Friday , May 17 2024

ዜና

ኣመሪካ ብሰንኪ ኣብ ካሜሩን እተኸስተ ጎነጽ፡ ናይ መገሻ እገዳታት ኣንቢራ

ኣብቲ ብእንግሊዝኛ ዝዛረብ፡ ምዕራባዊ ክፋል ሃገረ ካሜሩን፡ ዝርከቡ ውሑዳት ውልቀ ሰባት፡ ኣብ ጎነጽ ተዋፊሮም ብዝብል ክሲ፡ ኣመሪካ፡ ኣብ ልዕሊኦም ናይ ቪዛ እገዳ ምንባራ ተገሊጹ። እዚ እናኾነ፡ ጸሓፊ ጒዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ ኣብ ካሜሩን ብዝካየድ ዘሎ ጎነጽ ከም እተሻቐለ ገሊጹ’ሎ። ኣብ ጎነጽ ብምውፋር ሰላምን ምርግጋእን ሰብኣዊ መሰላትን ዝዘርጒ ዘለዉ ባእታታት ብትሪ ንዂንን ኢና ዝበለ እቲ መግለጺ፡ ኣብ ልዕሊ ሰራሕተኛታት ሰብኣዊ መሰላት ዝወርድ …

Read More »

ንኣሽሓት ዓመታት በሪዱ ድሕሪ ምጽናሕ ዳግማይ ህይወት ዝሰዂዐ ፍጡር

ኣብ ሳይበርያ (ምብራቕ ሩስያ)፡ ብዙሓት ዋህዮታት ዘለዉዎ ኣዝዩ ደቂቕ (ማይክሮስኮፓዊ) ፍጥረት፡ ን 24 ሽሕ ዓመታት በሪዱ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ዳግማይ ህይወት ከም ዝሰዂዐ ሓድሽ ሳየንሳዊ ጸብጻብ ኣመልኪቱ። እዚ ዓሌት ብደሎይድ ሮቲፈ ዝኾነ ፍጡር፡ ካብቲ ኣብ ቀዝሒ በረዳት ውቅያኖስ ኣርክቲክ ዝርከብ፡ ቀላይ ኣላየዛ፡ ከም ዘውጽእዎ ጸብጻብ ቢቢሲ ይሕብር። እቲ በረድ ክሓቅቕ ምስ ጀመረ፡ እዚ ንዓሰርተታት ኣሽሓት ዓመታት ደስኪሉ ዝጸንሐ ፍጥረት፡ ብቐጥታ ባዕሉ …

Read More »

ሃገረ ብሪጣንያ፡ ክታበት ኣስትራ ዘነካ ንምምሕያሽ ዝርርብ ጀሚራ

ሃገረ ብሪጣንያን ኩባንያ ኣስትራ ዘነካን፡ ብዛዕባ ፍርያት’ቲ ኩባንያ ዝኾነ ክታበት ኣስትራ ዘነካ፡ ኣንጻር ሓደስቲ ጅራት ብፍላይ ድማ ኣንጻር ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ጅር ዘለዎ ኣድማዕነት ንምምሕያሽ ብዝምልከት ዝርርብ ከምዝጀምሩ ሚኒስተር ጥዕና ብሪጣንያ፡ ማት ሃንኮክ ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ሃገረ ብሪጣንያ፡ ካብ ኩባንያ ኣስትራ ዘነካ፡ 1 ሚእቲ ሚልዮን ብልቃጥ ክታበት ኣውሒሳ ከምዘላ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣንጻር እቲ ሓድሽ፡ ቤታ ጅር (B.1.351)፡ …

Read More »

ፍሬድሪክሰን፡ ጉዳይ ስለያ፡ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ክሲ እዩ ክትብል ነጺጋቶ

ኣብ ልዕሊ መሓዙትን ጎረባብትን ዝኾና ሃገራት፡ ምጽንጻን ክፍጸም ኣይግባእን። ቀዳመይቲ ሚኒስተር ሃገረ ዴኒማርክ፡ መተ ፍሬድሪክሰን፡ ነቲ መንግስቲ ኣሜሪካ፡ ብመንገዲ ዴኒማርክ ኣቢላ፡ ኣብ ልዕሊ ፖለቲከኛታት ሃገራት ኖርዲክን ኤውሮፓዊ ሕብረትን፡ ምጽንጻን ተካይድ ኣላ ዝብል ክሲ ኣመልኪታ መልሲ ከምዝሃበት ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ማዕከን ዜና ሽወደን፡ SVT፡ ነዚ ሓደገኛ ዝኾነ ሓበሬታ ምስ ኣቃለሐ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን፡ ስቴፋን ሎቪን፡ ፕረዚደንት ሃገረ ፈረንሳ፡ ኢማኑኤል ማክሮንን …

Read More »

ሃገረ ናይጀርያ ምስ ትዊተር ዝርርብ ጀሚራ

ሃገረ ናይጀርያ፡ ካብ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰንበት ጀሚራ፡ ንትዊተር ኣደስኪላ ድሕሪ ምጽናሕ ሕጂ ናብ ልዝብ ከም ዝኣተወት ተገሊጹ። ሚኒስተር ጒዳያት ወጻኢ እታ ሃገር፡ ጆፍሪ ኦንያማ፡ ንውጽኢት እዚ ልዝብ ተኸቲሉ ኣብ ውሳነ ክበጽሕ እዩ ኢሉ’ሎ። ውሳነ ናይጀርያ፡ ኣንጻር መሰል ናጽነት ምግላጽ ሓሳባት እዩ፡ ብምባል ዲፕሎማሰኛታት ምዕራባውያን ሃገራት፡ ተቓውሞኦም ገሊጾም ኣለዉ። ኣቐድም ኣቢሉ ትዊተር፡  ነቲ ፕረዚደንት እታ ሃገር ዘውጽኦ ጽሑፍ፡ ካብ ገጻቱ ክእለ …

Read More »

ኩባንያ ሞደርና፡ ፍርያቱ ዝኾነ ክታበት፡ ንትሕቲ ዕድመ ንኽወሃብ፡ ካብ ኤውሮፓዊ ሕብረት፡ ፍቓድ ሓቲቱ

ኣሜሪካዊ ኩባንያ ሞደርና፡ ነቶም ኣብ ክሊ ዕድመ 12 ክሳብ 17 ዓመት ዘለዉ ትሕቲ ዕድመ ዝኾኑ መንእስያት፡ ፍርያቱ ዝኾነ ክታበት ኮቪድ፡ ንክኽተቡ ዘኽእል፡ ካብ ኤውሮፓዊ ሕብረትን ካናዳን ፍቓድ ንኽወሃቦ ጠለብ ኣቕሪቡ ከምዘሎ ኣፍሊጡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ብዘይካ’ዚ፡ ኩባንያ ሞደርና፡ ኣብ ውሽጢ ኣሜሪካን ካልኦት ሃገራትን ውን፡ ንፍርያቱ፡ ከም ናይ ህጹጽ እዋን ሓደጋ ክታበት፡ ክጥቀምሉ ዘኽእል ፍቓድ ንኽወሃቦ ጠለብ ኣቕሪቡ ምህላዉ …

Read More »

ትካል ናሳ (NASA)፡ ናብ ፕላኔት ቬኑስ፡ ጉዕዞ ከካይድ ወሲኑ

ንፈለማ ግዜ፡ ኣብ ውሽጢ 30 ዓመታት፡ ትካል ናሳ፡ ናብታ ናብ ዓለምና ዝቐረበት ተባሂላ እትፍለጥ፡ ፕላኔት ቬኑስ፡ ኣብ ዓመተ 2028 ክሳብ 2030 ኣብ ዘሎ እዋን፡ ጉዕዞ ከካይድ ከምዝወሰነ ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። እቲ ትካል ኣብ ዘካይዶ ማንታ ጉዕዞ፡ ስለምንታይ እያ ፕላኔት ቬኑስ፡ ክሳብ ክንዲ’ዚ ጓህሪ ክትመስል ዝኸኣለትን ስለምንታይ’ከ፡ ማዕድን ነሓስ፡ ኣብ ዝባና ክመክኽ ዝኽእል፡ ንዝብሉ ሕቶታት መልሲ ንምርካብ ተባሂሉ …

Read More »

ሃገረ ፈረንሳ፡ ንትሕቲ ዕድመ መንእሰያት ዝኸውን ክታበት ኮሮና ትቕርብ

ንኹሎም ኣብ ክሊ ዕድመ 12 ክሳብ 18 ዓመት ዝርከቡ ትሕቲ ዕድመ ዝኾኑ መንእሰያት፡ ዝኸውን ጸረ ኮቪድ ክታበት፡ ካብ ዕለት 15 ሰነ 2021 ጀሚሩ ድሉው ክኸውን ምዃኑ ፕረዚደንት ኢማኑኤል ማክሮን ኣዊጁ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። 50% ካብ ልዕሊ ዕድመ ዝኾኑ ፈረንሳውያን፡ ብውሑዱ ሓንቲ እብረ ክታበት ኮቪድ ከምዝተኸትቡ፡ ማክሮን፡ ኣብ ከተማ ሳን ሰርክለፑፒ (Saint-Cirq-Lapopie) ምብጻሕ ኣብ ዘካየደሉ እዋን ኣብ ዝሃቦ ቃል …

Read More »

መራሒ ቦኮ ሓራም: ከም ዝሞተ ዳዕሽ ገሊጹ

መራሒ ግብረሽበራዊ ሓይሊ ቦኮ ሓራም፡ ኣቡበከር ሼካው ከም ዝሞተ፡ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ዝንቀሳቐስ ጒጅለ ዳዕሽ፡ ኣብ ዝዘርግሖ ናይ ድምጺ መልእኽቲ ገሊጹ። ኣብዚ ናብ ቢቢሲ ዝበጽሐ መልእኽቲ፡ ሼካው፡ ኣብ መንጐ ሚሊሻኡን ዳዕሽን ድሕሪ ዝተገብረ ኲናት ብፈንጂ ነፍሰ ቕትለት ምፍጻሙ ተገሊጹ’ሎ። መራሒ ዳዕሽ ምዕራብ ኣፍሪቃ፡ ኣቡሙስዓብ ኣልበርናዊ፡ ኣብቲ መልእክቱ “ሼካው ተናሲሑ ናብ ዳዕሽ ክጽንበር ብተደጋጋሚ እኳ እንተ ተማሕጸንናዮ ኣቕቢጹ፡ መወዳእትኡ ድማ ብዘሕፍር …

Read More »

ናይጀርያዊ ሰባኺ፡ TB Joshua ሞይቱ

ሓደ ካብቶም ኣዝዮም ጸለውቲ ኣፍሪቃያን ሰበኽቲ ዝኾነ ናይጀርያዊ ቲቢ ጆሹዋ፡ ኣብ መበል 57 ዕድሜኡ፡ ብቐዳም ከም ዝሞተ ተገሊጹ። 5 ሚልዮን ሰዓብቲ ዘለዉዋ ናይ ፌስቡክ ገጹ፡ ኣምላኽ ንኣገልጋሊኡ ወሲድዎ ኣሎ ክትብል ዕረፍቱ ሓቢራ’ላ። ሰዓታት ቀቅድሚ ሞቱ ብቐጥታ ዝመሓላለፍ ናይ ስብከት ኣገልግሎት ከም ዝሃበ ዝገለጸ እቲ ሓበሬታ ምኽንያት ሞቱ ዛጊት ኣይተረጋገጸን ኣሎ ኢሉ። ላዕለዎት ፖለቲከኛታት ኣፍሪቃ፡ ዝርከብዎም ዓሰርተታት ኣሽሓት ሰባት፡ ኣብ ቀብሩ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com