Sunday , May 19 2024

ዜና

ኣፍልጦ ቋንቋን ባህልን ሽወደን፡ ንዜግነት

ኣብ ሃገረ ሽወደን፡ ዜግነት ኣመልኪቱ ክወሃቦ ዝደሊ ሰብ፡ ኣፍልጦ ቋንቋን ባህሊ ሽወደንን ከም ቅድመ ኩነት ንምቅራብ ዝዓለመ፡ ንዝቀረበ ፖለቲካዊ እማመ፡ መጽናዕቲ ክካየደሉ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ናብ መንግስቲ ቀሪቡ ከም ዘሎ ሚኒስተር ፍትሒ ሎሚ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣፍሊጡ። ብመሰረት እቲ ሓበሬታ ፡ በዚ ቅድመ ኩነት ክጽለው ዝኽእሉ ኣካላት፡ እቶም ኣብ ሽወደን ስሩዕን መደብኛን ናይ ሞያ ትምህርቲ ዘይከዱን ብዕድሚኦም ከኣ ኣብ ክሊ …

Read More »

ሽወደን፡ ካብ ምፍልላይ ውሕስቲ ኣይኮነትን

ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን፡ ስቴፋን ሎቬን፡ ንፈለማ ግዜ ኣብዚ ዓመት፡ ሎሚ ምስ ሓላፍቲ ሰልፍታት ኣብ ዝጀመሮ ናይ ክትዕ ዘተ፡ ሽወደን፡ ካብቲ ንኣሜሪካ ዘጋጠማ ናይ ምፍልላይ ናዕቢ ነጻ ኣይኮነተን ክብል ከምዝሓበረ፡ ሓድነትና ክዝርጉ ዝንቀሳቐሱ ወገናት ከምዘለው ክንስሕት የብልናን ድማ ኢሉ። መንደቕ ህንጻ ኮንግረስ ኣሜሪካ ጥሒሶም ዝኣተዉ ሰባት፡ ነቲ ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ ዝተረኽበ ውጽኢት ምርጫ ብዘይ ምቕባሎም ከምዝፈጸምዎን ሃገርና ውን ካብ ከምዚ ዓይነት ፍጻሜ …

Read More »

ዕጫ ራብዓይ ዙር ኤፍ ኤ ካብ ኢንግሊዝ ማንቸስተር ዩናይድ ምስ ሊቨርፑል የራኽብ

ኣማሲኡ ዕጫ ራብዓይ ዙርያ ዕጫ ኤፍ ኤ ካብ ኢንግሊዝ ኣብ ዝወደቀሉ ን ዓበይቲ ክለባት የርኽብ። በዚ መስረት ክለብ ማንቸስተር ዩናይትድ ኣብ ሜድኣ ምስ ሊቨርፑል ክራኸባ ከለዋ፣ ክለብ ቸልሲ ድማ ን ሉቶን ታወን ብምእንጋድ ግጥም ከካይዳ እየን። እቲ ዝተረፈ ከምዝስዕብ እዩ FOURTH ROUND Draw – Jan. 23 and 24 Cheltenham Town vs. Manchester CityAFC Bournemouth vs. Crawley TownSwansea City vs. Nottingham ForestManchester …

Read More »

Harmony News 11 January 2021

Read More »

መንግስቲ ሽወደን፡ ንዝተናውሐ ምልክታት ለበዳ ኮሮና ንምጽናዕ 50 ሚልዮን ክሮና ይምድብ

መንግስቲ ሽወደን፡ ዝተናውሐ ምልክታት ኮሮና ንምጽናዕ ናይ 50 ሚልዮን ክሮና ከም ዝመደበ ተገሊጹ። እዚ መጠን ገንዘብ፡ ስለምንታይ ገለ ሰባት ንነዊሕ እዋን ምልክታት ሕማም ኮሮና የርእዩን ብኸመይ የጋጥሙን ብኸመይ ክፍወሱ ይኽእሉ ንዝብል ዝውዕል እዩ ክብል ሬድዮ ሽወደን ሓቢሩ። መንግስቲ ሽወደን፡ ነዚ ሓድሽ እማመ፡ ኣብቲ ዝተመሓየሸ በጀት ዝጠቓለል ኮይኑ፡ ኣብ ወርሒ ጥሪ፡ ብባይቶ ሽወደን ዝውሰን እዩ ክብል ገሊጹ። ማእከል ሕክምናውን ማሕበራውን ገምጋም …

Read More »

ሓድሽ ሕጊ ለበዳ፡ ትማሊ ሰንበት ተግባራዊ ኮይኑ

እዚ ሕጊ ክሳብ 31 መስከረም ተግባራዊ ክኸውን እዩ ተባሂሉ’ሎ። እዚ ሕጊ፡ ንመንግስቲ፡ ለበዳ ንምክልኻል ዘኽእሎ ዝያዳ ስልጣን ዝህብ እዩ። ብመሰረት እዚ ሕጊ፡ መንግስቲ፡ ናይ ስራሕ ሰዓታት ክውስን፡ መን ኣብ ቤት ክጸንሕ መንከ ኣብ ስራሕ ክወፍር ከም ዝግብኦ ክውስን ከኽእሎ እዩ። ኣብ ኣድላይ እዋናት፡ ቢዝነሳት ምሉእ ብምሉእ ክዓጽው እውን ስልጣን ተዋሂብዎ ኣሎ። በዚ ሕጊ ዝጽለዉ ንጥፈታት እዞም ዝስዕቡ እዮም ትያትራት፡ ሲነማታት፡ …

Read More »

ኣንጻር ኮሮና ቫይረስ ዝምዕብሉ ጸረ-ኣካላት፡ ናይ 8 ኣዋርሕ ዕድመ ክህልዎም ከምዝኽእል ሓድሽ መጽናዕቲ ሓቢሩ

ሓደ ሰብ ሕማም ኮቪድ-19 ድሕሪ ምልካፉ፡ እቶም ዘማዕብሎም ጸረ-ኣካላት፡ ንሸሞንተ ኣዋርሕ ክጸንሑ ከምዝኽእሉ ሓድሽ ኣሜሪካዊ መጽናዕቲ፡ ኣብ “ሳይነስ” ዝተባህለ መጽሔት ከምዘሕተመ SVT ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ሓቢሩ። ንቫይረስ ኮሮና ንምክልኻል፡ ኣካላት’ቲ ሕሙም፡ ጸረ-ኣካላት ዘፍርዩ ቢ ዝተባህሉ ዋህዮታትን (B cells) ነቶም ብቫይረስ ዝተጠቕዑ ዋህዮታት ዝቐትሉ፡ ክልተ ዓይነት ቲ ዝበሃሉ ዋህዮታት (T cells) ብምፍራይ ምሉእ ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ከምዘጥሪ እቲ መጽናዕቲ ሓቢሩ። …

Read More »

ሓላፊት ምምሕዳር ከተማ ሶልቨስቦሪ፡ ሒጃብ ትኽልክል ቀዳመይቲ ምምሕዳር ከተማ ክንከውን ንደሊ ኢና ትብል

ሓላፊት ምምሕዳር ከተማ ሶልቨስቦሪ፡ ልዊዛ ኤሪክሰን፡ ኣብ መባእታን ማእከላይን ቤት ትምህርታት፡ ናይ ዓበይቲ ትምህርት ዝመሃሩን ሰራሕተኛታት ምምሕዳር ከተማ ዝሰርሑን ሒጃብ ንኸይክደኑ ዝኽልክል ሕጊ ክተጽድቕ ትጽዕር ምህላዋ ገሊጻ ክብል መርበብ ሓበሬታ ኤክስፕረሰን ሓቢሩ። ንጉዳይ ሒጃብ ዘይምኽዳን፡ ቅድሚ ሕጂ ብቤት ፍርዲ ዝተነጽገ ኮይኑ፡ ነዚ ውሳኔ ብኸመይ ኣገባብ ከምንቕይሮ ንፈልጥ ኢና ክትብል ናይ ቅድም በዓልቲ ቤት ሓላፊ ሰልፊ ስቬርያ ዲሞክራትና ዝኾነት ልዊዛ ኤሪክሰን …

Read More »

ትራምፕ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ባይቶ ኣመሪካ ዝተገብረ መጥቃዕቲ ኮኒኑ

ፕረዚደንት ኣሜሪካ፡ ዶርናልድ ትራምፕ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ልዕሊ ህንጻ ባይቶ ኣመሪካ (ህንጻ ካፒቶል) ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣመልኪቱ፡  ዘይዕግበቱ ብምግላጽ፡ እዚ ጉድለት ሕጊን ስርዓትን ስለዝኾነ ኣብ ልዕሊ እቶም ፈጸምቲ፡ ዝግባእ ስጉምቲ ክውሰድ ምዃኑ ኣዘኻኺሩ። ናሽናል ጋርድን ፈደራላዊ ኣኽበርቲ ጸጥታን ብቕጽበት ብምልኣኽ ነቲ ህንጻ ከውሕስዎን ነቶም ፈጠርቲ እምባጋሮ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ከምዘእትዎም ጌረ ክብል ትራምፕ ንመርበብ ኣልሑራ ሓቢሩ። ንሱ፡ እዞም ኣድመኛታት ኣይውክሉናን እዮም፡  …

Read More »

መንግስቲ ኤርትራ፡ ኣብ ኲናት ሕድሕድ ኢትዮጵያ ከምዝተሳተፈ፡ ሰብ መዚ ኢትዮጵያ ኣረጋጊጾም

መንግስቲ ኤርትራ፡ ብወታሃደራዊ መገዲ ኣብቲ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኣብ መሬት ትግራይ፡ ዝተኻየደን ዝካየድ ዘሎ ዉግእ ሕድሕድ ብሙሉእነት ከምዝተሳተፈ ሰብ መዚ ሰልፊ ብልጽግናን መራሕቲ ሰራዊት ኢትዮጵያን ብወግዒ ሓቢሮም። ብመሰረት እቲ ሓበሬታ መራሕቲ ሰልፊ ብልጽግናን ሰራዊት ኢትዮጵያን ካብ ህዝቢ ትግራይ ንዝቐረበ ተኸታታሊ ሕቶ ንምምላሽ ኣብ ዝሃብዎ ወግዓዊ መልሲ ከምዝኾነ እቲ ሓበሬታ ኣነጺሩ። ከንቲባ ከተማ መቐለ ከምኡ እዉን ኣዛዚ ሰራዊት ሰሜን እዝ ኢትዮጵያ ብሓባር …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com