Thursday , May 2 2024

ህንዲ፡ ንኹሎም ልዕሊ 18 ዝዕድሜኦም ዜጋታት ክትከትብ እያ

ለበዳ እናነሃረ ኣብ ዝመጻሉ እዋን፡ ኣብ ርእሰ ከተማ ህንዲ ኒውደልሂ ዕጽዋ ድሕሪ ምእዋጁ፡ ኩሎም ልዕሊ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም ዜጋታት ክኽተቡ፡ ህንዲ፡ ጸዊዓ ኣላ።

እዚ መስርሕ ክታበት፡ ካብ ባሕቲ ግንቦት ኣትሒዙ ተግባራዊ ክኸውን እዩ ክብል መንግስቲ፡ ትማሊ ሰኑይ፡ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ’ሎ። እንተኾነ ግና ሕጽረት ብልቃጥ ክታበት፡ ኣብ ዘለወሉ ኲነታት፡ እዚ ውጥን ብኸመይ ክትግበር ምዃኑ ንብዙሓት ኣዛራቢ ኣርእስቲ ኮይኑ ይርከብ። ኣብዚ እዋን፡ሰራሕተኛታት ክንክን ጥዕና ህንዲ፥ ኣብ ቅድመ ግንባር ዝርከቡን ልዕሊ 45 ዝዕድሜኦም ዜጋታት ትኸትብ ምህላዋ ዝፍለጥ ኮይኑ ብፍላይ ኣብታ ብኮሮና ኣመና ዝተሃስየት ምምሕዳር ማሃራሽትራ፡ ዝተኻየደ ክትባት እዂል ዘይምንባሩ ጸብጻባት የመልክቱ።

ብዙሓት ክኽተቡ ዝመጹ ሰባት፡ ብሰንኪ ሕጽረት ክታበት ከይተኸትቡ ከም እትሰናበቱ እውን ተመልኪቱ። ትካል ሰሩም ህንዲ፡ ዘፍረይዎም ክታበታት፡ ዓለምለኻዊ ረቛሒታት ዘየማልኡ እዮም ብዝብል ምኽንያት ካብ ዕዳጋ ከም እተኣገዱ ዝዝከር እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com