Thursday , May 2 2024

ዜና

ሽወደን፡ ንሓደ ሩስያዊ ዲፕሎማሰኛ ሰጒጓ

ኣብ ሩስያ ድሕሪ ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊ ተኸቲሉ፡ ሩስያ ንሓደ ሽወደናዊ ዲፕሎማሰኛ ድሕሪ ምብራራ፡ ሽወደን፡ ብተመሳሳሊ መንገዲ ንሓደ ሩስያዊ ዲፕሎማሰኛ ምስጓጓ ተገሊጹ። ሽወደን፡ ንሓደ ኣብ ኤምባሲ ሩስያ ዝሰርሕ ዲፕሎማሰኛ ካብ ሃገራ ክወጽእ  ከምዝሓበረት ኣምባሳደር ሩስያ ነጊሩና። ሩስያ፡ ንሓደ ስርሑ ጥራይ ኣብ ምዕማም ዝርከብ ንዝነበረ ዲፕሎማሰኛ ድሕሪ ምብራሮም ዝሃብናዮም ንጹር መልሲ እዩ ክትብል ሽወደን ሓቢራ። ጀርመንን ፖላንድን ብወገነን፡ ካብ ሩስያ ንዘጋጠመን ተመሳሳሊ …

Read More »

ፌስቡክ፡ ኣንጻር ግጉይ ሓበሬታታት ኮሮና ንምቅላስ፡ ኣገባባቱ የሐይል

ኣብ ናይ ፌስቡክ ሒሳባትን ኣብ ኢንስተግራምን ብዛዕባ ቫይረስ ኮሮና ዝዝርግሑ ግጉያት ሓበሬታታት ንምስራዝ (ንምእላይ)፡ ኩባንያ ፌስ ቡክ፡ ዝርዝር ናይቶም ግጉያት ሓበሬታታት ዝብሎም ከምዘስፈሐ ኣፍሊጡ። እቶም ዝርዝር ግጉይ ሓበሬታ ዝበሃሉ፡ ከም “ኮቪድ-19 ስርሓት ናይ ሰብ እዩ”፡ “ ክታበት ጸረ ኮሮና ኣድማዕነት የብሉን”፡ “ካብ ክታበት ኮሮና፡ ሕማም ኮቪድ-19 ዝያዳ ውሕስነት ኣለዎ”፡ “ ክታበት ኮሮና፡ መርዛምን ንጥዕና ወዲ ሰብ ጎዳእን እዩ” ዝብሉን ካልእን …

Read More »

መንግስቲ ሽወደን፡ ኣብ ልዕሊ ኣገልግሎት ህዝባዊ መጓዓዝያታት፡ ዝተረሩ ቀይድታት ከመሓላልፍ ይዳሎ

ስፖርታዊ ቅነ ኣብ ሽወደን፡ ኣብ ቀረባ እዋን ክጅምር እዩ። ነዚ ተኸቲሉ መንግስቲ ሽወደን፡ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና ንምግታእ፡ ኣብ ልዕሊ ናብ ርሑቕ ቦታታት ዝንቀሳቐሳ ህዛባዊ መጓዓዝያታት፡ ኣውቶቡሳትን ባቡራት፡ ዝተረሩ ሓደስቲ ቀይድታት ከመሓላልፍ ወሲኑ ከምዘሎ ኣፍሊጡ። ኣብዘን ባቡራትን ኣውቶቡሳትን ዝሳፈሩ ተጓዓዝቲ፡ ቁጽሮም ውሱን ክኸውን እዩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ሚኒስተር ማሕበራዊ ጉዳያት፡ ሊና ሃሊንግሪን፡ ከምኡ ውን ሚኒስተር ትሕተ ቅርጺ፡ ቶማስ ኢኒሮስ፡ …

Read More »

ኣብ ማሕበራዊ ጉዳያት ዝሰርሕ ሓላፊ፡ ብሰንኪ ክታበት ኮሮና፡ ካብ ስራሕ ደስኪሉ

ብዙሓት ኣብ ምምሕዳር ከተማ ስቶክሆሎም ዝርከቡ ሰብ መዚ፡ ክታበት ኮሮና ኣብ ዘይተራኦም ( መስርዖም ) ብቐዳምነት ድክሰዱ ከምዝጸንሑ ጋዜጣ ኣፍቶንብላደት ሓቢሩ። ሕጂ ድማ ኣብ ማሕበራዊ ጉዳያት ዝሰርሕ ሓላፊ፡ ተመሳሳሊ ዓይነት ጉድለት ብምፍጻሙ፡ ካብ ስራሕ ከምዝደስከለ ተፈሊጡ ኣሎ። እዚ ከምዚ ዓይነት ጉድለት ምግባሮም፡ ኣድልዎ ወይ ኣፈላላይ ዘለዎ ኣይኮነን ክብል ዳይረክተር ምምሕዳር ከተማ ምስታ ጋዜጣ ኣብ ዘካየዶ ርክብ ገሊጹ። ዳይሬክተር ምምሕዳር ከተማ፡ …

Read More »

Harmony media News – ዜና ሃርሞኒ 08 የካቲት 2021

Read More »

Harmony media News 05/02/2021

Read More »

በዓል መዚ ህዝባዊ ጥዕና፡ ክታበት ንዘይደልዩ ሰባት፡ ምስክር ወረቐት ከዳልወሎም እዩ

በዓል መዚ ኣገልግሎት ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን፡ ነቶም ክታበት ኮሮና ክወስዱ ዘይደልዩ ሰባትን እቶም ጌና ክታበት ዘይወሰዱ ኮይኖም ግን ድማ ካብ ሽወደን ወጻኢ ክገሹ ንዝደልዩ ሰባትን ምስክር ወረቐት ኣዳልዩ ክህቦም ምዃኑ ሓቢሩ። ነቶም ክታበት ኮሮና ክኽተቡ ዘይክእሉ ሰባት ብዝምልከት፡ ዝተዳለወ ፍሉይ ምስክር ወረቐት ክወሃቡ ምዃኖምን ኣብ ዝገሹሉ እዋን፡ ናብታ ሃገር ናይ ምእታው  ውሳኔ፡ በታ ተቐባሊት ሃገር ይውሰን ክብል ዳይሬክተር ጀነራል ህዝባዊ …

Read More »

ኣገልግሎት ህዝባዊ መጓዓዝያ፡ ናይ 15 ቢልዮን ክሩና፡ ክሳራታት ከጋጥሞ ከምዝኽእል ገምጋማት ይሕብሩ

ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና ብዘስዓቦ ቁጠባዊ ቅልውላው፡ በዓል መዚ ኣገልግሎት ህዝባዊ መጓዓዝያ፡ ናይ 15 ቢልዮን ክሩና፡ ክሳራ ከጋጥሞ ከምዝኽእል ካብቲ በዓል መዚ ዝተረኽበ ሓድሽ ፋይናንሳዊ ገምጋም ይሕብር። ኣብ መላእ ሃገር ዝካየድ ኣገልግሎት ህዝባዊ መጓዓዝያ ሓላፍነትና ስለዝኾነ፡ ንኸይቋርጽ ብዘለና ዓቕሚ ንሰርሕ’ኳ እንተሃለና፡ ክሳብ’ዚ ሕጂ እዋን ግን፡ ካብ መንግስቲ ዝረኸብናዮ ሓገዝ የለን ክብል ሓላፊ ምምሕዳር’ቲ በዓልመዚ ክሪስቶፈር  ታምሶንዝ ንሬድዮ ኢኮት ሓቢሩ። ህዝባዊ መጓዓዝያ፡ …

Read More »

Harmony Media ዜና መጽሔት 04 ለካቲት 2021

Read More »

ማልመ፡ ሓንቲ ቤት ትምህርቲ፡ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮና ተዓጽያ

ብምኽንያት ለበዳ ኮሮና፡ ምምሕዳር ከተማ ማልመ፡ ኣብ ደቡባዊ ሸነኽ እታ ከተማ እትርከብ መባእታ ቤት ትምህርቲ ሱንደስብሮስኮላን ምዕጻዋ ተፈሊጡ። ኣገልግሎት ዜና TT ንጋዜጣ ሲድ ስቨንስካ ብምጥቃስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ 800 ተመሃሮ ክሳብ ዝመጽእ ሰኑይ ኣብ ቤቶም ክጸንሑ ወሲኑ’ሎ። ሲሶ ዝኾኑ ሰራሕተኛታት፡ ኣብ ስራሕ ከም ዘይተረኽቡን ካብ ተመሃሮ ድማ ክሳብ ፍርቂ ዝኾኑ በዚ ተጸልዮም ካብ መኣዲ ትምህርቲ ከም ዝቦኸሩ ተፈሊጡ። ምምሕዳር ከተማ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com