ብምዃኑ: እቲ ሞራልን ስነምግባርን ካብ ሃይማኖት ጥራይ ዘይኮነስ ካብቲ ብትምህርትን ምርምርን ማሕበራዊ ንቕሓትን ዚርከብ ፍልስፍናዊ ኣምራት ኪመጽእ ከሎ ዝያዳ ኣድማዕን ጠቓምን ከም ዝኾነ እናተጋህደ ይኸይድ ኣሎ።
እንተ ደኣ ሃይማኖት: ማሕበራውን ቁጠባውን ፖለቲካውን ተክኖሎጂካውን ምዕባለ፡ ከምኡውን፡ ስኒትን ሕብረትን ሓድነትን ምጽውዋርን ከምጽእ ዘይክእል ኮይኑ: ካብዚ ዓለም እንተ ጠፍአ ንወድሰብ ምንም ኣይጐድሎን።
ብኣንጻሩኳ ደኣ ወድሰብ በቲ ብኣእምሮኡ ዚፈጥሮ ሳየንሳዊ ምህዞታቱን ርኽበታቱን ፍልስፍናኡን ገይሩ ንዓለም ናብ ዝሓሸ ደረጃ ከሰጋግራ ምሉእ ዘይጉዱል ዓቕሚ ከም ዘለዎ ዘጠራጥር ኣይኮነን።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com