Friday , May 17 2024

ዜና

ህንዲ፡ ንኹሎም ልዕሊ 18 ዝዕድሜኦም ዜጋታት ክትከትብ እያ

ለበዳ እናነሃረ ኣብ ዝመጻሉ እዋን፡ ኣብ ርእሰ ከተማ ህንዲ ኒውደልሂ ዕጽዋ ድሕሪ ምእዋጁ፡ ኩሎም ልዕሊ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም ዜጋታት ክኽተቡ፡ ህንዲ፡ ጸዊዓ ኣላ። እዚ መስርሕ ክታበት፡ ካብ ባሕቲ ግንቦት ኣትሒዙ ተግባራዊ ክኸውን እዩ ክብል መንግስቲ፡ ትማሊ ሰኑይ፡ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ’ሎ። እንተኾነ ግና ሕጽረት ብልቃጥ ክታበት፡ ኣብ ዘለወሉ ኲነታት፡ እዚ ውጥን ብኸመይ ክትግበር ምዃኑ ንብዙሓት ኣዛራቢ ኣርእስቲ ኮይኑ ይርከብ። ኣብዚ …

Read More »

ፕረሲደንት ሶማል፡ ኣፍሪቃዊ ሕብረት ንኽሸማግሎ ጸዊዑ

ፕረሲደንት ሶማል፡ መሓመድ ዓብደላ መሓመድ (ፎርማጆ)፡ ምስ ሰብ ጒዳይ ፖለቲካ ሶማል ተፈጢሩ ዘሎ ቅልውላው ንምፍታሕ፡ ኣፍሪቃዊ ሕብረት ክሸማግል ጻውዒቱ ኣቕሪቡ’ሎ። ንሱ፡ ብሰንበት ናብ ርእሰ ከተማ ኪንሻሳ ኣብ ዝገብሮ ዘይወግዓዊ መገሻ እዩ ነዚ እማመ ኣቕሪቡ ዘሎ። ንሱ፡ ምስ ኣቦወንበር ኣፍሪቃዊ ሕብረት፡ ፈሊክስ ትሺሰከዲ፡ ድሕሪ ምርኻብ እዩ ነዚ ሓሳብ ኣቕሪቡ ክትብል ድማጺ ኣመሪካ ሓቢራ። ፎርማጆ፡ ብመንገዲ ሚኒስተር ጒዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ኣቢሉ፡ …

Read More »

ኣብ ማእከላይ ዕድመ ዝርከቡ ደቂ ተባዕትዮ፡ ብሕማም ኮቪድ ናይ ምሟት ሓደገኦም ዝዓበየ ምዃኑ ተሓቢሩ

ኣብ ክሊ ዕድመ 50 ክሳብ 64 ዓመት ዘለዉ ደቂ ተባዕትዮ፡ ብሰንኪ ሕማም ኮቪድ-19፡ ናይ ምሟት ተኽእሎኦም፡ ካብተን ኣብ ተመሳሳሊ ዕድመ ዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ፡ ብ 4 ዕጽፊ ከምዝዓቢ  ንጸብጻባት ማእከል ተመሓላለፍቲ ሕማማት ሽወደን ብምጥቃስ፡ ጋዜጣ ዳገንስ ኒሀተር ኣብ ዓምድታቱ ኣስፊሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ብሕማም ኮቪድ-19 ናይ ምሟት ሓደጋ፡ ኣብ ብዕድመ ዝደፍኡ ሰባት፡ ዓቢ ምዃኑ ፍሉጥ እንተኾነ፡ ኣብ ደቂ ተባዕትዮ …

Read More »

Harmony Media News 19-04-2021

Read More »

ሩስያ፡ ዲፕሎማሰኛታት ቼክ ሪፓብሊክ ሰጒጓ

ቼክ ሪፓብሊክ፡ 18 ዲፕሎማሰኛታት ሩስያ ክሰጒግ እየ ድሕሪ ምባላ፡ ሩስያ ከም ዓጸፋ 20 ዲፕሎማሰኛታት ቼክ ሪፓብሊክ ክትሰጒግ ምዃና ሎሚ ኣፍሊጣ። እዞም ዲፕሎማሰኛታት ሩስያ ሰለይቲ እዮም ተባሂሎም ከም ዝጥርጠሩን፡ ኣብ 2014 ኣብ መኻዚኖ ኣጽዋር ብምፍንጃር ክልተ ሰባት ዝቐተለ ናይ ቦምብ ሓደጋ፡ ኢድ ኔርዎም ክትብል ቼክ ሪፓብሊክ ኣፍሊጣ። ኣብ 2018 ኣብ ብሪጣንያ ናይ ምምራዝ መጥቃዕቲ ፈጺሞም ብዝብል እተጠርጠሩ ክልተ ሩስያውያን ኣብ ትሕቲ …

Read More »

ኣውስትራልያ ብዘይ ውሸባ ምስ ኒዊዚላንድ ዘራኽብ መስመር ጒዕዞ ትኸፍት

ድሕሪ ሓደ ዓመት፡ ሎሚ ሰኑይ፡ ካብ ኣውስትራልያ ናብ መዓርፎ ነፈርቲ ኦክላንድ፡ ኒዊዚላንድ፡ ዝበረሩ ሰባት ሓጎሶም ብንብዓት ከም ዝገለጹ ወኪል ቢቢሲ ካብቲ ቦታ ገሊጹ። ሎሚ ሰኑይ፡ ኣሽሓት ተጓዓዝቲ፡ ካብን ናብን ክልቲኣተን ሃገራት በረራ ክፍጽሙ ተመዝጊቦም ምህላዎም እውን እቲ ጸብጻብ ወሲኹ ኣመልኪቱ። ክልቲኣተን ሃገራት ትርር ዝበለ መምርሒታት ተኸቲለን ኣብ ምቊጽጻር ለበዳ ኮቪድ 19 ዕዉት ስርሓት ከም ዘካየዳ እዩ ዝግለጽ። በዚ ዜና ኣመና …

Read More »

ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ብዝተላበዐ ባርዕ፡ ታሪኻውያን ህንጻታት ይዓንዉ

ኣብቲ ቴብል ማውንተን፡ ተባሂሉ ዝፍለጥ ኲጀታት ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተኸስተ ባርዕ፡ ናብ ቀጽሪ ዩኒቨርሲቲ ኬፕታውን ከም ዘስፋሕፍሐን በዚ ድማ ኣማኢት ተመሃሮ ካብቲ ቦታ ክለቁ ከም እተገብረን ሰብመዚ እታ ሃገር ኣፍሊጦም። እዚ ትማል ሰንበት ጥቓ ቤተ መዘክር ሴሲል ሮደስ ዝተኸስተ ባርዕ ሓዊ፡ ብዘገርም ፍጥነት ከም እተላብዐን ሓደ ቤት መግቢ ምሉእ ብምሉእ ከም ዘዕነወን ተፈሊጡ። ታሪኻዊ ቤት ንባብ እቲ ዩኒቨርሲቲን ካልኦት ህንጻታትን እውን …

Read More »

ናሳ፡ ኣብ ማርስ ፈተነ በረራ ሄሊኮፕተር ገይሩ

ኢንጀንዩቲ እተባህለት ብማዕከን ናሳ፡ ዝተሰርሐት ሄሊኮፕተር፡ ኣብ ካልእ ፕላኔት እትበርር ፋልመይቲ ሄሊኮፕተር ክትከውን ከምዝኸኣለት፡ ናሳ፡ ሓቢሩ ክብል ጸብጻብ ቢቢሲ ብምጥቃስ፡ ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። እዛ ሄሊኮፕተር፡ 1.8 ኪሎግራም ዝኽብደታ ኮይና፡ ኣብ መንኰርኰር ፐርሲቨራንስ ተሓዚላ ኣብ ወርሒ የካቲት፡ ናብ ማርስ ከም ዝበጽሐት ይፍለጥ። ኢንጀንዩቲ፡ ኣብ ማርስ ክትሰርሕ ምዃና ተፈሊጡ ኣሎ። እዛ ሄሊኮፕተር፡ ሎሚ መዓልቲ፡ ኣብ ሰማያት ፕላኔት ማርስ፡ ንኽትበርርን ንክትዓልብን ጸገም …

Read More »

ጉዳይ ናቫልኒ፡ ዓለምለኻዊ ዛዕባ ኮይኑ

ኣክቲቪስት ተቓዋሚ ሰልፊ ሩስያ ዝኾነ ኣለክሴይ ናቫልኒ፡ እንድሕር ኣብ ማእሰርቲ ሞይቱ፡ ሩስያ፡ ከበድቲ ሳዕቤናት ክወርዳ እዩ ክትብል ኣመሪካ ኣጠንቂቓ’ላ። ብሪጣንያ፡ ፈረንሳ፡ ጀርመንን ኣውሮጳዊ ሕብረትን እውን ብተመሳሳሊ ኣብ ኣተሓሕዛ እዚ እሱር ዘለወን ሻቕላ ገሊጸን ኣለዋ። ሓካይም ናቫልኒ፡ ኣብ ሕቖኡ ከቢድ ቃንዛ፡ ከም ዘለዎ ታሕተዋይ መሓውሩ እውን ከም ዘቐንዝዎ ብምግላጽ፡ ዘድሊ ሕክምናዊ ረድኤት እንተ ዘይተጌርሉ ኣብ ውሽጢ ሒደት መዓልታት ክመውት ይኽእል እዩ …

Read More »

መጠን ሽቕለት ኣልቦነት፡ ምንቁልቋሉ ይቕጽል

መጠን ሽቕለት ኣልቦነት፡ ብዘገምታ ይጎድል ምህላዉ ቤት ጽሕፈት ኣርቤትስፎርሜድሊን ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ልዕሊ 6800 ሰባት ከም ስራሕ ኣልቦ ክምዝገቡ እንከለዉ፡ ኣስታት 11 ሽሕ ድማ ናብ ስራሕ ወይ ከኣ ትምህርቲ ከምዝጀመሩ ጸብጻባት እቲ ቤት ጽሕፈት ይሕብሩ። ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ጠቕላላ ድምር ብዝሒ ስራሕ ኣልቦ ዝኾኑ ሰባት 433 ሽሕ ምብጽሑ ሓቢሩ። መጠን ሽቕለት ኣልቦነት፡ ካብቲ ቅድሚኡ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com