Friday , May 3 2024

ዜና

Harmony Media News 28-04-2021

Read More »

ሊብያ፡ ዕጡቓት ደገፍቲ ሓፍጣር ኣብ ምብራቕ ክካየድ ዝተሓስበ ኣኼባ ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ከልኪሎም

ቀዳማይ ሚኒስተር ሊብያ፡ ዓብደልሓሚድ ድቤይበ፡ ትማሊ ሰኑይ፡ ናብ ቤንጋዚ ክገብሮ ሓሲቡ ዝነበረ ጒዕዞ ብሰንኪ ዕጡቓት ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ዝገብርዎ ዕግታ ተኣጓጒሉ ከም ዝተረፈ ኣልጀዚራ ጸብጺባ። ደገፍቲ ኮማንደር፡ ኻሊፋ ሓፍጣር፡ ዝኾኑ ዕጡቓትን ሲቪላውያን ወኪላት መንግስቲ፡ ናብታ ከተማ ከይኣትዉ ምኽልካሎም ድማ ተፈሊጡ። በዚ ድማ እቶም ወኪላት ናብ ትርቡሊ ክምለሱ ከም እትገብረ እቲ ጸብጻብ ወሲኹ ኣረዲኡ። እዚ ትማሊ ሰኑይ ክካየድ እተሓስበ ኣኼባ፡ ገስጋስ …

Read More »

ናዛኒን ዛጋሪ ራትክሊፍ፡ ንሓደ ዓመት ክትእሰር ተፈሪዳ

ናዛኒን፡ ኣንጻር መንግስቲ ኢራን ብእትገብሮ ፕሮፓጋንዳ፡ ገበነኛ ኮይና ስለእተረኽበት፡ ንዝቕጽል ሓደ ዓመት ክትእሰርን ናይ ጒዕዞ እገዳ ክግበረላን ተፈሪዳ ኣላ። ናዛኒን ቅድሚ 12 ዓመት፡ ኣብ ላንደን እተገብረ ሰልፊ ተቓውሞ ንመንግስቲ ኢራን፡ ተሳቲፋ ኔራ ክብል ጠበቓኣ ንቢቢሲን ኣገልግሎት ዜና ፋርስን ገሊጹ’ሎ። ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ፡ ናዛኒን፡ ክትፍታሕ ጻዕርታቱ ብድርብ ክቕጽለሉ ምዃኑ ገሊጹ’ሎ። እዛ ዜግነት ብሪጣንያ ዘለዋ ኢራናዊት ሰራሕተኛ ትካል ረድኤት፡ ኣብ 2016፡ ኣብ …

Read More »

ደቡብ ሱዳን፡ 60ሽሕ ክታበት ኮቪድ፡ ክትጒሕፍ መዲባ

ሚኒስትሪ ጥዕና ደቡብ ሱዳን፡ ግዜኡ ንዝሓለፎ ክታበት ኣስትራ ዘነካ፡ ከየዕኑ ካብ ዓለማዊ ውድብ ጥዕና ንዝቐረበሉ ምኽሪ ብምንጻግ 60ሽሕ ክታበት ኮቪድ ከዕኑ ምውሳኑ፡ ተቖጻጻሪ ለበዳ ኮቪድ እታ ሃገር፡ ሪቻርድ ላኩ፡ ገሊጹ’ሎ። ዓለማዊ ውድብ ጥዕና፡ እዚ መድሃኒት ካብ ፍርያት ክሳብ 18 ኣዋርሕ ኣብ ጠቕሚ ክውዕል ይኽእል እዩ ብምባል ብዛዕባ ኣጠቓቕማኡ ድማ ካብቲ ውድብ መምርሒ ክጽበዩ ለበዋ ኣቕሪቡ ኔሩ። እንተኾነ ግና ዶ/ር ላኩ፡ …

Read More »

ኣንቶኒ ብሊንከን፡ ናብ ኣፍሪቃ ኦንላይን ምብጻሕ ክገብር እዩ ተባሂሉ

ጸሓፊ ጒዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ ኣንቶኒ ብሊንከን፡ ናብ ሃገራት ኬንያን ናይጀርያን ናይ ኦንላይን ምብጻሕ ብምክያድ ምስ መራሕተን ዘተ ከካይድ ምዃኑ ተገሊጹ። ንሱ ምስ ፕረሲደንት ናይጀርያ፡ መሓመድ ቡሃሪን፡ ሚኒስተር ጒዳያት ወጻኢ እታ ሃገር፡ ጆፍሪ ኦንያና፡ ኣብ ዝህልዎ ዘተ ብዛዕባ “ክልተኣዊ ዝምድናታቶም፡ ብሓባር ዘገድስዎም ዛዕባታትን ክዝትዩ እዮም ክብል መግለጺ ጒዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣመልኪቱ። ናይጀርያ ብሓድሽ ማዕበል መጥቃዕቲ ዳዕሽ ምዕራብ ኣፍሪቃ፥ ከምኡውን መጠነ ሰፊሕ …

Read More »

ግዳያት መልከፍቲ ኮሮና ኣብ ሽወደን፡ ናብ ሓደ ሚልዮን ተጸጊዑ

ኣብ ሽወደን፡ ግዳያት መልከፍቲ ኮሮና ዝኾኑ ሰባት፡ ቁጽሮም 953,254 ምብጽሑን ምስፍሕፋሕ ለበዳ ድማ ቀጻሊ ምህላዉን ኣማኻሪ ተመሓላለፍቲ ሕማማት ሽወደን፡ ኣንደሽ ቲግነል፡ ኣብ ዝተኻየደ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ። ክሳብ ሕጂ፡ ብሰንኪ ሕማም ኮቪድ-19፡ ኣብ ሽወደን፡ 13986 ከም ዝሞቱ ተፈሊጡ ኣሎ። ኣብ ሽወደን፡ ክታበት ዝተኸትቡ ሰባት፡ 3,019,266 ክኾኑ እንከለዉ እቶም  2,288,269 ሰባት፡ ሓንሳብ ክታበት ዝተኸቡ ኮይኖም እቶም 730,997 ሰባት ድማ ክልተ ግዜ ክታበት …

Read More »

ፖሊስ ጣልያን፡ 30 ናይጀርያውያን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ የእትዩ

ፖሊስ ጣልያን፡ ኣብ መላእ እታ ሃገር ዝተዋደደ ምእታው ስርሒት ብምግባር 30 ኣባላት “ጸሊም ፋስ” ዝተሰምየ፡ ስቱር ውድብ ጎሓላሉ ናይጀርያ፡ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከም ዘእተዉ ቢቢሲ ሓቢራ። ብመሰረት ፖሊስ፡ እዚ ጉጅለ፡ ሰባትን ዕጸፋርስን ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ምስግጋር፥ ምስፍሕፋሕ ምንዝርናን ዓሎቕ ኢንተርነትን ሓዊስካ ልዕሊ 100 ክሲታት ቀሪቡሎም ኣሎ። እዚ ጒጅለ ቢትኮይን ብምጥቃም ስቱር ፋይናንሳዊ ዕድግታት ክገብር ብምጽንሑ እውን ክሲ ቀሪብሉ ኣሎ። “ጸሊም ፋስ” …

Read More »

ፍረድሪክሰን፡ ፍርያት ዴኒማርክ ዝኾነ ክታበት ክህሉ ትደሊ

ቀዳመይቲ ሚኒስተር ዴኒማርክ፡ መተ ፍረድሪክሰን፡ ካብ ዝመጽእ ዘሎ ዓመት ጀምራ፡ ዴኒማርክ፡ ናይ ገዛእ ርእሳ ክታበት ከተፍሪ ድሌት ከምዘለዋን ነዚ ንምትግባር ድማ፡ ዴኒማርክ፡ ድሉው ዝኾነ ትሕተ ቅርጺ ከምዘለዋ ምስ ጨንፈር ሳይነሳዊ ሂወት፡ ኣብ ዝገበረቶ ምዝርራብ ገሊጻ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ፍረድሪክሰን፡ ዝርዝር ናይቲ ክፈሪ ዝሕሰብ ክታበት’ኳ እንተ ዘይሓበረት፡ ልክዕ ከምተን ኩባንያታት ፋይዘርን ሞደርናን ዝተጠቀማሉ ኣብ ናይ mRNA ቴክርኖሎጂ ምርኩስ ብምግባር …

Read More »

Harmony Media News 26/04/2021

Read More »

መንግስቲ ህንዲ፡ ብሰንኪ ኣብ ልዕሊ ትዊተር ዘመሓላለፎ ትእዛዝ፡ ተቓውሞ ይገጥሞ

ሃገረ ህንዲ፡ ንኣታሕዛ ለበዳ ኮቪድ-19 ብዝምልከት፡ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ህንዲ፡ ዝፍነዉ ዘለዉ ናይ ነቐፌታ ትሕዝቶታት፡ ትዊተር፡ ከይልጥፍ ብምእዛዙ ተቓውሞ ይገጥሞ። ኣሽሓት ህንዳውያን ነዚ ውሳነ መንግስቲ ዝቃወም ጽሑፋት ይልጥፉ ምህላዎም ተፈሊጡ። ኣፈኛ ትዊተር ገለ ትሕዝቶታት ኣብ ህንዲ ከይረአ ከም ዝዓጸወ ሓቢሩ’ሎ። ህንዲ መጠነ ገዚፍ ሓድሽ ደግሲ ኮሮና ኣጋጢምዋ ሆስፒታላት ብሕጽረት ኦክሲጂን ይሳቐዩ ምህላዎም ይፍለጥ። ሓደ ካብ ተጠቀምቲ ትዊተር ” ኣብ ክንዲ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com