Saturday , May 11 2024
Foto: Jonas Ekströmer / TT / kod 10030

ብዛዕባ ክትባት ጸረ ኮቪድ-19 ንህዝቢ ሓበሬታ ክወሃብ እዩ።

ብዛዕባ ክትባት ጸረ ኮቪድ-19 ንህዝቢ ግቡእ ሓበሬታ ኣብ ምሃብ ዓበይቲ ሽግራት ከም ዘለዉዎም ሰብ መዚ ጥዕና ሽወደን ሓቢሮም ኣለዉ።

ሽወደንኛ ዘይርድኡ ክፋላት ሕብረተሰብ ንምብጻሕ ፍሉይ ጻዕርታት የካይዱ ምህላዎም እዞም ሰብ መዚ ገሊጾም።

እዚ ክትባት ድሕሪ ክሪስማስ ከም ዝጅመር እንተኾነ ከከም ዞባኡ እቲ ግዜ ክፈላለ ከም ዝኽእል ድማ ተመልኪቱ ኣሎ።

ክትባት ብመሰረቱ ክልተ ዶዛት ዘድልዮ ምዃኑ ነቲ ናይ ሓበሬታ ብቐሊሉ ርድኢት ከይረክብ ኣሸጋሪ ከም ዝገበሮ በዓልመዚ ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን ወሲኹ ሓቢሩ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com