Friday , May 3 2024
Denmark's Prime Minister Mette Frederiksen (Jens Dresling/Ritzau Scanpix via AP) LBJ801

ፍሬድሪክሰን፡ ጉዳይ ስለያ፡ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ክሲ እዩ ክትብል ነጺጋቶ

ኣብ ልዕሊ መሓዙትን ጎረባብትን ዝኾና ሃገራት፡ ምጽንጻን ክፍጸም ኣይግባእን።

ቀዳመይቲ ሚኒስተር ሃገረ ዴኒማርክ፡ መተ ፍሬድሪክሰን፡ ነቲ መንግስቲ ኣሜሪካ፡ ብመንገዲ ዴኒማርክ ኣቢላ፡ ኣብ ልዕሊ ፖለቲከኛታት ሃገራት ኖርዲክን ኤውሮፓዊ ሕብረትን፡ ምጽንጻን ተካይድ ኣላ ዝብል ክሲ ኣመልኪታ መልሲ ከምዝሃበት ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።

ማዕከን ዜና ሽወደን፡ SVT፡ ነዚ ሓደገኛ ዝኾነ ሓበሬታ ምስ ኣቃለሐ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን፡ ስቴፋን ሎቪን፡ ፕረዚደንት ሃገረ ፈረንሳ፡ ኢማኑኤል ማክሮንን ቀዳመይቲ ሚኒስተር ጀርመን፡ ኣንጀላ መርከል ነዚ ጉዳይ ብዝምልከት ካብ ኣሜሪካን ዴኒማርክን መብርሂ ክወሃቦም ጠለብ ኣቕሪቦም ምጽንሖም ይዝከር።

ብሰንኪ እዚ ኣጋጢሙ ዝበሃል ዘሎ ተርእዩ፡ ሃገረ ዴኒማርክ፡ ምስ ከም በዓል ፈረንሳን ጀርመርን ዝኣመሰላ ሃገራት  ከምእደገና ዝምድናኣ ከተመሓይሽ ዝግድድ ኣይኮነን። ሓቅነት ናይቲ ጉዳይ ውን ክረጋገጽ ይግባእ እዩ ክትብል፡ ፍሬድሪክሰን፡ ድሕሪ ምግላጽ፡ ምስ ስለያዊ ኣካላት’ታ ሃገር ውን ርክባት ይካየድ ከምዘሎ ኣዘኻኺራ።

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com