Wednesday , May 8 2024

ዜና

ጋል 91 ዓመት ሽወደናዊት ጉን ቢሪት ፈላሚት ተኸታቢት ጸረ ኮቪድ 19

ትማሊ ኣብ መላእ ኣባላት ሕብረት ኤውሮጳ ክታበት ኮረና ቫይረስ ብወግዒ ዝጀመረ ኮይኑ። ሽወደን እውን ከም ኣካል እቲ ሕብረት ትማሊ ዕለት 27 ካብ ሰዓት 8 ናይ ንግሆ ጀሚራ ክታበት ብውግዒ ክትህብ ጀሚራ። ኣብ መእለዪ ዓበይቲ ሚዮልቢ  ዞባ ኦስተርጎትላንድ እቲ እለ ጋል 91 ዓመት ጉን ብሪት ጆንሰን ድማ ናይ ፈላሚ ተከታቢት ኣብ ሽወደን ክትከውን ከላ፣ ካብ ጋዜጠኛታት ንዝቅረበላ ሕቶታት ከመይ ከምዝስዕምዓ ክትምልስ …

Read More »

ብ ግሎባል ሶከር ዝወሃብ ሽልማት ን ክርስትያኖ ሮናልዶ ብሉጽ ተጻዋታይ እዚ ዘመን ብምባል ይረቚሖ

ኣብ ዱባይ ዝመደበሩ ብሽም ግሎባል ሶከር ዝወሃብ ሽልማት ንህዝቢ ማእክለ ብምግባር ንቡሉጻት ናይዚ ዘምነ ዝበሎም ብሉጽ ተጻዋትይ፣ ወኪል ተጻወቲ፣ ኣሰልጣኒን ጋንታን ረቑሑ። በዚ መሰረት ብሉጽ ተጻዋታይ ኣዚ ዘመን ንመሲን ሳላሕን ዝቀደመ ክርስትያኖ ሮናልዶ ብሉጽ ወኪል ተጻወቲ እዚ ዘመን ጆርጅ መንድስ ብሉጽ ኣሰልጣኒ እዚ ዘመን ድማ ፔፐ ጋርድዮል ንሰር ኣለክስ ፈርጉሰ ከምኡ ድማ ን ሞሪኖ ብምክታል ዕውት ኮይኑ ከምእውን ብሉጽቲ ጋንታ …

Read More »

ብዛዕባ ክትባት ጸረ ኮቪድ-19 ንህዝቢ ሓበሬታ ክወሃብ እዩ።

ብዛዕባ ክትባት ጸረ ኮቪድ-19 ንህዝቢ ግቡእ ሓበሬታ ኣብ ምሃብ ዓበይቲ ሽግራት ከም ዘለዉዎም ሰብ መዚ ጥዕና ሽወደን ሓቢሮም ኣለዉ። ሽወደንኛ ዘይርድኡ ክፋላት ሕብረተሰብ ንምብጻሕ ፍሉይ ጻዕርታት የካይዱ ምህላዎም እዞም ሰብ መዚ ገሊጾም። እዚ ክትባት ድሕሪ ክሪስማስ ከም ዝጅመር እንተኾነ ከከም ዞባኡ እቲ ግዜ ክፈላለ ከም ዝኽእል ድማ ተመልኪቱ ኣሎ። ክትባት ብመሰረቱ ክልተ ዶዛት ዘድልዮ ምዃኑ ነቲ ናይ ሓበሬታ ብቐሊሉ ርድኢት …

Read More »

ሓደ ዓሚል 2020 ዶላር ቲፕ ን ኣሳሳዪ ይገድፍ።

ኣብ ፍሎሪዳ (ሕ/መ/ኣ)ኣብ ዝርከብ ቤት መግቢ 29 ዶላር ዝዋግኡ መግቢ ድሕሪ ምምጋብ 2020 ዶላት ቲፕ ገዲፉ ከም ዝወጸ ተሓቢሩ። እቲ ዓሚል ነዚ ገንዘብ ድሕሪ ከም ቲፕ ምግዳፉ እቶም ኣሳሰይቲ ብማዕረ ክማቐልዎ ምንጋሩ ሳውዝ ሾር ፒዛ ኣብ ፌስ ቡክ ገጹ ዘስፈሮ ሓበሬታ ኣመልኪቱ። በዚ ድማ ናይታ ቤት መግቢ ኣሳሰይቲ ንሓድሕዶም 80$ ከም ዝበጽሖም ተገሊጹ። እቲ ዓሚል ከም ዝገለጾ ተግባሩ ኣካል ናይቲ …

Read More »

ዴንማርካዊ ሓንባሳይ ብሓንቲ ምዕጐ ትንፋስ ናብ 200 ሜትሮ ጥልቀት ይሕምብስ።

እዚ ስቲግ ሲቨረንሶን ዝተባህለ ዴንማርካዊ ሓንባሳይ ኣብ ላ ፓዝ ሜክሲኮ ሓንቲ ምዕጐ ብምውሳድ 662 ጫማ (ማለት 200 ሜትሮ) ጠሊቑ ብምሕንባሱ ኣብ ክብረ መዝገብ ጊኒስ ክሰፍር ክኢሉ’ሎ። ንሱ በዚ ክብረ ወሰን ኣቢሉ ኣብ ማያዊ ክሊ ዓለምና ዝወርድ ዘሎ ክበላ ንምክልኻል ኣስተምህሮ ንምሃብ ከም ኣጋጣሚ ክጥቀመሉ ከም ዝደሊ ሓቢሩ’ሎ። እ ዚ ሓንባሳይ ኣቐዲሙ እውን ትንፋሱ ንዝነውሐ ግዜ ሓቢኡ ብምጽናሕ ካልእ ክብረ ወሰን …

Read More »

ሓደ ኣውስትራልያዊ ሸያጣይ ብዝመረጸሉ ቴኬት ሎተሪ 19000$ ይዕወት።

ሓደ ብልማድ ሰባት ዝገዝኦ ቲኬት ሎተር ክመርጹሉ ዝገብር ኣውስትራልያዊ በታ ሸያጣይ ዝመረጸሉ ቴኬት ኣቢሉ 19000$ ክዕወት ምኽኣሉ ገሊጹ። እዚ ኣብ ሃስቲንግስ ቪክቶርያ ዝምቕማጡ ሰብኣይ ን ሎት ኦፊሻልስ ዝተባህለ ማዕከን ዜና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ኣብ ሰሙን ሓንሳብ ን ባዕሉን በዓልቲ ቤቱን ሎተሪ ናይ ምግዛእ ልምዲ ከም ዝጸንሖ ኣፍሊጡ። እዛ ብሸያጣይ ዝተመርጸት ቲኬት ድማያ ኣብ ዋዜማ ክሪስማስ ናይ 18954$ ተሸላሚ ጌራቶ ዘላ። …

Read More »

ዜና ቀዳመ ሰንበት: ድሕሪ 7 ዓመታት ዋናታት ዝረኸበት ድሙ

ኣብ ኒው ሃምፕሻየር ሓደ ጽምዲ ድሕሪ 7 ዓመታት ምስ ዝፈትዉዋ ዱሙኦም ተራኺቦም። ኣብ 2013 ዱሙኦም ዝጠፍኣቶም ሰብ ሓዳር ሃምፕሻየር ድሕሪ 7 ዓመታት ዳግማይ ክረኽብዋ ምኽኣሎም ተገሊጹ። እዛ ድሙ ኣብ መደበር ዕቚባ እንስሳታት እዮም ረኾቦሟ። እዞም ናንሲን ዴቭን ዝተባህሉ ጽምዲ ቤኒ ዝስማ ዝፈትዉዋ ዱሙኦም ኣብ 2011 ንቤቶም ከም ዘምጽኡዋን ኣዝዮም ይፈትዉዋ ምንባሮምን ይገልጹ። ኣብ 2013 ካብ ቤታ ምስ ኮብለለት ደሃይ ከም …

Read More »

ዜና ቀዳመ ሰንበት

ተኣምረኛ ህጻን ኣብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝቕመጥ ወዲ 12 ዓመት ህጻን 39 መንገዲ ኣየራት ሎጎ ጭራ ነፈርቲ ብምርኣይ ጥራይ ክረቊሕ ብምኽኣሉ ኣብ ጊኒስ ቡክ ኦቭ ረከርድስ ክሰፍር ምኽኣሉ ተገሊጹ። እዚ ሲዳርት ጋምበር ዝተባህለ ካብ ሓርያና ህንዲ ዝመጸን ኣብ ኣቡ ዘቢ ዝቕመጥን ህጻን ስእሊ እዘን መንገዲ ኣየራት ዘርኢ ጭራ ነፈርቲ ምስ ቀረበሉ ኣብ ደቒቕ ነዘን 39 ብስም ብምጽዋዕ እዩ ኣብ ክብሪ …

Read More »

ሙቑር ህያብ በዓል ልደት ኣርሰናል ንደገፍታ

ኣርሰናል ኣርእስቲ ማእከናት ዜና ኮይና ድሕሪ ምቕናያ ን ጸወታ ደርቢ ሎንደን 3 ብ 1 ኣብ ልዕሊ ቸልሲ ብምዕዋት ሙቑር ክያብ በዓል ልደት ን ደገፍታ ለጊሳ። ን ኣርሰና ድሕሪ ባሕቲ ህዳር ኣብ ፕሪመርሊግ ናይ መጀመርያ ዓወታ ኮይኑ ኣብ ርእስኣ ዘንቢዩ ዝቀነየ ነቐፍታታት ብዝተፈላለየ ተንተንቲ ስፖርት ኣፎም ብምትሓዛ ብ ጸወታን ብምዕብላል ኣእማኒ ዓወት ብምሕፋሳ፣ ጸቕጢ ኣብ ኣሰልጣኒ ኣርተታ ዳግመ ግምት ክገብሩሉ ዝተሓሳሰብ …

Read More »

ክልተ ተጻወቲ ማንቸስተር ሲቲ ብ ኮቪድ 19 ተለኺፎም

ተጻወቲ ክለብ ማንቸስተር ሲቲ ድሕሪ እቲ ምስ ኣርሰናል ኣብ ካራቦኣ ካብ ዘካየደቶ ጸወታ ኣብ ተጻወታ ኣብ ዝገብረቶ መርመራ ኮቪድ 19 ክልተ ተጻወቲ ማለት ኣጥቃዕቲ እዛ ክለብ ብራዚላዊ ጋብርኤል ሄሱስን ኢንግሊዛዊ ካየል ወከር በዚ ቫይረስ ብምልካፎ ካብዚ ዝቕጽል ሰልስተ ተኸታታሊ ናይ ቦክሲንግ ማች ከምዝበርኽሩ ክለቦም ኣፍሊጣ።

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com