Friday , May 3 2024

ንኣሽሓት ዓመታት በሪዱ ድሕሪ ምጽናሕ ዳግማይ ህይወት ዝሰዂዐ ፍጡር

ኣብ ሳይበርያ (ምብራቕ ሩስያ)፡ ብዙሓት ዋህዮታት ዘለዉዎ ኣዝዩ ደቂቕ (ማይክሮስኮፓዊ) ፍጥረት፡ ን 24 ሽሕ ዓመታት በሪዱ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ዳግማይ ህይወት ከም ዝሰዂዐ ሓድሽ ሳየንሳዊ ጸብጻብ ኣመልኪቱ።

እዚ ዓሌት ብደሎይድ ሮቲፈ ዝኾነ ፍጡር፡ ካብቲ ኣብ ቀዝሒ በረዳት ውቅያኖስ ኣርክቲክ ዝርከብ፡ ቀላይ ኣላየዛ፡ ከም ዘውጽእዎ ጸብጻብ ቢቢሲ ይሕብር። እቲ በረድ ክሓቅቕ ምስ ጀመረ፡ እዚ ንዓሰርተታት ኣሽሓት ዓመታት ደስኪሉ ዝጸንሐ ፍጥረት፡ ብቐጥታ ባዕሉ ብባዕሉ (assexually) ክራባሕ ምጅማሩ ዓብዪ መዛረቢ ኮይኑ’ሎ። ፍጡራት እንተበዝሐ ዓሰርተ ዓመታት ጥራይ እዮም ኣብ በረድ ደስኪሎም ክጸንሑ ዝኽእሉ ንዝብል ሳየንሳዊ ኣረዳድኣ፡ ቊልቊል ኣፉ ዝደፍአ ኣገዳሲ ተረኽቦ ፍጥረታት፡ ኣብ በረድ ንዓሰርተትታ ኣሽሓት ዓመታት ደስኪሎም ክጸንሑ ከም ዝኽእሉ ኣረጋጊጹ’ሎ።

እዚ ጒዳይ፡ ቀለብ ጸሓፍቲ ሳየንሳዊ ልበወለድ እዩ፡ ዝበለ ሓላፊ ትካል ፊዝዮኬሚካልን ስነፍጥረታዊ ግድላትን ዝኾነ ስታስ ማልቪን እዩ። እዚ ፍጥረት ድሕሪ ዝተኻየደሊ መርመራ፡ ጸርጊ ሬድዮካርቦን ዕድመኡ 24 ሽሕ ዓመት ኮይኑ ከም እተረኽበ ዝገለጸ ማልቪን፡ ዝያዳ መጽናዕቲ ክነካይደሉ ከድልየና እዩ ኢሉ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com