Friday , May 3 2024

ኣብ ህንዲ፡ 18 ሓራምዝ ብበርቂ ተቐቲሎም ተባሂሉ

ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ህንዲ፡ ግዝኣት ኣሳም፡ 18 ሓራምዝ ሞይቶም ከም እተረኽቡን ምኽንያት ሞቶም ድማ በርቂ ክኸውን ከም ዝኽእልን ጥርጣረ ከም ዘሕደረ፡ ሰብመዚ፡ እቲ ከባቢ ገሊጾም ኣለዉ።

ዝሓለፈ ሓሙስ፡ ዓሰርተ ኣርባዕተ እዂላት ሓራምዝን ካልኦት ኣርባዕተ ድማ ኣብ ፈቐዶ ኲጀት ወዲቖም ከም ዝጸንሕዎም እቶም ደቂ ዓዲ ገሊጾም ኣለዉ። ሰብ መዚ ዕቀባ ኣግራብ እታ ሃገር፡ ናብቲ ቦታ ብምብጻሕ ነቲ ኲነታት ይከታተልዎ ምህላዎም ገሊጾም ኣለዉ። ምኽንያት ሞት እዞም ሓራምዝ ብረቡዕ ዝወደቐ ብርቱዕ በርቂ ክኸውን ከም ዝኽእልን ኣፈናዊ መጽናዕቲን ምስክር እቶም ደቂ ዓዲን ከም ዘመልክቶ፡ እዞም ሰብ መዚ፡ ገሊጾም ኣለዉ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com