Friday , April 26 2024

መንግስቲ ሽወደን፡ ንዝተናውሐ ምልክታት ለበዳ ኮሮና ንምጽናዕ 50 ሚልዮን ክሮና ይምድብ

መንግስቲ ሽወደን፡ ዝተናውሐ ምልክታት ኮሮና ንምጽናዕ ናይ 50 ሚልዮን ክሮና ከም ዝመደበ ተገሊጹ። እዚ መጠን ገንዘብ፡ ስለምንታይ ገለ ሰባት ንነዊሕ እዋን ምልክታት ሕማም ኮሮና የርእዩን ብኸመይ የጋጥሙን ብኸመይ ክፍወሱ ይኽእሉ ንዝብል ዝውዕል እዩ ክብል ሬድዮ ሽወደን ሓቢሩ።

መንግስቲ ሽወደን፡ ነዚ ሓድሽ እማመ፡ ኣብቲ ዝተመሓየሸ በጀት ዝጠቓለል ኮይኑ፡ ኣብ ወርሒ ጥሪ፡ ብባይቶ ሽወደን ዝውሰን እዩ ክብል ገሊጹ።

ማእከል ሕክምናውን ማሕበራውን ገምጋም ሽወደን (SBU)፡ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ኣብ ገሊኦም ሰባት ንልዕሊ 6 ሳምንታት ድሕሪ መልከፍቲ ዝጸንሐ፡ ዝተናውሑ ምልክታት ሕማም ኮቪድ-19 ከም ዘርእዩ ገሊጹ ኔሩ። እዚ ማእከል፡ ንዓይነታት ናይዞም ምልክታት ክውስን እኳ እንተተጸገመ ህላዌኦም ምርግጋጹ ዝፍለጥ እዩ።

ነዚ ጉዳይ ብዝምልከት፡ ኣብ ቻይና ዝተገበረ ሓድሽ መጽናዕቲ፡ ኣቓልቦ ሰብ መዚ ሽወደን ዝሰሓበ ምንባሩን፡ እቶም ዝተናውሑ ዝተባህሉ ምልክታት ኮሮና ድማ ኣካላዊ ድኻም፡ ሕጽረት ምስትንፋስ፡ ድኹም ስምዒት ሽታ፡ ቃንዛ ኣፍልቢ፡ ጭንቀትን ዘጠቓልል እዩ ክብል ጸብጻባት እቲ መጽናዕቲ ይሕብሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com