Thursday , May 2 2024

ዜና

34 ሰባት፡ ኣብ ገማግም ጅቡቲ ጥሒሎም

ካብ ገማግም ሃገረ ጅቡቲ ብመንገዲ ባሕሪ ኣቢሎም  ናብ  ገማግም ሓውሲ ደሴት ዓረብ፡ ክሰግሩ ኣብ ዝፈተንሉ እዋን፡ ጃልበኦም ብምግምጣላ፡ ብውሑዱ 34 ሰባት፡ ጥሒሎም ከምዝሞቱ በዓል መዚ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት IMO ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። እዞም ሰባት፡ ብመንገዲ ዘይሕጋውያን ኣስገርቲ ኣቢሎም ናብ ገማግም ሓውሲ ደሴት ዓረብ ክኣትዉ ዝፍትኑ ዝነበሩ ምዃኖም ውን እቲ ጸብጻብ ሓቢሩ። ንዘይሕጋውያን ኣስገርቲ፡ ተኸታቲልካን ኣብ ትሕቲ …

Read More »

ቻይና፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝፈረዩ ክትባት፡ ትሑት ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ኣለዎ፡ ትብል

ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝፈሪ ዘሎ ክታበት ኮቪድ-19፡ ናይ ምክልኻል ዓቕሙ ትሑት ምዃኑ ሓደ ላዕለዋይ በዓል መዚ ምቊጽጻር ሕማማት ቻይና ተኣሚኑ። ጋኦ ፉ፡ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ብቕዓት ናይቲ ክታበት ክብ ንምባል፡ ምስ ካልእ ባእታታት ክትሕውሶ ከም ዝኾነት እውን ሓቢሩ። ሃገረ ቻይና፡ ፍቓድ ዝረኸቡ ኣርባዕተ ዓይነታት ክትባት ጸረ ኮሮና እኳ እንተ ኣማዕበለት፡ ዛጊት ስሉጥነት እዞም ክታበት ትሕቲ 50% ከም ዝኾነ ተገሊጹ። …

Read More »

ምዕራብ ኣውስትራልያ፡ ብማዕበል ይናወጽ

ትሮፒካዊ ማዕበል ሰሮጃ፡ ናብ 1000 ኪሎሜትር ዝዝርጋሕ መሬት ምዕራብ ኣውስትራልያ ብምሽባብ ጒድኣት ከም ዘውረደ ተገሊጹ። እዚ ኣብ ሳልሳይ ደረጃ ዝተመደበ ማዕበል ንፋስ ዘኸተሎ ምጒሳዕ ውቅያኖስ፡ ኣብ ከተማ ካልባሪ ከም ዘጋጠመ እውን ጸብጻብ ቢቢሲ ኣመልኪቱ። እዚ ትማሊ ሰንበት ዘጋጠመ ማዕበል፡ 170 ኪሎሜትር ኣብ ሰዓት እናተሓንበበ ዝዝርጋሕ ምጒሳዕ ውቅያኖስ ከም ዘኸተለ ድማ ሓቢሩ። እቲ ማዕበል፡ ድሒሩ ህድእ እኳ እንተበለ፡ ሓያል መሸንቦባ ንፋስ …

Read More »

መጠን ሽቕለት ኣልቦነት ብውሑድ ደረጃ ይጎድል

መጠን ሽቕለት ኣልቦነት፡ ኣብ ሽወደን፡ በብቅሩብ ይትሕት ምህላዉን ዝሓለፈ ሰሙን፡ 6 ሽሕ ሓደስቲ ሰባት ከም ስራሕ ኣልቦ ከም ዝተመዝገቡን 10 ሽሕን 800 ሰባት፡ ስራሕ ወይ ድማ ትምህርቲ ከም ዝጀመሩ ካብ ቤት ጽሕፈት ኣርቤትስፎርሜድሊን ዝወጹ ጸብጻባት ገሊጾም ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ከም ውጻኢቱ ድማ ብዝሒ መጠን ኣልቦ ዝኾኑ ሰባት 437100 ምብጽሑን ካብቲ ዝነበሮ መጠን፡ ማለት 8.5%፡ ናብ  8.4% ምውራዱ ተፈሊጡ። …

Read More »

ተዋሳኢት ቢግ ብራዘር ኒኪ ግራሃም ዓሪፋ

ተዋሳኢት ተኸታታሊት ፊልም ተሌቪዥን “ቢግ ብራዘር” ኒኪ ግራሃም ኣብ መበል 38 ዓመታ ዓሪፋ። ብዘይስሩዕ ኣመጋግባ ክትሳቐ ዝጸንሐት ኒኪ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ሆስፒታል ክትእለ እያ ጸኒሓ። ማናጀር ኒኪ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል “ኒኪ ዝሓለፈ ዓርቢ ምሟታ እንክገልጽ ዓቢ ሓዘን ይስማዓኒ ኢሉ። “ሞት ኒኪ ግራሃም ኣመና እዩ ኣሰቢዱንን ኣሕዚኑንን፥ ኒኪ ዋዛ ዘይፍለያን ምጭውትን ተዋሳኢት እያ ኔራ። ንቤተሰባን መሓዙታን ምጽንናዕ እምነ” ክትብል ኣብ …

Read More »

ፍልቀት ዘመናዊ ሓንጎል ወዲሰብ: ኣብ ቀረባ እዋን ዝተፈጸመ እዩ ተባሂሉ

ዘይከምቲ ክንሓስቦ ዝጸናሕና፥ እዚ ሕጂ ዘሎ ዓብዪን ረቒቕን ሓንጎል ወዲሰብ ናይ ቀረባ እዋን ውጽኢት ፍልቀት እዩ ክብል ብሓሙስ ዝወጸ ሓድሽ መጽናዕቲ ኣመልኪቱ። ምናልባት ቅድሚ 1.5 ሚልዮን ዓመታት ኣብ ዝነበረ እዋን ብፍልቀት ዝማዕበለ ክኸውን ከም ዝኽእል ድማ ተገሊጹ። ቀዳሞት ዓሌት ወዲሰብ ካብ ህበይ መሰል ፍጥረት ቅድሚ 2.5 ሚልዮን ዓመታት ብፍልቀት ከም ዝማዕበሉ ዝፍለጥ ኮይኑ ሽዑ ዝንበሮም መጠን ሓንጎል ካብ ናይ ህበይ …

Read More »

ጥንታዊት ከተማ ግብጺ ብኹዕታ ተረኺባ

ንኣስታት 3000 ዓመታት ብሑጻ ምድረበድ ግብጺ ተቐቢራ ዝነበረት ጥንታዊት ከተማ ግብጺ ተረኺባ። እዚ ድሕሪ መቓብርን ቅርሲን ፈርኦን ቱታንካሙን እቲ ዝዓበየ ክኸውን ከም ዝኽእል ቢቢሲ ሓቢራ’ላ። ህቡብ ተመራማሪ ጥንታዊት ግብጺ (Egyptologist) ዛሂ ሓዋዝ እዛ ጥንታዊት ከተማ ኣብ ጥቓ ላቕዛር ብሓሙስ ከም እትረኽበት ገሊጹ። ዛጊት ብዂዕታ ካብ ዝተረኽባ ከተማታት እታ ዝዓበየት ከም ዝኾነት ድማ ኣመልኪቱ። ካብ መስከረም 2002 ኣትሒዙ ብዝተኻየደ ጥንቃቐ ዝመልኦ …

Read More »

ኣመሪካዊ ደራፋይ ራፕን ተዋሳኣይን DMX ዓሪፉ

ህቡብ ኣመሪካዊ ተጻዋታይ ራፕ ከምኡውን ተዋሳኣይ DMX ብሕማም ልቢ ኣብ መበል 50 ዓመቱ ዓሪፉ። እዚ ኮኾብ ናይ ሂፕሃፕ ኣርቲስት ከምኒ ራፍ ራይደርስ፥ ኣንተምን ፓርቲ ኣፕን ዝበላ ስርሓት ዘበርከተን ተሸላሚ ግራሚ ዝኾነ በዓል ብርቂ ድምጺ እዩ ኔሩ ክብል ዩሮ ኒውስ ሓቢሩ’ሎ። ሓቀኛ ስሙ አርል ሲሞንስ ዝኾነ DMX ብ ላይፍ ሳፓርት ተሓጊዙ ንብርክት ዝበላ መዓልታት እኳ ብህይወት እንተጸንሐ ክሰርር ኣይከኣለን። ኣብ ዋይት …

Read More »

ኣብ ፈረንሳ ዝጠንተወ ጽላት እምኒ ተረኺቡ

እዚ ጽላት እምኒ፡ ኣብ ዘመነ ኣስራዚ፡ እተሰርሐ ምዃኑን እቲ ዝጠንተወን ከም ዝኾነ ተገሊጹ’ሎ። 2 ሜትሮ ብ 1.5 ሜትሮ ዝንውሓቱ እዚ ጽላት፡ ኣብ ጥንታዊ ትሕተ ምድራዊ ክፍሊ ቤት መስፍን ከም እትረኽበ እቲ ጸብጻብ ቢቢሲ ኣመልኪቱ። እዚ 4000 ዓመት ከም ዝገበረ ዝተነግረሉ ጽላት፡ ንምዕራብ ብሪታኒ ዘመልክት ሕንጻጻት ካርታ ከም ዘለዎ፡ ነዚ ጽላት ዘጽንዑ ተመራመርቲ ስነጥንቲ ገሊጾም ኣለዉ። ሴንት ባሌክ ዝብል ስም እተዋህበ …

Read More »

ቤተ ክርስትያን እንግሊዝ፡ ንሓወልቲ ኣስራዚ በኒን ክትመልስ እያ

ቤተ ክርስትያን እንግሊዝ፡ ካብ ናይጀርያ እተረኽባ ክልተ ሓወልቲ ኣስራዚ፡ ናብ ሃገረን ክትመልስ ከም እተሰማምዐት ወኪል ቢቢሲ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ፡ በን ሁንት፡ ጸብጺቡ። እዞም ቅርስታት፡ ኣብ 1980 ካብ ትካላት ናይጀርያ ህያብ ተባሂሎም ዝተላእኩ ምንባሮም እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣመልኪቱ። ቤተክርስትያን ዓዲ እንግሊዝ፡ ነቶም ቅድሚ ሚእቲ ዓመት ብራስያን ካልእ ኣገባብን ካብ ኣፍሪቃ ዝወጹ ቅርሲታት ኣፍሪቃ፡ ናብ ሃገሮም ኣብ ምምላስ ዝሰርሑ ዘለዉ ትካላት መሪሕ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com