Thursday , May 2 2024

ዜና

ናብ ደሴታት ካናሪ ተምርሕ ዝነበረት፡ ስደተኛታት ዝጸዓነት ጃልባ፡ ትጥሕል

ናብ ደሴታት ካናሪ ተምርሕ ዝነበረት፡ ስደተኛታት ዝጸዓነት ጃልባ፡ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ብምጥሓላ፡ ሓሙሽተ ሰባት ከምዝሞቱን ዛጊት፡ ናይ ሓደ ሰብ ሬሳ ጥራይ ተረኺቡ ከምዘሎ ሓለዋ ገማግም ባሕሪ እስፓኛ ሓቢሮም ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ኣብታ ጃልባ፡ ኣስታት 40 ዝኾኑ ስደተኛታት፡ ዝሓሸ መጻኢ ንኽደልዩ፡ ካብ ኣህጉር ኣፍሪቃ፡ ተበጊሶም ከምዝነበሩ ተፈጢሩ። ይኹን እምበር፡ ኣርባዕተ ሰባት፡ ክሳብ ሕጂ ሬሰኦም ዘይተረኽበ ከምዘሎ ተፈልጡ። እቶም ዝደሓኑ …

Read More »

ኣመሪካ፡ ዝተኸትቡ ሰባት፡ ብዘይ ማስክ ክራኸቡ ይኽእሉ እዮም ኢላ

ማእከል ምቊጽጻርን ምክልኻልን ሕማማት ኣመሪካ፡ ዝተኸትቡ ሰባት፡ ናብ ንቡር ህይወት ክምለሱ እዮም ምባሉ ቢቢሲ ሓቢራ። ብመሰረት እዚ ሓድሽ መምርሒ፡ ክትባት ዝወሰዱ ሰባት፡ ምስ ካልኦት ክትባት ዝወሰዱን ዘይወሰዱን ንቡር ርክባት ክፍጽሙ ይኽእሉ እዮም። ድሕሪ ክትባት ክልተ ሰሙን ምስ ሓለፈ፡ ሰባት በዚ ሕማም ከይልከፉ ስግኣት ክህልዎም ከምዘይግባእ፡ እዚ ማእከል ሓቢሩ’ሎ። ልዕሊ 30 ሚልዮን ኣመሪካውያን፡ ምሉእ ክትባት ምውሳዶም ተገሊጹ’ሎ። ሓይሊ ዕማም ምክልኻል ኮሮና …

Read More »

ፖሊስ ቤልጁም፡ ኣብ ልዕሊ ኣስገርቲ ዕጸ ፋርስ፡ ስርሒት ፈጺሙ

ፖሊስ ቤልጁም፡ ኣብታ ናይ ኤውሮፓ፡ ኣፍደገ ዕጸ ፋርስ ብፍላይ ድማ ኮኬን፡ ዝኾነት ቤልጂማዊት ወደባዊት ከተማ ኣንትዜርፕ (Antwerp) ዝለዓለ ኣተኩርኡ ብምግባር፡ ኣብ ልዕሊ ኣስገርቲ ዕጸ ፋርስ፡ ብሃገር ደረጃ፡ ክሳብ ወጋሕታ ኣብ ዘነበረ እዋን፡ ስርሒት ሃድን ከምዘካየደ ሓቢሩ። ኣብቲ ዝተኻየደ ስርሒት፡ 1500 ኣባላት ፖሊስ ክሳተፉ እንከለዉ፡ ኣብ 200 ቦታታት ድማ ተፍቲሽ ኣካይዶም። ከምውጽኡቱ ድማ ልዕሊ 12 ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ክኣትዉ ከምዝኸኣሉ፡ …

Read More »

130 ቶን ነዳዲ ዝጸዓነት መርከብ፡ ኣብ ገማግም ሞሪሸስ፡ ዓርያ (መሬት ተንኪፋ)

ሓንቲ 130 ቶን ነዳዲ ዝጸዓነትን ናይ ቻይና ባንዴራ እተንበልብልን መርከብ ኣብ ገምገም እኩባት ደሴታት ህንዳዊ ውቅያኖስ ድሕሪ ምዕራያ ፡ ሃገረ ሞሪሸስ፡ ናብቲ ቦታ ሓለዋ ገማግም ምውፋራ ተገሊጹ። ኣብ ገማግም ሞሪሸስ፡ ምብልሻው መርከብን ምፍሳስ ነዳዲ ዘይትን ከጋጥም ኣብ ዝሓለፈ ዓመት እዚ ንኻልኣይ ግዜኡ ምዃኑ ኣልጀዚራ ጸብጺባ። ኣብ ዝሓለፈ ሓምለ ኣብ ገማግም እታ ሃገር ብዘጋጠመ ምብልሻው መርከብ 1000 ቶን ነዳዲ ናብ ማያታ …

Read More »

ብፈተነ ቅትለት፡ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትያ

ሎሚ ሰሉስ ዕለት 09/03/2021፡ ኣብ ከባቢ ሰዓት 6:00 ቅ.ቐ፡ ሓደ ኣብ ዕስራታት ዝዕድሚኡ መንእሰይ፡ ተሃሪሙ (ተጎዲኡ) ኣለኹ ብምባል፡ ናብ ፖሊስ ሃልስቤሪ (Hallsberg) ከምዝደወለ ወሃቢ ቃል ፖሊስ፡ ጋብሪኤል ሄኒን፡ ሓቢሩ። ፖሊስ ናብቲ ቦታ ፍጻሜ ምስ በጽሑ፡ እቲ መንእሰይ ብኸቢድ ተሃስዮ ከምዘሎ ተገንዚቦም ተቐላጢፎም ብኣምቡላንስ ናብ ሕክምና ከምዝኸይድ ገይሮም። ኣብ ሕክምና ምስ በጽሐ ድማ እቶም ሓካይም ተቐላጢፎም ሓገዝ ድሕሪ ምሃቦም፡ እዚ መንእሰይ …

Read More »

ቤት ጽሕፈት ስታትስቲክስ ሽወደን (SCB)፡ ዘገምታዊ ቁጠባዊ ምምሕያሽ ይረአ ኣሎ ኢሉ

ኣብ ወርሒጥሪ 2021፡ መጠን ጥፈታት ቁጠባ ሽወደን፡ ምስቲ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2020 ዝነበረ ክነጻጸር እንከሎ፡ ብ0.9% ዕቤት ከምዘርኣየ መባእታዊ ጸብጻባት ቤት ጽሕፈት ስታትስቲክስ ሽወደን (SCB) ሓቢሮም ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። እዚ መጠን ዕብየት፡ ነቲ ንልዕሊ ክልተ ኣዋርሕ ኣንቆልቊሉ ዝጸንሐ’ሞ ኣብ ወርሒ ጥሪ ወሰኽ ዘርኣየ ዕዳጋታት ኣባይቲ ዘጠቓለለ ምንባሩ እቲ ጸብጻብ ብምውሳኽ ይገልጽ። ኣብ ወርሒ ጥሪ ዝተራእየ ቁጠባዊ ዕብየት፡ ካብ …

Read More »

Harmony Media News 08/03/2021

Read More »

መራሒ ተቛዋሚ ሰልፊ ሰኒጋል፡ ካብ ቤት ማእሰርቲ ክልቀቕ ምዃኑ ተሓቢሩ

መራሒ ተቛዋሚ ሰልፊ ሰኒጋል፡ ዑስማነ ሶንኮ፡ ካብ ቤት ማእሰርቲ ክልቀቕ ምዃኑ ኣብ ርእሰ ከተማ ሰኒጋል፡ ዳካር፡ ዝርከብ ዳኛ እኳ እንተ ሓበረ፡ እቲ ኣብ ልዕሊኡ ተላዒሉ ዘሎ ክሲ፡ ጾታዊ ዓመጽ፡ ግን ወግዓዊ ከምዝኾነን ንዕኡ ብዝምልከት ድማ፡ መርመራታት ክቕጽሉ ምዃኖም ኣፍሊጡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ዝሓለፈ ሰሙን፡ ሶንኮ፡ ብምጥሓስ መምርሒታት ኮሮና፡ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝኣተወን ኣብኡ እንከሎ ድማ ክሲ ጾታዊ ዓመጽ …

Read More »

ቢልዮኔር ኣባል ባይቶ ፈረንሳ፡ ብሓደጋ ሞይቱ

ፈረንሳዊ ፖለቲከኛን ቢልዮኔርን፡ ኦሊቭዬር ዳሰልት፡ ብምኽንያት ሓደጋ ሄሊኮፕተር ምሟቱ ምንጭታት ባይቶ እታ ሃገር ኣመልኪቶም። ዳሰልት፡ ብናይ ውልቁ ሄሊኮፕተር ክዘናጋዕ ናብ ዞባ ኖርማንዲ እናኸደ ብዘጋጠመ ምሕምሻሽ፡ እዩ ሞይቱ ክብሉ ምንጪታት ፖሊስ ገሊጾም ኣለዉ። ፕረሲደንት ፈረንሳ፡ ኢማኑኤል ማርኮን፡ ኣብ ዝሰደዶ ናይ ትዊተር መልእኽቲ “ደሳልት ደኺመ ከይበለ ንሃገሩ ዘገልገለ ሰብ እዩ ኔሩ፡ ሞቱ፡ ንፈረንሳ ዓብዪ ክሳራ እዩ ክብል ገሊጽዎ። ኣብታ ሄሊኮፕተር፡ ንሱን መራሕ’ታ …

Read More »

የመን. . . ብስዑዲ ዝምራሕ ልፍንቲ ንጉጅለ ሑቲ የጥቅዕ

ብስዑዲ ዓረብ ዝምራሕ ልፍንቲ፡ ትማሊ ሰንበት፡ ነታ ብኢራን ይሕገዝ እዩ ዝበሃል ዕጡቕ ጉጅለ ሑቲ፡ ዝተቘጻጸራ ከተማ ሰንዓን ካልኦት ዓድታትን ብነፈርቲ ምድብዳቡ ድምጺ ኣመሪካ ኣቃሊሑ። እዚ መጥቃዕቲ፡ ነቲ ወተሃደራውን ትካላት ነዳድን ዘይትን ስዑዲ፡ ዕላማ ዝገበረ ናይ ድሮን መጥቃዕቲ ግብረ መልሲ ንምሃብ እዩ ተባሂሉ’ሎ። ንሲቪልን ሲቪላውያን ትካላትን ዕላማ ዝገብር ፍጹም ኣይንጻወርን ኢና ዝብል መርገጺ ስዑዲ ዓረብ ምዃኑ ኣፈኛ እቲ ልፍንቲ፡ ቱርኪ ኣልማሊኪ፡ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com