Friday , May 3 2024

ኩባንያ ሞደርና፡ ፍርያቱ ዝኾነ ክታበት፡ ንትሕቲ ዕድመ ንኽወሃብ፡ ካብ ኤውሮፓዊ ሕብረት፡ ፍቓድ ሓቲቱ

ኣሜሪካዊ ኩባንያ ሞደርና፡ ነቶም ኣብ ክሊ ዕድመ 12 ክሳብ 17 ዓመት ዘለዉ ትሕቲ ዕድመ ዝኾኑ መንእስያት፡ ፍርያቱ ዝኾነ ክታበት ኮቪድ፡ ንክኽተቡ ዘኽእል፡ ካብ ኤውሮፓዊ ሕብረትን ካናዳን ፍቓድ ንኽወሃቦ ጠለብ ኣቕሪቡ ከምዘሎ ኣፍሊጡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።

ብዘይካ’ዚ፡ ኩባንያ ሞደርና፡ ኣብ ውሽጢ ኣሜሪካን ካልኦት ሃገራትን ውን፡ ንፍርያቱ፡ ከም ናይ ህጹጽ እዋን ሓደጋ ክታበት፡ ክጥቀምሉ ዘኽእል ፍቓድ ንኽወሃቦ ጠለብ ኣቕሪቡ ምህላዉ ብተወሳኺ ኣፍሊጡ።

ፍርያት ኩባንያ ሞደርና ዝኾነ ክታበት፡ ኣብ ኣሜሪካ፡ ሃገራት ኤውሮፖዊ ሕብረትን ካናዳን ንልዕሊ ዕድመ ዝኾነ መንእሰያት ጥራይ ይወሃብ ከምዘሎ ይፍለጥ።

ፍርያት ቢዮንቴክን ፋይዘርን ዝኾነ ክታበት፡ ኣብ ሃገራት ኤውሮፓዊ ሕብረት፡ ብሪጣንያን ኣሜሪካን ንትሕቲ 12 ዓመት ዝኾኑ ህጻናት ውን ንኽወሃብ ፍቓድ ከምዝረኸበ ይዝከር።

ህጻናትን ትሕቲ ዕድመ ዝኾኑ መንእሰያትን፡ ብኮቪድ ናይ ምልካፍ ተኽእሎታቶም ትሑት ምኻኑ እናተፈልጠ፡ ስለምንታይ እዮ ክኽተቡ ዝድለ ዘሎ ዝብል ኣርእስቲ፡ ኣህጉራዊ ክትዕ ኣልዒሉ ከምዘሎ ይፍለጥ።

ነዚ ጉዳይ ኣመልኪቱ፡ ዓለማዊ ውድብ ጥዕና፡ እዚ ንህጻናትን ትሕቲ ዕድመ ዝኾኑ መንእሰያትን ንኽወሃብ ዝሕሰብ ዘሎ ክታበት ክጸንሕን፡ ኣብ ክንድኡ ድማ፡ እተን ሃብታማት ሃገራት፡ ነቲ ክታበት፡ ንማዕከን ኮቫክስ ብምልጋስ፡ ኣብ መዓላ ድኻታት ሃገራት ንኽውዕል፡ ኣዘኻኺሩ ኣሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com