Friday , May 3 2024

ዜና

ሃገረ ፖርቱጋል፡ ኣፍደገኣ ንበጻሕቲ ትኸፍት

ሃገረ ፖርቱጋል፡ ካብ ሎሚ ሰኑይ ዕለት 17 ግንቦት ጀሚራ፡ ብጀካ ንውሱናት፡ ንኹሎም ናብ ሃገራ ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት  ክኣትዉ ዝደልዮ በጻሕቲ ዜጋታት ኤውሮፓዊ ሕብረት፡ ኣፍደጊኣ ክፉት ምዃኑ ሓቢራ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ናብ ሃገረ ፖርቱጋል፡ ብኣገዳሲ ምኽንያት ጥራይ ክኣትዉ ዝፍቀደሎም፡ ዜጋታት ናይተን መጠነ መልከፍቲ ኮሮና ልዕሊ 500 ኣብ ነፍሲ ወከፍ 100 ሽሕ ሰባት ዘጋጥመን ሃገራት እዮም። እዘን ሃገራት ድማ፡ ሳይፕረስ፡ ክሮኤሻ፡ …

Read More »

ቴሌ 2፡ ናይ ኣገልግሎት ጸገማት ኣጓኒፍዎ

ትማሊ ሰንበት ኣብ ከባቢ ሰዓት 9 ድ.ቐ.፡ ኣገልግሎት ቴሌ 2 (Tele2) ተሰናኺሉ ምንባሩን ብፍላይ ድማ እቶም ኣገልግሎት ኮምሄም ዝጥቀሙ ዓማዊል፡ ጸገማት ከም ዘጋጠሞም፡ እቲ ትካል ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። እቲ ጸገም፡ ኣብ መላእ ሽወደን ዘጓነፈ ምንባሩን፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ግን ዝበዝሑ ዓማዊል ብዘይ ጸገም ክግልግሉ ክኽእሉ እዮም ክብል፡ ሓላፊ መራኸቢታት ቴሌ 2፡ ጆወል ኢብሶን፡ ትማሊ ሰዓት 11 ድ.ቐ. …

Read More »

ሓንቲ ስእሊ ናይ ፒካሶ፡ ብ 100 ሚልዮን ዶላር፡ ተሸይጣ

ኣብ መስኮት ኮፍ ዝበለት ሰበይቲ (ወይ ማቲተሬሳ) ብዝብል ስም እትፍለጥ ስእሊ፡ ፓብሎ ፒካሶ፡ 100 ሚልዮን ዶላር ከም እተሸጠት ተገሊጹ። ብ 9 ኣሃዛት ካብ እተሸጣ ስእልታት ፒካሶ፡ መበል ሓሙሸይቲ ምዃና ድማ ኣብ ዓውደ ስነጥበብ ዝነጥፉ ክኢላታት ይገልጹ። ኣጫረትቲ እታ ስእሊ፡ እንተ በዝሐ፡ 55 ሚልዮን ክትሽየጥ እያ ዝብል ግምት እኳ እንተነበሮም፡ ብዳርጋ ዕጽፊ ግምቶም ከም ዝተገዝአት ገሊጾም ኣለዉ። እዛ ስእሊ፡ ን 19 …

Read More »

ዋና ኣሰናዳኢ ጉዳያት ሃይማኖት ማዕከን ቢቢሲ፡ ማርቲን በሺር፡ ካብ ስርሑ ተሰናቢቱ

58 ዝዕድሜኡ ኣሰናዳኢ ጒዳያት ሃይማኖት ማዕከን ዜና ቢቢሲ፡ ማርቲን በሺር፡ ብጒዳይ ጥዕናኡ ካብ ስርሑ ከም እተሰናበተ ተገሊጹ። ንሱ ካብ 2016 ኣትሒዙ፡ ኣብ ከም ፓኖራማ ዝኣመሰሉ ፕሮግራማት ቢቢሲ ክሰርሕ ጸኒሑ’ሎ። ንሱ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ጀሚሩ ብምኽንያት ጸገማት ጥዕናኡ፡ ካብ ስርሑ ክለቅቕ ምዃኑ ነቲ ኮርፖሬሽን ከም ዘፍለጦ ምክትል ዳይረክተር ክፍሊ ዜና ቢቢሲ፡ ጆናታን ሙንሮ፡ ገሊጹ። “ብቕልጡፍ ናብ ጥዕናኡ ክምለስ ንምነየሉ” ድማ ኢሉ። …

Read More »

ኣብ ህንዲ፡ 18 ሓራምዝ ብበርቂ ተቐቲሎም ተባሂሉ

ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ህንዲ፡ ግዝኣት ኣሳም፡ 18 ሓራምዝ ሞይቶም ከም እተረኽቡን ምኽንያት ሞቶም ድማ በርቂ ክኸውን ከም ዝኽእልን ጥርጣረ ከም ዘሕደረ፡ ሰብመዚ፡ እቲ ከባቢ ገሊጾም ኣለዉ። ዝሓለፈ ሓሙስ፡ ዓሰርተ ኣርባዕተ እዂላት ሓራምዝን ካልኦት ኣርባዕተ ድማ ኣብ ፈቐዶ ኲጀት ወዲቖም ከም ዝጸንሕዎም እቶም ደቂ ዓዲ ገሊጾም ኣለዉ። ሰብ መዚ ዕቀባ ኣግራብ እታ ሃገር፡ ናብቲ ቦታ ብምብጻሕ ነቲ ኲነታት ይከታተልዎ ምህላዎም ገሊጾም …

Read More »

ኣብ ኬንያ፡ ነቲ ናይ ህንዲ ዝመሳሰል ጅር ኮቪድ-19፡ ከም እተራየ ተገሊጹ

ኬንያ 15 ተወሰኽቲ ግዳያት ጅር ኮሮና ህንዲ ምርካባ ገሊጻ’ላ። ኣብ ሚኒስትሪ ጥዕና ዝሰርሕ ዶ/ር ራሺድ ኣማን ጠቕላላ ቊጽሪ ሕሙማት እዚ ጅር ህንዲ 20 ምብጽሑ ኣመልኪቱ። “እዚ ሓድሽ ዓሌት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን 17 ናብ ህንዲ ገይሾም ካብ ዝነበሩ ሰባት ዝተወሰደ ሳምፕላት ድሕሪ ዝተኻየደ መርመራ ጂን ምዃኑ ዶክተር ኣማን ገሊጹ’ሎ። እዚ B.1.617 ዝተባህለ ጅር ኣብ ህንዲ 20 ሚልዮን ሰባት ግዳይ ሕማምን ሞትን …

Read More »

ቤት ፍርዲ ካሜሩን፡ ንክልተ ትራንስጀንደር ኣብ ግብረሰዶማዊ ህይወት ኣትየን ብዝብል ንሓሙሽተ ዓመታት ማእሰርቲ ፈሪዱወን

ጾታዊ ሕጊ ጥሒሰን ዝተባህላ ክልተ ትራንስጀንደር ደቀንስትዮ ካሜሩን ንሓሙሽተ ዓመታት ተፈሪደን። ኣኽባር ሕጊ እታ ሃገር እዘን ደቀንስትዮ ግብረሰዶማዊ ህይወት ብምፍታነንን ንባህሊ ጭውነት ህዝቢ ብምርኻሰንን እየን እዚ ፍርዲ ተዋሂብወን ዘሎ ኢሉ’ሎ። ሓንቲ ካብዚኣተን ሻኪሮ ብዝብል ስም እትፍለጥ ናይ ዩትዩብ ኣክቲቪስት እያ። ካሜሩን ንግብረሰዶም ካብ ዝቐጽዓ 31 ሃገራት ሓንቲ እያ።

Read More »

ካስተር ሰመንያ፡ ብዘርኣየቶ ሸለልትነት፡ ተቐጺዓ

ክልተ ሳዕ ተዓዋቲት ኦሎምፒክ ዝኾነት ካስተር ሰመንያ ብሸለልትነት መኪና ክትመርሕ ስለ እተረኽበት ን 50 ሰዓታት ኮማዊ ኣገልግሎት ክትህብ ከም እተቐጽዐት ተገሊጹ። እዛ ሻምፒዮን 800 ሜትሮ ዝኾነት ኣትሌት ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ቤትፍርዲ ፕሪቶርያ ብ ናይ 500 ራንድ (35 ዶላር) ዋሕስ እያ ተፈንያ። ስመንያ ብዛዕባ እቲ ጒዳይ ምንም ርእይቶ ኣይሃበትን።

Read More »

ማእከላይ ምብራቕ፥ ግርጭት እስራኤልን ፍልስጤምን ይቕጽል

ፍልስጤማውያን ዕጡቓት ናብ እስራኤል ዝገብርዎ ናይ ሮኬት መጥቃዕቲ እናቐጸለ ብዝኸደ መጠን መጥቃዕቲ እስራኤል ኣብ ቓዛ ብጻዕቂ ይንህር ምህላዉ ተገሊጹ። እስራኤል ብዓርቢ ሓይልታት እጋርን ኣየርን ናብ ቓዛ ኣዋፊራ እኳ እንተላ ዛጊት ናብ ውሽጢ ቓዛ ኣይእተወትን ኣላ። ካብ ቓዛ እተረኽቡ ናይ ቪድዮ ሓበሬታ ከም ዘመልክቶ እታ ከተማ ካብ እስራኤል ብዝተተኰሰ ኣጽዋር ሰማያታ ብቐጻሊ ባርዕ ይረኣዮ ኣሎ። እዚ ግርጭት ብሰኑይ ካብ ዝጅመር ንደሓር …

Read More »

ዕጡቓት ናይጀርያ፥ መደበር ፖሊስ የዕንዉ።

ኣብ ደቡባዉ ምብራቕ ናይጀርያ ክልል ኣባያ ዕጡቓት ንሓደ መደበር ፖሊስ ብምጥቃዕ ከም ዘቃጸልዎ ቢቢሲ ሓቢራ። ፖሊስ እታ ክልል እቲ መጥቃዕቲ ከም እተፈጸመ እኳ እንተኣመኑ እሱራት ካብ ሼላታቶም ሃዲሞም ንዝብል ሓበሬታ ግና ኣይተፈጸሙን ክብሉ ክሒዶም ኣለዉ። ማዕከናት ዜና እታ ክልል እሱራት ካብ ሼላታቶም ከም እትፈትሑ ክገልጻ ጸኒሐን እየን። ብዘይካዚ ኣብ እዋን እቲ መጥቃዕቲ ወተሃደራዊ ዕጥቅን ስንቅን እውን ተዘሚቱ እዩ ዝብል ሓበሬታ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com