Friday , May 3 2024
AstraZeneca Foto: Pontus Lundahl / TT kod 10050

ሃገረ ብሪጣንያ፡ ክታበት ኣስትራ ዘነካ ንምምሕያሽ ዝርርብ ጀሚራ

ሃገረ ብሪጣንያን ኩባንያ ኣስትራ ዘነካን፡ ብዛዕባ ፍርያት’ቲ ኩባንያ ዝኾነ ክታበት ኣስትራ ዘነካ፡ ኣንጻር ሓደስቲ ጅራት ብፍላይ ድማ ኣንጻር ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ጅር ዘለዎ ኣድማዕነት ንምምሕያሽ ብዝምልከት ዝርርብ ከምዝጀምሩ ሚኒስተር ጥዕና ብሪጣንያ፡ ማት ሃንኮክ ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።

ሃገረ ብሪጣንያ፡ ካብ ኩባንያ ኣስትራ ዘነካ፡ 1 ሚእቲ ሚልዮን ብልቃጥ ክታበት ኣውሒሳ ከምዘላ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣንጻር እቲ ሓድሽ፡ ቤታ ጅር (B.1.351)፡ ዝተሰየመ ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ጅር ኣድማዕነቱ ንኽዓቢ፡ ነቲ ክታበት ከተማዕብል መዲባ ዘላ።

ሃገረ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ብቤታ ዝተባህለ ሓድሽ ጅር ኣብ ዝተጠቕዐትሉ እዋን፡ ክታበት ኣስትራ ዘነካ፡ ኣንጻር’ቲ ሓድሽ ጅር ውጽኢታዊ ኣይኮነን ብምባል ኣብ ወርሒ የካቲት ካብ ጥቕሚ ደው ከምዘበለቶ ይዝከር።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com