Monday , May 13 2024
Photo courtesy of the New Hampshire SPCA

ዜና ቀዳመ ሰንበት: ድሕሪ 7 ዓመታት ዋናታት ዝረኸበት ድሙ

ኣብ ኒው ሃምፕሻየር ሓደ ጽምዲ ድሕሪ 7 ዓመታት ምስ ዝፈትዉዋ ዱሙኦም ተራኺቦም።

ኣብ 2013 ዱሙኦም ዝጠፍኣቶም ሰብ ሓዳር ሃምፕሻየር ድሕሪ 7 ዓመታት ዳግማይ ክረኽብዋ ምኽኣሎም ተገሊጹ።

እዛ ድሙ ኣብ መደበር ዕቚባ እንስሳታት እዮም ረኾቦሟ። እዞም ናንሲን ዴቭን ዝተባህሉ ጽምዲ ቤኒ ዝስማ ዝፈትዉዋ ዱሙኦም ኣብ 2011 ንቤቶም ከም ዘምጽኡዋን ኣዝዮም ይፈትዉዋ ምንባሮምን ይገልጹ።

ኣብ 2013 ካብ ቤታ ምስ ኮብለለት ደሃይ ከም ዘይጸንሖም ድማ ተዛሪቦም። ንሳቶም ኣብ ቤቶምን ጐረቤትን ድሕሪ ምጥያቕ ናይ ኣድልዩና ምልክታ ኣውጺኦም ከም ዝነበሩ እንተኾነ ግና ደሃይ ቤኒ ከም ዘይረኸቡን ይዝክሩ።

“መወዳእትኡ ገለስ ኣጓኒፍዋ ኣሎ ኢልና ተስፋ ቈሪጽና ኔርና” ክትብል ብርያንት ን ሲኮስት ኦንላይን ተሪኻ። ቤኒ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ኣብ ፖትዝማውዝ ዝርከብ እንዳ ኣንስሳ ከም ኲብላልያ ተመዝጊብ ክትዕቈብ ከም ዝተገብረትን ኣካያዲ እቲ ትካል ኣብ ደሓን ኲነታት ጥዕና ምንባራን ምግላጹ ድማ እታ ማዕከን ዜና ጸብጺባ። “

ን ቤኒ ምስ ተረከብና በቲ ናይ ቀደም ስማ ዘይኮነ ኒክ ኢልና ዳግማይ ክንጽውዓ መሪጽና ኣሎና። ኣብ በዓል ክሪስማስ ዘጋጠመና ተኣምር ጌርና ቈጺርናዮ ኣሎና” ክብሉ ድማ ሓጐሶም ገሊጾም።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com