Friday , May 3 2024

ዜና

ባይደን፡ ንቕትለት ጀማል ካሾግጂ ኣመልኪቱ ንንጉስ ሳልማን ከዘራርቦ እዩ

ኣመሪካ ብዛዕባ ቅትለት ካሾግጂ ዝምልከት ኣዝዩ ኣፈዳሒ ዝተባህለሉ ናይ ስለያ ሰነድ ከም ዘለዋን እዚ ድማ ንሓደ ካብ ደቂ ንጉስ ብገበን ዘሕትት ምዃኑን ኣልጀዚራ ሓቢራ። ፕረሲደንት ጆ ባይደን ሎሚ ረቡዕ ንቕትለት ካሾጊ ኣመልኪቱ ምስ ንጉስ ስዑዲ ዓረብ፡ ሳልማን ዓብዱልዓዚዝ፡ ክዘራረብ እዩ ተባሂሉ። ኣመሪካ ድሕሪ’ዚ፡ ምናልባት ነቲ ኣፈዳሒ ዝተባህለ ስለያዊ ሰነድ ቅትለት ጀማል ካሾግጂ ክትዝርግሕ ከም እትኽእል ድማ ተሓቢሩ። Axios Reported ዝተባህለ …

Read More »

ኩባንያ ሃዩንዳይ (Hyundai)፡ ናይ ዘፍረየን መካይን፡ ባተሪ ክቕይር ምዃኑ ኣፍሊጡ

ፍርያት ኩባንያ ሃዩንዳይ ዝኾና ናይ ኤሌክትሪክ መካይን፡ እቲ ዝጥቀማሉ ዘለዋ ባተሪ፡ ንሓደጋ ሓዊ ዘቃልዕ ኮይኑ ስለዝተረኽበ፡ እቲ ኩባንያ፡ ብዓለም ደረጃ ንዘፍረየን 82 ሽሕ መካይን ባተሪ ክቕይረለን ምዃኑ ሓቢሩ። እዚ ናይ ባተሪ ምቕያር መስርሕ፡ ነተን ብ ኮና አቪ (Kona EV) ዝፍለጣ ሞዴል ጥራይ ዝምልከት ምዃኑ እቲ ኩባንያ ኣብሪሁ። ብሓደ ኣፍራይ፡ ኣብ ልዕሊ ክንድ’ዚ ብዝሒ ዘለወን መካይን ዝግበር መስርሕ ምቕያር ባተሪ፡ ኣብ …

Read More »

መጠን መልከፍቲ ኮሮና፡ ኣብ ናይጀርያ፡ ዝለዓለ ምዃኑ ተገሊጹ

ብመሰረት ዳህሳስ ኣንቲቦዲስ ኮቪድ -19፡ ኣብ ሌጎስ ጥራይ 4 ሚልዮን ሰባት በቲ ቫይረስ ተለኺፎም ከም ዘለዉን እዚ ኣሃዝ ካብ ጠቕላላ ቊጽሪ ልኹፋት ኣህጒር ኣፍሪቃ እቲ ዝዓበየ ምዃኑ ተገሊጹ። ክሳብ ሕጂ ኣብ ናይጀርያ፡ ብቫይረስ ኮሮና 153 ሽሕ ዝተለኽፉን ካልኦት 1862 ድማ ከም ዝሞቱን እዩ ክግለጽ ጸኒሑ። እዚ መጽናዕቲ ኣብ ኣርባዕተ ምምሕዳራት ናይጀርያ፡ ኣብ ልዕሊ 10 ሽሕ ሰባት እዩ ተኻዪዱ። ኣብዛ ብብዝሒ …

Read More »

ልዕሊ 65 ዓመት ዝዕድሚኦም ሽማግለታት፡ ብጌጋ፡ ክታበት ኣስትራ ዚኒካ ተወጊኦም

ኣብ ቦሮስን (Borås) ዮተቦሪን (Gothenburg) ዝቕመጡ 15 ልዕሊ 65 ዓመት ዝዕድሚኦም ሽማግለታት፡ ብጌጋ፡ ክታበት ኩባንያ ኣስትራ ዚኒካ ከምዝተወግኡ ኩባንያ ስቪያ ቫክሲን ሓቢሩ። እቲ ክሳብ ሕጂ፡ ኣብ ልዕሊ 65 ዓመት ዝዕድሚኦም ሰባት፡ ዘለዎ ጽልዋ ብዝምልከት፡ ንጹር ዝኾነ ሓበሬታ ዘይተረኽቦ ክታበት ኣስትራ ዚኒካ፡ ንሽማግለታት ከይወሃብ ብበዓል መዚ ኣገልግሎት ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን ሓበሬታ ተወሂቡ ከምዝነበረ ይፍለጥ።  እቲ ዝተዋህበ ክታበት፡ ብዘይጥቕሚ ንኸይድርበ ተባሂሉ ነዞም …

Read More »

እስራኤል: ብምኽንያት ብከላ: ገማግም ባሕራ ትዓጹ

ኣብ ማእከል ማያት ዝርከብ መኽዘን ነዳዲ ዘይቲ ፈሲሱ ኣብ ስነ-ህይወት ባሕሪ ጒድኣት ድሕሪ ምውራዱ እስራኤል ብሰንበት ኲሉ ናይ ማእከላይ ባሕሪ ዶባታ ምዕጻዋ ተገሊጹ። ብስንኪ እቲ ምዝራቚ ዘይቲ ኣብ 160 ኪሎሜትር ገማግም ባሕሪ እስራኤል ብቶናት ዝግመት ካርታመ ናብ ባሕሪ ምፍሳሱን ኣብ ስነ- ህይወት ባሕሪ እታ ሃገር ዝዓበየ ዕንወት ምብጽሑን ተገሊጹ። ሰባት ኣብ ገማግም ባሕሪ እስራኤል ጸሊም ሓፊስ ነገር ምርኣዮም ድሕሪ ምግላጾምን …

Read More »

ፕረሲደንት ታንዛንያ: ሃገሩ ሽግራት ኮቪድ-19 ከም ዘለዋ ይእመን

ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ታንዛንያ ዘሎ ኲነታት ለበዳ ኮሮና ኣሻቓሊ እዩ ዝብል መግለጺ ድሕሪ ምውጽኡ ፕረሲደንት ታንዛንያ ጆን ማጉፉሊ ብዛዕባቲ ጒዳይ ርእይቶ ሂቡ’ሎ። ንሱ ንኣዋርሕ ን ሽግር ኮሮና ከዋድቕን ብጸሎት ተሳዒሩ እዩ ዝብል ኣገራሚ መልሲታትን ክህብ ድሕሪ ምጽናሕ ሎሚ ዜጋታት እታ ሃገር ነቲ ሕማም ንምክልኻል ኣድላዪ ዘበለ ጥንቃቐታት ክገብሩ ጻውዒት ጌሩ’ሎ። ንሱ ብሰንበት ኣብ ዝተኻየደ ናይ ጸሎት ስነስርዓት ዜጋታት ኣብ …

Read More »

ሩዋንዳ: ተቓዋሚ መንግስቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ተቐቲሉ

ውሩይ ፖለቲከኛን ተቓዋሚ መንግስቲ ሩዋንዳን ሰይፍ ባምፖሪኪ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ከም እተቐትለ ተገሊጹ። ንሱ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ብስደት እዩ ዝቕመጥ ኔሩ። ንሱ ቅድሚ ምቕታሉ ኣብ ኬፕ ታውን ካብ መኪናኡ ክወርድ ከም እተገብረ ፖሊስ ገሊጾም። ኣፈናዊ መርመራታት ከም ዘመልክትዎ ምናልባት ብሰረቕቲ ተቐቲሉ ክኸውን ይኽእል እዩ ዝብል ጠርጠራታት ምህላዉ ፖሊስ ሓቢሮም። እንተኾነ ግና ሰልፊ ባምፖሪኪ—ሃገራዊ ባይቶ ሩዋንዳ እቲ ድርኺት መቕተሊ ግልጺ ከም …

Read More »

ኡጋንዳ: ቦቢ ዋይን ክሱ የልዕል

መራሒ ተቓዋሚ ኡጋንዳ ቦቢ ዋይን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ እተኣወጀ ውጽኢት ምርጫ ብምብዳህ ናብ ቤት ፍርዲ ዘቕረቦ ክሲ ስሒብዎ’ሎ ክብል ቢቢሲ ሓቢሩ። ብናይ ስነጥበብ ስሙ ቦቢ ዋይን ዝጽዋዕ ሮበርት ቻጉላኚ ክሱ ዝሰሓበሉ ምኽንያት እቶም ደያኑ ሻራውያን ስለ ዝኾኑ እዩ ኢሉ’ሎ። ንሱ ዓሎቕ ጎነጽን ካልእን ዘይሕጋዊ ተግባራት ስለ ዝተፈጸመ እቲ ውጽኢት ምርጫ ከይጸድቕ ን ቤትፍርዲ ኣመልኪቱ ኔሩ እዩ። ካብ ሙዚቃ ናብ ሞያ …

Read More »

ኮንጎ: ኣምባሳደር ኢጣልያ ተቐቲሉ

ኣምባሳደር ኢጣልያ ኣብ ዲሞክራቲክ ሪፓብሊክ ኮንጐ ኣብ ምብራቕ እታ ሃገር ብዘጋጠመ መጥቃዕቲ ከም ዝሞተ ሚኒስትሪ ጒዳያት ወጻኢ ኢጣልያ ገሊጹ። 43 ዝዕድሜኡ ሉካ ኣታናስዮ ምስ ቃፍላይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት እናተጓዕዘ ጥቓ ከተማ ጎማ ኣብ ዝርከብ ቦታ ብዝተገብረ መጥቃዕቲ እዩ ቈሲሉ። ትማሊ ሰኑይ ኣብ ሆስፒታል ከም ዝዓረፈ ድማ ተገሊጹ። እተን ቃፍላይ ናይ ው/ሕ/ሃ ፕሮግራም መግቢ ዓለም እየን። ኣብቲ መጥቃዕቲ ምስተን ቃፍላይ ዝነበሩ …

Read More »

ሱዳን: ዋጋ ዶላር ብዕጽፊታት ይውስኽ

ማእክላይ ባንክ ሱዳን ን ባጤራ እታ ሃገር ዋጋኡ ከም ዝሓስር ብምግባር ምስራዝ ዕዳ ክግበረላን ወፍሪ ክትስሕብን ትጽዕር ምህላዋ ተገሊጹ። ባንክ እታ ሃገር ንዕላዊን ናይ ጸሊን ዕዳጋ ሸርፊን ዶላር ማዕረ ከም ዝኸውን ጌሩ’ሎ። ብመሰረት እዚ ዋጋ ሓደ ዶላር 370 ፓውንድ ሱዳን ኮይኑ’ሎ። ዓመታዊ ዝቕባበ ሱዳን ብ 300% ኣብ ዓለምና ዝዓበየ እዩ ዝበለ ድምጺ ኣመሪካ፥ እዚ ድማ ኣብታ ሃገር በብግዜኡ ናዕቢ ኣብ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com